1ንእግዚኣብሄር ካብ ሰማያት ኣመስግንዎ፤ ብኣርያም ኣመስግንዎ።
2ኵልኹም መላእኽቱ፥ ኣመስግንዎ፤ ኵልኹም ሰራዊቱ፥ ኣመስግንዎ።
3ፀሓይን ወርሕን፥ ኣመስግናኦ፤ ኵልኹም ከዋኽብትን ብርሃናትን ኣመስግንዎ።
4ሰማየ ሰማያትን ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዘለኹም ማያትን፥ ንስም እግዚኣብሄር ኣመስግንዎ።
5ንሱ ኢሉ እዩሞ ኾኑ፤ ንሱውን ኣዚዙ እዩሞ ተፈጠሩ፤ ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎ።
6ንዘለኣለመ ኣለምውን ኣቖሞም፤ ትእዛዝ ሃቦም፤ ኣይሓልፉንውን።
7ኵልኻትኩም ገበላት መዓሙቝ ማያት፥ ንእግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ኣመስግንዎ።
8ሓዊን በረድን ኣስሓይታን ሑመድያን ንቓሉ ዝእዘዝ ንፋስ ኣውሎን፥
9ኵልኻትኩም እምባታትን ኰረብታታትን፥ ኵሉ ዘፍሪ ኦምን ዝግባን፥
10ኣራዊትን ኵልኻትኩም እንስሳን፥ ለመም እትብሉን፥ ነፈርቲ ኣዕዋፍን፥
11ነገስታት ምድርን፥ ኵልኻትኩም ህዝብታትን፥ ኣሕሉቕን፥ ኵልኻትኩም ገዛእቲ ምድርን፥
12ኣጓብዝን ደናግልን፥ ዓበይትን ህፃናትን፥
13ንስም እግዚኣብሄር የመስግኑ፤ ስሙ ንበይኑ ልዕል ልዕል ኢሉ እዩሞ፥ ምስጋናኡውን ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን እዩ።
14ቀርኒ ህዝቡ ልዕል ልዕል ከብል እዩ፤ ምስጋና ዅሎም ቅዱሳኑውን፥ እቶም ናብኡ ዝቐረቡ ህዝቢ ደቂ እስራኤል፥ ልዕል ልዕል ከብል እዩ። ሃሌ ሉያ።