1ኦ ጐይታ፥ ፀሎተይ ስምዐኒ፤ ብሓቂኻ ንልመናይ ፅን በሎ፤ ብፅድቅኻውን መልሰለይ።
2ኵሉ ህያው ኣብ ቅድሜኻ ፃድቕ ኣይኮነንሞ፥ ምስ ባርያኻ ናብ ፍርዲ ኣይትእቶ።
3ፀላኢ ንነፍሰይ ኣሳጐጓ፤ ንህይወተይውን ኣብ ምድሪ ኣዋረዳ፤ ከምቶም ቀደም ዝሞቱ ሰባት ኣብ ፀልማት የንብረኒ ኣሎ።
4ስለዙይ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ደኸመት፤ ልበይውን ኣብ ውሽጠይ ደንገፀት።
5ናይ ቀደም ዘመን ዘከርኩ፤ ኵሉ ተግባርካ ኣስተንተንኩ፤ ግብሪ ኣእዳውካውን ተመልከትኩ።
6ኣእዳወይ ናባኻ ዘርጋሕኹ፤ ነፍሰይውን ከም ንቕፅቲ ምድሪ ፀምአትካ።
7ኦ ጐይታ፥ መንፈሰይ ሃሊቓ እያሞ፥ ቀልጢፍካ ስምዐኒ፤ ከምቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ኸይከውን፥ ገፅካ ኻባይ ኣይትኸውል።
8ብኣኻ ተኣሚነ ኣለኹ እሞ፥ ኣንጊህኻ ምሕረትካ ኣስምዐኒ፤ ኦ ጐይታ፥ ነፍሰይ ናባኻ ኣልዒለ ኣለኹሞ፥ እታ ዝኸዳ መንገዲ ኣፍልጠኒ።
9ኦ ጐይታ፥ ኣባኻ እምሕፀን ኣለኹሞ፥ ካብ ፀላእተይ ኣናግፈኒ።
10ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፥ ፍቓድካ ኽፍፅም መሃረኒ፤ ቅዱስ መንፈስካውን፥ ብምድሪ ፅድቂ ይምርሐኒ።
11ኦ ጐይታ፥ ስለ ስምካ ህያው ግበረኒ፤ ብፅድቅኻውን ንነፍሰይ ካብ መከራ ኣውፅኣያ።
12ብምሕረትካ ንፀላእተይ ደምስሶም፤ ኣነ ባርያኻ እየ እሞ፥ ንዅሎም እቶም ንነፍሰይ ዘጨንቑዋ ኣጥፍኣዮም።