1ኵልኻትኩም ኣህዛብ፥ ኣእዳውኩም ኣጣቕዑ፤ ብቓል ሓጐስውን ንእግዚኣብሄር ዕልል በሉ።
2እግዚኣብሄር ልዑልን ግሩምን እዩሞ፤ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ እውን ዓብዪ ንጉስ እዩሞ።
3ንኣህዛብ ኣብ ትሕቴና፥ ንወገናትውን ኣብ ትሕቲ እግርና ኣግዝአልና።
4ናይ ያእቆብ ፅባቐ ዝፈተወ፥ ንሱ ንርስቱ ንኣና ሓረየና።
5ኣምላኽ ብዕልልታ፥ እግዚኣብሄር ብድምፂ መለኸት ዓረገ።
6ዘምሩ፥ ንኣምላኽና ዘምሩ፤ ዘምሩ፥ ንንጉስና ዘምሩ።
7እግዚኣብሄር ንጉስ ኵላ ምድሪ እዩ እሞ፥ ብምስትውዓል ዘምሩሉ።
8እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ነገሰ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ዙፋን ቅድስናኡ ይቕመጥ።
9ሓይለኛታት ምድሪ ንእግዚኣብሄር እዮምሞ፤ ኣሕሉቕ ኣህዛብ ናብ ኣምላኽ ኣብርሃም ተኣከቡ፤ ንእኡ ኸዓ ልዕል ልዕል ኣብልዎ።