1ንስም እግዚኣብሄር ኣመስግኑ፤ ኣቱም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር፥ ኣመስግንዎ።
2ኣቱም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ዓፀድ ቤት ኣምላኽና እትቖሙ፥
3ሕያዋይ እዩሞ፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኑ፤ ሰናይ እዩ እሞ ንስሙ ዘምሩ።
4እግዚኣብሄር፥ ንያእቆብ ንባዕሉ፥ ንእስራኤል ከዓ ንርስቱ ሓርይዎ እዩ እሞ።
5እግዚኣብሄር ዓብዪ ኸም ዝኾነ፥ ጐይታና ኸዓ ኻብ ኵሎም ኣማልኽቲ ኸም ዝበልፅ ፈሊጠ ኣለኹሞ።
6ንሱ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን፥ ኣብ ባሕርን ኣብ መዓሙቝን ዝደለዮ ዅሉ ገበረ።
7ካብ ወሰን ምድሪ ንደመናት የውፅእ፤ ብጊዜ ዝናም መብረቕ ይገብር፤ ንንፋሳትውን ካብ መዛግብቱ የውፅኦም።
8ኣብ ግብፂ ኻብ በዅሪ ሰብ፥ ክሳዕ በኵሪ እንስሳ ቐተለ።
9ኦ ግብፂ፥ ኣብ ማእኸልኪ፥ ኣብ ልዕሊ ፈርዖንን ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣገልገልቱን፥ ተኣምራትን ድንቅን ሰደደ።
10ብዙሓት ኣህዛብ ኣጥፍአ፤ ንብርቱዓት ነገስታትውን ቀተለ።
11ንሴዎን ንጉስ ኣሞራውያንን ንኣግ ንጉስ ባሳንን፥ ንዅሎም ነገስታት ከነዓንን ቀተለ።
12ንምድሮም ርስቲ ገይሩ፥ ንህዝቡ እስራኤል ርስቲ ሃበ።
13ኦ ጐይታይ፥ ስምካ ንዘለኣለም እዩ፤ መዘከርታኻውን ንውሉድ ወለዶ እዩ።
14እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኽፈርደሎም እዩ እሞ፤ ንኣገልገልቱ ድማ ኽረድኦም እዩሞ።
15ጣዖታት ኣህዛብ ብኢድ ሰብ ዝተሰርሑ፥ ስራሓት ብሩርን ወርቅን እዮም።
16ኣፍ ኣለዎም፥ ኣይዛረቡን፤ ዓይኒ ኣለዎም፥ ኣይሪኡን፤
17እዝኒ ኣለዎም፥ ኣይሰምዑን፤ ኣብ ኣፎም ድማ እስትንፋስ የለን።
18እቶም ዝሰርሕዎምን፥ ኵሎም ኣብኣቶም ዝዕቘቡን ከምኣቶም ይኹኑ።
19ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ፤ ኣቱም ቤት ኣሮን፥ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ።
20ኣቱም ቤት ሌዊ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ፤ ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትፈርሑ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ።
21ኣብ ኢየሩሳሌም ዝሓድር እግዚኣብሄር ካብ ፅዮን ይባረኽ። ሃሌ ሉያ።