1ነእዳወይ ውግእ፥ ነፃብዕተይ ሰልፊ ዝመሃረን እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ይባረኽ።
2ንሱ መሓሪየይን መዕቘብየይን ዕርደይን፥ መድሓኒየይን፤ ረድኤተይን መተኣማመንየይን፥ ንህዝበይውን ኣብ ትሕተይ ዘግዝአለይ ንሱ እዩ።
3ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ኽትፈልጦ ሰብ እንታይ እዩ? ንስኻ ኽትዝክሮኸ ወዲ ሰብ እንታይ እዩ?
4ሰብ ከንቱ ይመስል፤ መዓልትታቱ፥ ድማ ኸም ፅላሎት ይሓልፍ።
5ኦ ጐይታ፥ ንሰማያትካ ትሕት ትሕት ኣብሎም፤ ውረድውን፤ ንእምባታትውን ዳህስሶም፤ ክትክዩ እዮም።
6መባርቕትካ ብልጭ ኣብል፤ በትኖምውን፤ ፍላፃታትካ ወርውር፤ ሃውኮምውን።
7ኢድካ ኻብ ኣርያም ለኣኽ፤ ካብ ብዙሕ ማይ፥ ካብ ኢድ ደቂ ጓናውን ኣድሕነኒ።
8ኣንደበቶም ከንቱ ነገር ካብ ዝናገር፥ የማኖምውን የማን ዓመፅ ካብ ዝኾነ ኣድሕነኒ።
9ኦ ኣምላኽ፥ ሓድሽ መዝሙር ክዝምረልካ እየ፤ ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገና ኽዝምረልካ እየ።
10ንነገስታት መድሓኒት ዝህቦም፥ ንዳዊት ባርያኡ ኻብ ክፉእ ዂናት ዘድሓኖ ንሱ እዩ።
11ኣንደበቶም ከንቱ ኻብ ዝናገር፥ የማኖምውን የማን ዓመፅ ካብ ዝኾነ፥ ካብ ኢድ ደቂ ጓኖት ኣናግፈኒ፤ ኣድሕነኒውን፤
12ደቆም ብጕብዝናኣቶም ከም ሓድሽ ኣታኽልቲ ዝኾኑ፥ ኣዋልድ ደቆምውን ከም ሕልፍኚ ዘጌፃን ዝተሸለማን ዝኾና፥
13ኣባይቶምውን ዝመልኡ፥ በብዓይነቱ እኽሊ ዝህቡ፥ ኣባጊዖምውን ብዙሓት ዝወልዳ፥ ኣብ መውፈሪአንውን ዝበዝሓ፥
14ኣብዑሮም የመና ዝሰብሑ፥ ንቕፅራቶምውን መፍረስን መውፅእን ዘይብሉ፥ ኣብ ኣደባባያቶምውን ኣውያት ዘየለ፥
15ከምዙይ ዝበለ ህዝቢ ብሩኽ እዩ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ዝኾነ ህዝቢ ብሩኽ እዩ።