1ንድኻን ንምስኪንን ዝሓሊ ሰብ ብሩኽ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ብመዓልቲ መከራ የድሕኖ።
2እግዚኣብሄር ክሕልዎን ህያው ክገብሮን እዩ፤ ንሱ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዝምስገን ይገብሮ፤ ናብ ኢድ ፀላእቱውን ኣሕሊፉ ኣይህቦን።
3እግዚኣብሄር ኣብ ዓራት ሕማሙ እንተሎ ይረድኦ፤ ኣብ ጊዜ ሕማሙ፥ ንዅሉ መደቀሲኡ የንፅፈሉ።
4ኣነስ፦ “ኦ ጐይታ፥ መሓረኒ፤ ንኣኻ በዲለ እየሞ ንነፍሰይ ፈውሳ” በልኩ።
5ፀላእተይ “መኣዝ እዩ ዝመውት? መኣዝከ እዩ ስሙ ዝሰዓር?” እናበሉ፥ ኣባይ ክፉእ ይዛረቡ ኣለዉ።
6ሓደ ንኣይ ንምርኣይ እንተ ኣተወ ኸንቱ ይዛረብ፤ ኣብ ልቡ ሓጢኣት ይእክብ፤ ናብ ደገ ወፂኡ ድማ ይናገር።
7ኣብ ልዕለይ ብምትሕብባር፥ ኵሎም ፀላእተይ ንስንሳቶም የሕሸዅሽኹ ኣለዉ፤ ኣብ ልዕለይውን ክፋእ ይሓስቡ ኣለዉ።
8“ክፉእ ነገር መፆ፤ ደቂሱ ኣሎ፤ ደጊም ኣይትስእን እዩ” ይብሉ ኣለዉ።
9እቲ ኣነ ዝኣምኖ ናይ ሰላመይ ሰብ፥ እንጀራይ ዝበልዐ፥ ኣብ ልዕለይ ሸዀናኡ ኣልዓለ።
10ንስኻ ግና ኦ ጐይታ፥ መሃረኒ፤ ምእንቲ ኽምልሰሎምውን ኣተስአኒ።
11ፀላእየይ ዕልል ኣይብለለይን እዩሞ፥ ስለዙይ ንስኻ ኸም ዝፈተኻኒ ፈለጥኩ።
12ንኣይ ግና ስለ ቕንዕናይ ተቐበልካኒ፤ ኣብ ቅድሜኻ ኸዓ ንዘለኣለም ኣፅናዕኻኒ።
13ካብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም፥ ናይ እስራኤል ኣምላኽ፥ እግዚኣብሄር ይባረኽ። ኣሜን፤ ኣሜን።