1ወደይ፥ ምኽሪ ኽተፅንዕ፥ ከናፍርካውን ፍልጠት ምእንቲ ኽሕዛ፥ ናብ ጥበበይ ኣድምፅ፤ እዝንኻውን ናብ ትምህርተይ ምለስ።
3ከናፍር ኣመንዝራ ሰበይቲ መዓር ወለላ የንጠብጥብ፤ ኣፋውን ካብ ዘይቲ ይልስልስ።
4መወዳእታኣ ግና ኸም ዕረ መሪር፥ ክልተ ኣፍ ከም ዘለዎ ሰይፊ ኸዓ በሊሕ እዩ።
5ኣእጋራ ናብ ሞት፥ ስጕምታ ኸዓ ናብ ሲኦል የውርድ።
6ቅኑዕ መንገዲ ህይወት ኣይትረክብን፤ በካይዳኣውን ኰብላሊት እያ፤ ዝፍለጥውን ኣይኮነን።
7ኣቱም ደቀይ፥ እምበኣርከስ ሕዚ ስምዑኒ፤ ካብ ቃላት ኣፈይውን ኣይትርሓቑ።
8መንገድኻ ኻብኣ ኣርሕቕ፤ ናብ ኣፍ ደገኣ ኣይትቕረብ።
9ክብርኻ ንኻልእ፥ ዕድሜኻውን ንጨካን ከይትህብ።
10ካልኦት ካብ ሃብትኻ ኸይፀግቡ፥ ፍረ ድኻምካውን ናብ ቤት ካልኦት ከይሓልፍ።
11ኣብ መወዳእታ ስጋኻን ሰውነትካን ምስ ተወድአ፥ ክትናሳሕ ኢኻ።
12ሽዑ፥ “ከመይከ ንተግሳፅ ፀላእኽዋ? ስለ ምንታይከ ነቶም ዝኣረሙኒ ዝነዓቕክዎም?
13“ስለ ምንታይከ ድምፂ መምህራነይ ዘይሰማዕኹ? ስለ ምንታይከ ዘየድሃብኩሎም?
14“ኣብ ማእኸል ማሕበርን ጉባኤን፥ ናብ ኵሉ ኽፉእ ንምብፃሕ ቁሩብ ተሪፉኒ” ኽትብል ኢኻ።
15ማይ ካብ ዒላኻ፥ ካብቲ ዝፍልፍል ዓይኒ ማይካ ኸዓ ስተ።
16ፍልፍል ማይካ ናብ ደገ፥ ሩባታትካ ናብ ኣደባባይዶ ይፈስስ እዩ?
17ዒላኻን ዓይኒ ማይካን፥ ንኣኻ ጥራሕ ይኹኑ፤ ጓኖትውን ኣይካፈሉኻ።
18ዒላኻ ብሩኽ ይኹን፤ ምስ ሰበይቲ ንእስነትካውን ደስ ይበልካ።
19ንሳ ኸም ፍትውቲ ዋልያ፥ ከም ፅብቕቲ ሜዳቝ ትኹነልካ፤ ኣጥባታ ኵልሻዕ የዕግብካ፤ ብፍቕራውን ኵልሻዕ ፅገብ።
20ኣታ ወደይ፥ ስለ ምንታይ ኣመንዝራ ሰበይቲ እተፍቅር? ንምንታይከ ሰበይቲ እማትካ እትሓቍፍ?
21እምበኣርከስ መንገዲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ፥ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር እዩ፤ ነካይዳኡውን ንሱ ይምልከቶ።
22ሓጥእ ሰብ ብበደሉ ይሕንኰል፤ ብገመድ ሓጢኣቱ ኸዓ ይእሰር።
23ስለ ዘይተቐፅዐ ንሱ ይመውት፤ ብብዝሒ ድንቍርናኡ ድማ ይጋገ።