1(ዳዊት።) ብሙሉእ ልበይ ከመስግነካ እየ፤ ኣብ ቅድሚ ኣማልኽቲ ክዝምረካ እየ።
2ንቓልካ ልዕሊ ዅሉ ስምካ ስለ ዘዕበኻዮ፡ ኣብ ቅድስቲ ቤተ መቕደስካ ኽሰግድ፡ ብለውሃትካን ስለ ሓቅኻን ድማ ንስምካ ኽውድሶ እየ።
3በታ ዝጸዋዕኩላ መዓልቲ፡ መለስካኒ፡ ኣብ ነፍሰይ ድማ ብሓይሊ ኣበርቲዕካኒ።
4ኵሎም ነገስታት ምድሪ፡ ቃላት ኣፍካ ምስ ሰምዑ፡ ኬመስግኑኻ እዮም።
5ክብሪ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ እሞ፡ እወ፡ ብመገድታት እግዚኣብሄር ኪዝምሩ እዮም።
6እግዚኣብሄር ልዑል እኳ እንተ ዀነ፡ ንትሑታት የኽብሎም፡ ንዕቡያት ግና ካብ ርሑቕ ይፈልጦም እዩ።
7ኣነ ኣብ ማእከል ጭንቀት እኳ እንተ ተመላለስኩ፡ ንስኻ ክትትንስእኒ ኢኻ። ኢድካ ኣንጻር ቁጥዓ ጸላእተይ ክትዝርግሕ ኢኻ፡ የማነይቲ ኢድካ ድማ ከተድሕነኒ እያ።
8እግዚኣብሄር ነቲ ንዓይ ዚምልከት ኪፍጽሞ እዩ፣ እግዚኣብሄር ምሕረትካ ንዘለኣለም እዩ። ግብሪ ኢድካ ኣይትሕደግ።