1ኣምላኽና መዕቘቢናን ሓይልናን፥ ብዝረኸበና ብርቱዕ መከራውን ረዳኢና እዩ።
2ስለዙይ ምድሪ እንተ ተናወፀት፥ እምባታትውን ናብ ዓሚቝ ባሕሪ እንተ ሰጠሙ፥ ማያቱ እንተ ሃመመን እንተ ተናወፀን፥ እምባታትውን ካብ ሓይሉ ዝተልዓለ እንተ ኣንቀጥቀጡ፥ ንሕናስ ኣይንፈርሕን ኢና።
4ወሓዚ ሩባታት፥ ንኸተማ እግዚኣብሄር፥ ደስ የብላ፤ ልዑል ንመሕደሪኡ ቐደሰ።
5እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸላ እዩ፥ ኣይትናወፅን፤ እግዚኣብሄር ቀልጢፉ ኽረድኣ እዩ።
6ኣህዛብ ተናወፁ፤ መንግስታትውን ተመለሱ፤ ንሱ ቃሉ ሃበ፤ ምድሪ እውን ኣንቀጥቀጠት።
7ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ፤ ኣምላኽ ያእቆብውን መፀግዒና እዩ።
8ናይ እግዚኣብሄር ስራሕ፥ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ተኣምራትውን ክትሪኡ ንዑ።
9ክሳዕ ወሰን ምድሪ ንውግእ ኸወግድ እዩ፤ ንቐስቲ ኽሰባብሮ፤ ንዅናት ክቐራስሞ፤ ንዋልታ ኸዓ ብሓዊ ኸቃፅሎ እዩ።
10“ዕረፉ፤ ኣነውን ኣምላኽ ከም ዝኾንኩ ፍለጡ፤ ብኣህዛብ ልዕል ልዕል ክብል እየ፤ ኣብ ምድሪ እውን ልዕል ልዕል ክብል እየ።”
11ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ፤ ኣምላኽ ያእቆብ መፀግዒና እዩ።