1ኦ ጐይታ፥ ንኣና ኣይኮነን፤ ንኣና ኣይኮነን፤ ግና ስለ ምሕረትካን ስለ ሓቅኻን ኢልካ፥ ንስምካ ምስጋና ሃብ።
2ኣህዛብ “ኣምላኾም ኣበይ ኣሎ?” ኣይበሉና።
3ኣምላኽናስ ኣብ ላዕላይ ኣብ ሰማይ እዩ፤ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ዝደለዮ ይገብር።
4ጣዖታት ኣህዛብ፥ ኢድ ሰብ ዝገበሮም፥ ስርሓት ብሩርን ወርቅን እዮም።
5ኣፍ ኣለዎም፤ ግና ኣይዛረቡን፤ ዓይኒ ኣለዎም፤ ግና ኣይሪኡን።
6እዝኒ ኣለዎም፤ ግና ኣይሰምዑን፤ ኣፍንጫ ኣለዎም፤ ግና ኣየጫንዉን።
7ኢድ ኣለዎም፤ ግና ኣይድህስሱን፤ እግሪ ኣለዎም፤ ግና ኣይኸዱን፤ ብጐረሮኦም ድማ ኣይናገሩን።
8ኵሎም ዝሰርሑዎምን ዝእመንዎምን፥ ከምኣቶም ይኹኑ።
9ቤት እስራኤል፥ ብእግዚኣብሄር ተኣመኑ፤ ረዳኢኦምን እምንቶኦምን ንሱ እዩ።
10ቤት ኣሮን፥ ብእግዚኣብሄር ተኣመኑ፤ ረዳኢኦምን እምንቶኦምን ንሱ እዩ።
11ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትፈርሑ፥ ብእግዚኣብሄር ተኣመኑ፤ ረዳኢኦምን እምንቶኦምን ንሱ እዩ።
12እግዚኣብሄር ዘከረና፤ ይባርኸናውን እዩ፤ ንቤት እስራኤል ድማ ኽባርኾም እዩ፤ ንቤት ኣሮንውን ክባርኾም እዩ።
13ንዅሎም እቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ፥ ኣናእሽቱን ዓበይትን፥ ክባርኾም እዩ።
14እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም፥ ኣብ ልዕሌኹምን ኣብ ልዕሊ ደቅኹምን ይወስኽ።
15ንስኻትኩም ሰማይን ምድርን ንዝፈጠረ እግዚኣብሄር ቡሩኻቱ ኢኹም።
16ናይ ሰማያት ሰማይ ንእግዚኣብሄር እዩ፤ ንምድሪ ግና ንደቂ ሰብ ሃበ።
17ኦ ጐይታ፥ ምዉታት ዘመስግኑኻ ኣይኮኑን፤ ኵላቶም ናብ ሲኦል ዝወርዱውን ከምኡ።
18ንሕና ግና ኻብ ሕዚ ኽሳዕ ዘለኣለም፥ ንእግዚኣብሄር ክንባርኾ ኢና። ሃሌ ሉያ።