1ወደይ፥ ንቓለይ ሓልዎ፤ ንትእዛዛተይውን ኣብ ልብኻ ዕቘሮ።
2ንትእዛዛተይ ሓልዎ እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ፤ ንሕገይውን ከም መርዓት ዓይንኻ ሓልዎ።
3ኣብ ኣፃብዕትኻ እሰሮ፤ ኣብ ፅላት ልብኻውን ፀሓፎ።
4ንጥበብ “ንስኺ ሓፍተይ ኢኺ” በላ፤ ንምስትውዓልውን “እምንቲ ፈታዊተይ ኢኺ” በላ።
5ንሳተን ከዓ ኻብ ሰበይቲ እማትካ፥ ካብታ መስሓቲ ቓል እትዛረብ ካልእ ሰበይቲ ኸናግፋኻ እየን።
6ኣብ መስኮት ቤተይ ኮይነ፥ ብዓይኒ ርግቢ ኣማዕዱ ነበርኩ።
7ኣብኡ ብዙሓት ዓያሹ መናእሰይ ረአኹ፤ ኣብ ማእኸሎም ከዓ ሓደ ልቢ ዘይብሉ ጐበዝ ተመልከትኩ።
8ንሱ ብኣደባባይ ኣብ ጥቓ ቐራና መንገዲ ሓሊፉ፥ ናብታ ናብ ቤት ኣመንዝራ እትወስድ መንገዲ ኣምርሐ።
9ምድሪ መስዩ፥ ፅልግልግታ ኾይኑ፥ ድቕድቕ ፀልማትውን ነበረ።
10እንሆ ኽዳን ምንዝርና ዝተኸደነት፥ ነፍሳት ንምፅዋድ ዝተዳለወት ሰበይቲ ተራኸበቶ።
11ንሳ ህውከተኛን ቀላልን ነበረት፤ ኣእጋራውን ኣብ ገዛኣ ኣይዓርፋን ነበራ።
12ሓደ ጊዜ ኣብ ኣደባባይ፥ ሓደ ጊዜ ኣብ ዕዳጋ፥ ሓደ ጊዜ ኸዓ ኣብ ቀራና መንገዲ ኣድብያ ትፅበ።
13ነቲ መንእሰይ ድማ ሓዘቶ፤ ሰዓመቶውን፤ ብዘይ ምሕፋር ገፁ እናጠመተት ከዓ፦
14መስዋእቲ ምስጋና ከቕርብ ተመባፂዐ ነይረ፤ ሎሚ መብፅዓይ ፈፂመ ኣለኹ።
15ስለዙይ ገፅካ እደሊ ስለ ዝነበርኩ ኽቕበለካ ወፃእኹ፤ እንሆ ኸዓ ረኸብኩኻ።
16ኣብ ዓራተይ ብፈትሊ ግብፂ ዝተጠልፈ፥ ዝንጕርጕር ምንፃፍ ኣንፂፈ ኣለኹ።
17ነቲ ምድቃሰይ ከርበን፥ ዓልወን፥ ቀረፋን ነፂገሉ ኣለኹ።
18ነዓ፥ ክሳዕ ዝወግሕ ብፍቕሪ ንርወ፤ ብምትሕቝቛፍውን ንተሓጐስ።
19ሰብኣየይ ናብ ርሑቕ ስለ ዝገሸ፥ ኣብ ገዛ የለን።
20ብኢዱውን ዝተቛፀረ ኸረጢት ብሪ ሒዙ ኸይዱ ኣሎ፤ ወርሒ ምሉእ ምስ ኮነት እዩ ዝምለስ በለቶ።
21ብብዙሕ ጥበራኣ ኣስሓተቶ፤ ብልዙብ ከናፍራውን ኣታለለቶ።
22ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዝኹብኰብ ብዕራይ፥ ከምቲ ናብ ማእሰር ዝኸይድ ከልቢ፥ ከምቲ ፍላፃ ንኸብዱ ኽሳዕ ዝስንጥቖ፥ ብመፃወድያ ዝተሓዝ ሜዳቝ፥ ከምቲ ይጠፍእ ከም ዘሎ እንተይፈለጠ፥ ናብ መፈንጠር ዝህወኽ ዒፍ ኮይኑ፥ ሽዑ ንሽዑ ሰዓባ።
24እምበኣር ደቀይ፥ ስምዑኒ፤ ናብ ዘረባይ ድማ ኣቕልቡ።
25ልብኻ ናብ መንገዳ ኣየዘምብል፤ ብመንገዳውን ኣይትስሓት።
26ወጊኣ ዘውደቐቶም ብዙሓት እዮም፤ ዝቐተለቶምውን የመና ብዙሓት እዮም።
27ገዛኣ መንገዲ ሲኦል እዩ፤ ናብ ውሻጠ ሞትውን ዘውርድ እዩ።