1ኣቱም ደቀይ፥ ተግሳፅ ወላዲ ስምዑ፤ ምስትውዓል ምእንቲ ኽትክእሉ ኸዓ ፅን በሉ።
2ፅቡቕ ትምህርቲ እህበኩም ኣለኹ እሞ፥ ንሕገይ ኣይትሕደግዎ።
3ኣነውን ነቦይ ዝሰምዕ ውሉድ ነበርኩ፤ ብእነይውን እፍቶ ነበርኩ፤
4ኣቦይ ከምዙይ እናበለ ይምህረኒ ነበረ፤ ልብኻ ንቓለይ ይቀበሎ፤ ትእዛዘይውን ሓሉ እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ።
5ንጥበብን ምስትውዓልን ኣጥርየን፤ ንቓል ኣፈይ ኣይትረስዓዮ፤ ካብኡውን ኣይተዘምብል።
6ንጥበብ ኣይትሕደጋ፤ ንሳ ኸዓ ኽትሕልወካ እያ፤ ንስኻ ኣፍቅራ፤ ንሳውን ክተዕቝበካ እያ።
7ጥበብ ዓባይ ነገር እያ እሞ ኣጥርያ፤ ካብ ኵሉ ሃብትኻውን ንምስትውዓል ኣጥርያ።
8ልዕል ኣብላ፤ ንሳውን ልዕል ክተብለካ እያ፤ እንተ ሓቝፍካያ ኸተኽብረካ እያ።
9ኣብ ርእስኻ ዘውዲ ፀጋ ኽትደፍአልካ፥ ዝፀበቐ ኣኽሊልውን ክትህበካ እያ።
10ወደይ፥ ስማዕ፤ ንቓለይ ድማ ተቐበል፤ ዓመታት ዕድሜኻውን ክነውሕ እዩ።
11መንገዲ ጥበብ መሃርኩኻ፤ ብመንገዲ ቕንዕና መራሕኹኻ።
12ክትኸድ እንተለኻ፥ ንስጕምትኻ ኽዓግቶ ዝኽእል የለን፤ ክትጐዪ እንተለኻውን ኣይትዕንቀፍን ኢኻ።
13ተግሳፅ፥ ህይወትካ እያ እሞ ሓዛ፤ ኣይትሕደጋ፤ ሓልዋውን።
14ናብ መንገዲ ሓጥኣን ኣይትእቶ፤ ብጐደና ኽፉኣትውን ኣይትኺድ።
15ካብኣ ረሓቕ፤ ኣይትኺዳውን፤ ኣግሊስካ መንገድኻ ኺድ።
16ንሳቶም ክፉእ እንተይገበሩ ኣይድቅሱን እዮምሞ፤ እንተ ዘይጐድኡውን ድቃስ ይኣብዮም እዩሞ።
17እንጀራ ሓጢኣት ይበልዑ፤ ወይኒ ዓመፃ ኸዓ ይሰትዩ እዮም እሞ።
18መንገዲ ፃድቃን ግና ኸም ብርሃን ወጋሕታ እያ፤ ምሉእ መዓልቲ ኽሳዕ ዝኸውን ከዓ፥ እናወሰኸት ትበርህ።
19መንገዲ ኽፉኣት ግና ፀልማት እያ፤ እንታይ ከም ዘዕንቅፎምውን ኣይፈልጡን።
20ወደይ፥ ናብ ዘረባይ ኣቕልብ፤ እዝንኻውን ናብ ቃለይ ኣዘንብል።
21ንቓለይ ካብ ዓይንኻ ኣይተርሕቃ፤ ኣብ ውሽጢ ልብኻ ድማ ሓልዋ።
22ንሳ ንዝረኽብዋ ህይወት፥ ንዅሉ ስጋኦምውን ፈውሲ እያሞ።
23ህይወት ካብ ልቢ እያ እትፍልፍል እሞ፥ ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሓልዎ።
24ንኣፍ ልግመኛ ካባኻ ደርብዮ፤ ንሓሰውቲ ኸናፍርውን ካባኻ ኣርሕቀን።
25ኣዒንትኻ ቐኒዐን ይርኣያ፤ ቀራንብትኻውን ንቕድሚት ይጠምታ።
26መንገዲ ኣእጋርኻ ኣቕንዕ፤ ኵሉ ኣካይዳኻውን ይፅናዕ።
27ንየማን ወይ ንፀጋም ኣይትበል፤ ንእግርኻውን ካብ ክፉእ ኣርሕቆ።