1ኦ ጐይታ፥ ካብ ክፉእ ሰብ ኣድሕነኒ፤ ካብ ዓማፂ ሰብውን ሓልወኒ።
2ንሳቶም ብልቦም ክፉእ ይሓስቡ፤ ኵሉ መዓልቲ እውን ንውግእ ይእከቡ።
3መልሓሶም ከም ተመን ኣብልሑ፤ ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም ሕንዚ ኣፍዑት ኣሎ።
4ኦ ጐይታ፥ ካብ ኢድ ሓጥኣን ሓልወኒ፤ ካብቶም ኣካይዳይ ከሰናኽሉ ዝመኸሩ ዓመፅቲ ኣድሕነኒ።
5ዕቡያት መፈንጠር ሓብኡለይ፤ ነእጋረይውን ናይ መፈንጠር ገመድ ዘርግሑ፤ ኣብ መንገደይውን ዕንቅፋት ኣንበሩ።
6ንእግዚኣብሄር፥ “ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፤ ንድምፂ ምህለላይ ፅን በሎ” በልክዎ።
7ኦ ጐይታይ፥ ሓይሊ ምድሓነይ፥ ብመዓልቲ ውግእ ንርእሰይ ሸፈንካ።
8ኦ ጐይታ፥ ካብ ድልየተይ ዝተልዓለ፥ ንሓጢኣተኛታት ኣሕሊፍካ ኣይትሃበኒ፤ ኣብ ልዕለይ ተማኺሮም ኣለዉሞ፥ ከይዘሃሩስ ኣይትሕደገኒ።
9ንርእሲ እቶም ዝኸበቡኒ፥ ክፍኣት ከናፍሮም ይድፈኖም።
10ጓህሪ ሓዊ ኣብ ልዕሊኣቶም ይውደቕ፤ ከይለዓሉውን ናብ ሓዊን፥ ናብ ማዕበልን ይደርበዩ።
11ክፉእ ተናጋሪ ሰብ፥ ኣብ ምድሪ ፀኒዑ ኣይነብርን፤ ንዓመፀኛ ሰብውን ክፍኣት ክተጥፍኦ ትደልዮ።
12እግዚኣብሄር ንድኻታት ፍርዲ፥ ንምስኪናት ፍትሒ ኸም ዝገብር ፈለጥኩ።
13ግና ፃድቃን ንስምካ ኸመስግኑ እዮም፤ ቅኑዓትውን ኣብ ቅድሚ ገፅካ ኽነብሩ እዮም።