1እቶም ብእግዚኣብሄር ዝተኣመኑ፥ እንተይተናወፀ ንዘለኣለም ከም ዝነብር፥ ከም እምባ ፅዮን እዮም።
2እምባታት ኣብ ዙርያ ኢየሩሳሌም ከም ዝኾኑ፥ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኽሳዕ ዘለኣለም፥ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ ህዝቡ እዩ።
3ፃድቃን ኢዶም ብዓመፅ ከይዝርግሑ፥ በትሪ ሓጥኣን፥ ኣብ ልዕሊ ዕፃ ፃድቃን ኣይነብርን።
4ኦ ጐይታ፥ ነቶም ሕያዎትን ነቶም ቅኑዓት ልብን ሰናይ ግበረሎም።
5ነቶም ናብ ዘይቅኑዕ መንገዲ ዝምለሱ ግና፥ እግዚኣብሄር ምስቶም ገበርቲ ዓመፅ ክወስዶም እዩ። ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሰላም ይኹን።