1ሕያዋይ እዩሞ፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፤ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
2ንኣምላኽ ኣማልኽቲ ኣመስግንዎ፤ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
3ንጐይታ ጐይቶት ኣመስግንዎ፤ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
4ንሱ በይኑ ዓበይቲ ተኣምራት ዝገበረ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
5ንሰማያት ብጥበብ ዝፈጠረ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
6ንምድሪ ኣብ ልዕሊ ማይ ዘፅንዓ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
7ንሱ በይኑ ዓበይቲ ብርሃናት ዝፈጠረ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
8ንፀሓይ ብመዓልቲ ኽትስልጥን ዝገበረ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
9ንወርሕን ንኸዋኽብትን ብለይቲ ኽስልጥኑ ዝገበረ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
10ንግብፂ ምስ በዅሮም ዝወቕዖም፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
11ንእስራኤል ካብ ማእኸሎም ዘውፅኦም፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
12ብፅንዕቲ ኢድን ብዝርጉሕ ቅልፅምን፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
13ንባሕሪ ኤርትራ ኣብ ክልተ ዝመቐላ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
14ንእስራኤልውን ብማእኸላ ዘሕለፎም፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
15ንፈርዖንን ንሰራዊቱን ናብ ባሕሪ ኤርትራ ዘስጠመ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
16ንህዝቡ ብምድረ በዳ ዝመርሖም፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
17ንዓበይቲ ነገስታት ዝወቕዐ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
18ንሓያላት ነገስታት ዝቐተለ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
19ንሴዎን፥ ንጉስ ኣሞራውያን፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
20ንኣግ፥ ንጉስ ባሳን፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
21ንምድሮም ርስቲ ገይሩ ዝሃበ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
22ርስቲ ባርያኡ እስራኤል፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
23ኣብ ጊዜ ውርደትና ዝዘከረና፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
24ካብ ኢድ ፀላእትና ዘናገፈና፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
25ንዅሉ ስጋ ዝለበሰ ምግቢ ዝህብ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
26ንኣምላኽ ሰማይ ኣመስግንዎ፤ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።