1(ዳዊት።) እግዚኣብሄር ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ መቐመጢ እግርኻ ክሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጠ።
2እግዚኣብሄር በትሪ ሓይልኻ ካብ ጽዮን ክሰድድ እዩ። ኣብ ማእከል ጸላእትኻ ንገስ።
3ህዝብኻ በታ መዓልቲ ሓይልኻ፡ ካብ ማህጸን ኣትሒዙ ብኽብሪ ቅድስና ፍቓደኛ ኪኸውን እዩ። ናይ ንእስነትካ ጠሊ ኣሎካ።
4እግዚኣብሄር መሓለ፡ ኣይክንሳሕን እዩ፡ ከም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ።
5ኣብ የማንካ ዘሎ እግዚኣብሄር በታ መዓልቲ ቍጥዓኡ ንነገስታት ኪስዕሮም እዩ።
6ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኪፈርድ፡ ነቲ ቦታታት ብሬሳታት ኪመልኦ እዩ። ንርእስታት ብዙሓት ሃገራት ክቖስል እዩ።
7ካብቲ ኣብ መገዲ ዘሎ ሩባ ኺሰቲ እዩ። ስለዚ ርእሱ ልዕል ክብል እዩ።