1ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር ዘምሩ፤ ምስጋናኡውን ኣብ ጉባኤ ቅዱሳን እዩ።
2እስራኤል፥ ብፈጣሪኡ ይተሓጐስ፤ ደቂ ፅዮንውን፥ ብንጉሶም ይተሓጐሱ።
3ንስሙውን ብስዕስዒት የመስግኑ፤ ብኸበሮን ብመሰንቆን ይዘምሩሉ።
4እግዚኣብሄር ብህዝቡ ተሓጕሱ እዩሞ፥ ንየዋሃን ብምድሓኑ ልዕል ልዕል የብሎም እዩሞ።
5ቅዱሳን ብኽብሩ ይምክሑ፤ ኣብ መደቀሲኦምውን ሓሴት ይገብሩ።
6ምስጋና እግዚኣብሄር ኣብ ጐረሮኦም ይኹን፤ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ እውን ኣብ ኣእዳዎም እዩ፤
7ንኣህዛብ ምእንቲ ሕነ ኽፈድዩ፥ ኣብ ማእኸል ሰባትውን ክቐፅዑ፥
8ንነገስታቶም ብሰንሰለት፥ ንመራሕቶም ከዓ ብመቝሕ ሓፂን ክኣስሩ፥
9ኣብ ልዕሊኣቶም ዝተፅሓፈ ፍርዲውን ምእንቲ ኽፍፅሙ እዩ፤ ንዅሎም ቅዱሳኑ እዚኣ ኽብሪ እያ። ሃሌ ሉያ።