1ኦ ኣምላኽ፥ ፍረደለይ፤ ካብ ፅድቂ ኻብ ዝረሓቑ ህዝቢ እውን ክርክረይ ተኸራኸር፤ ካብ ጠባሪን ዓማፅን ሰብ ኣድሕነኒ።
2ኣታ ኣምላኸይን ሓይለይን፥ ስለ ምንታይ ትሓድገኒ? ፀላእተይ እንተጨንቑኒ ንምንታይ ሓዚነ ዝመላለስ?
3ብርሃንካን ሓቅኻን ለኣኽ፤ ንሳተን ይምርሓኒ፤ ናብታ ቅድስቲ እምባኻን፥ ናብታ መሕደሪኻን የብፅሓኒ።
4ናብ መሰውኢ እግዚኣብሄር፥ ንጕብዝናይ ናብ ዘሐጕሳ ናብ ኣምላኸይ ክኣቱ እየ፤ ኦ ኣምላኸይ፥ ብበገና ኸመስግነካ እየ።
5ኦ ነፍሰይ ንምንታይ ትሓዝኒ? ንምንታይከ ትህውኽኒ? ንመድሓኒ ገፀይ ንኣምላኸይ ከመስግኖ፥ ብእግዚኣብሄር ተኣመኒ።