1እግዚኣብሄር ሕያዋይ እዩ፤ ምሕረቱውን ንዘለኣለም እዩ እሞ፥ ኣመስግንዎ።
2ንሓይሊ እግዚኣብሄር መን ክናገር ይኽእል? ንዅሉ ምስጋናኡኸ መን የስምዕ?
3ኵልሻዕ ፍትሒ ዝሕልዉን ቅንዕና ዝገብሩን ዝተባረኹ እዮም።
4ኦ ጐይታ፥ ንህዝብኻ ብሞገስ ዘክረና።
5ብመድሓኒትካ ድማ ተመልከተና፤ ሰናይ ናይ እቶም ዝመረፅካዮም ምእንቲ ኽንርኢ፥ ብደስታ ህዝብኻውን ምእንቲ ኽንሕጐስ፥ ምስ ርስትኻውን ምእንቲ ኽንሕበን።
6ምስ ኣቦታትና ሓጢኣት ገበርና፤ ዓመፅና፥ ክፉእውን ገበርና።
7ኣቦታትና ኣብ ግብፂ እንተለዉ፥ ነቲ ዝገበርካዮ ዘደንቅ ተኣምራት ኣየስተውዓልዎን፤ ነቲ ብዙሕ ምሕረትካውን ኣይሓሰብዎን፤ ብባሕሪ ኤርትራ ምስ ሓለፉ ዓመፁ።
8ሓይሉ ምእንቲ ኸፍልጥ፥ ስለ ስሙ ኢሉ ኣድሓኖም።
9ንባሕሪ ኤርትራ ገሰፃ እሞ ነፀፈት፤ ከም ምድረ በዳ ብዓሚቝ መርሖም።
10ካብ ኢድ ተፃረርቶም ድማ ኣድሓኖም፤ ካብ ኢድ ፀላእቶምውን ኣናገፎም።
11ነቶም ዘሳጐጉዎም ግና ማይ ደፈኖም፤ ካብኣቶም ሓደ እኳ ኣይተረፈን።
12ሽዑ ብቓሉ ኣመኑ፤ ምስጋናኡውን ዘመሩሉ።
13ቀልጢፎም ንስራሑ ረስዕዎ፤ ብምኽሩውን ኣይተዓገሱን።
14ኣብ ምድረ በዳ ብዙሕ ተመነዩ፤ ኣብ በረኻውን ንእግዚኣብሄር ተፈታተንዎ።
15ንሱውን ዝለመንዎ ሃቦም፤ ግና ንነፍሶም ዕብራን ሰደደሎም።
16ኣብቲ ሰፈር፥ ንሙሴን፥ ነቲ እግዚኣብሄር ዝቐደሶ ኣሮንን ኣቘጥዕዎም።
17ምድሪ ተኸፊታ ንዳታን ወሓጠቶ፤ ንወገን ኣቤሮንውን ደፈነቶም።
18ኣብ ማሕበሮምውን ሓዊ ነደደ፤ ነበልባል ንሓጥኣን ኣቃፀሎም።
19ኣብ ኮሬብውን ምራኽ ሰርሑ፤ ነቲ ዝፈሰሰ ምስሊ ድማ ሰገዱ።
20ንኽብሮምውን፥ ብምስሊ ሳዕሪ ዝበልዕ ብዕራይ ለወጥዎ።
21ነቲ ኣብ ግብፂ ዓብዪ ተኣምራት ዝገበረ፥ ንዘድሓኖም እግዚኣብሄር ረስዕዎ።
22ንሱ ኣብ ምድሪ ኸም ዓበይቲ ተኣምራት፥ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ኸዓ ዘደንቕ ነገራት ዝገበረ እዩ።
23ስለዙይ ሽዑ “ከጥፍኦም እየ” በለ፤ ግና እቲ እግዚኣብሄር ዝሓረዮ ሙሴ፥ እግዚኣብሄር ተቘጢዑ ኸየጥፍኦም፥ ካብ ቍጥዓኡ ምእንቲ ኽምለስ፥ ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ማእኸል ቆመ።
24ነታ ፍትውቲ ምድሪ ነዓቕዋ፤ ብቓሉውን ኣይኣመኑን።
25ኣብ ውሽጢ ድንኳኖም ኮይኖም ኣጕረምረሙ፤ ቃል እግዚኣብሄርውን ኣይሰምዑን።
26ኣብ ምድረ በዳ ኽድርብዮም፥ ንዘርኦምውን ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ክድርቢ፥ ናብ ዝተፈላለየ ሃገር ፋሕ ከብሎም፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ኢዱ ኣልዓለ።
28ምስ ብዔል ፌጎርውን ተሓባበሩ፤ መስዋእቲ ምዉታትውን በልዑ።
29ብግብርታቶም ኣቘጥዕዎ፤ መዓትውን ኣብ ልዕሊኣቶም ወረደ።
30ሽዑ ፊንሃስ ተሲኡ ፈረዶም፤ እቲ መዓት ድማ ሓደገ።
31እዙይ ንሓዋሩ ንውሉድ ወለዶ፥ ፅድቂ ኾይኑ ተቘፀረሉ።
32መሊሶም ኣብ ማይ መሪባ ኣቘጥዕዎ፤ ሙሴውን ካብኣቶም ዝተልዓለ ተቘጥዐ።
33ንመንፈሱ ስለ ዘምረርዋ ድማ፥ ብኸናፍሩ ስንፍና ተዛረበ።
34ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም፥ ንኣህዛብ ኣየጥፍእዎምን፤
35እኳ ደኣ ምስ ኣህዛብ ተሓዋወሱ፤ ተግባራቶምውን ተምሃሩ።
36ንጣዖታቶምውን ተገዝኡ፤ እዙይ ከዓ መፃወድያ ኾኖም።
37ነወዳቶምን ነጓላቶምን ከዓ፥ ነጋንንቲ ሰውእዎም።
38ናይ ኣወዳቶምን ኣጓላቶምን፥ ንፁህ ደም ኣፍሰሱ፤ ንጣዖታት ከነዓን ሰውእዎም፤ እታ ምድሪ እውን ብደም ረኸሰት።
39ብተግባራቶም ረኸሱ፤ ብግብሮምውን ኣመንዘሩ።
40ስለዙይ ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ነደደ፤ ነቶም ርስቱ ኸዓ ተፀየፎም።
41ኣብ ኢድ ኣህዛብ ኣሕሊፉ ሃቦም፤ እቶም ፀላእቶም ድማ ገዝእዎም።
42ፀላእቶምውን ኣሳቐይዎም፤ ኣብ ትሕቲ ኢዶም ከዓ ተዋረዱ።
43እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብዙሕ ጊዜ ኣድሓኖም፤ ንሳቶም ግና ብምኽሮም ኣቘጥዕዎ፤ ብሓጢኣቶም ከዓ ተዋረዱ።
44ንሳቶም ናብኡ ምስ ኣእወዩ ግና ሰምዖም፤ መከራኦም ድማ ተመልከተ።
45ምእንትኣቶም ኢሉ ቓል ኪዳኑ ዘከረ፤ ከም ብዝሒ ምሕረቱውን ራህርሀሎም።
46ኣብ ቅድሚ እቶም ዝማረኽዎምውን፥ ሞገስ ሃቦም።
47ንቕዱስ ስምካ ምእንቲ ኽነመስግን፥ ብምስጋናኻውን ኽንምካሕስ፥ ኦ ጐይታ ኣምላኽና ኣድሕነና፤ ካብ ማእኸል ኣህዛብውን ኣክበና።
48እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ካብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም ይባረኽ፤ ኵሉ ህዝቢ እውን “ኣሜን” ይበል። ሃሌ ሉያ።