መጽሓፍ ምሳሌ 30

BCV aksumትግርኛ32 ፍቕድታት3:56 ስማዕ
ስማዕ 3:56 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እዙይ ቃል ኣጉር ወዲ ያቄ፥ ሰብ ናይ ሃገር ማሳ እዩ፤ ንሱውን ንኢቲኤልን ንኡካልን ከምዙይ ይብል፦

2ኣነ ብርግፅ ካብ ኵሉ ሰብ ዝደንቈርኩ እየ፤ ምስትውዓል ወዲ ሰብውን የብለይን።

3ጥበብ ኣይተምሃርኩን፤ ብዛዕባ እቲ ቅዱስውን ዝፈልጦ የብለይን።

4ናብ ሰማይ ዝደየበ እሞ ዝወረደኸ መን እዩ? ንንፋስከ ኣኪቡ ብኢዱ ዝዓመዀ መን እዩ? ንማይከ ኣብ ክዳኑ ዝቛፀሮ መን እዩ? ንዅሉ ወሰናት ምድሪ ዘፅንዐኸ መን እዩ? እዙይ ትፈልጥ እንተ ዄንካ መን እዩ ስሙ? ስም ወዱኸ መንዩ?

5“ኵሉ ቓል እግዚኣብሄር ኵሉዕ እዩ፤ ንሱ ንዝእመንዎ ዋልታኦም እዩ።

6ከይግስፀካ፥ ሓሳዊ ዄንካ ኸዓ ኸይትርከብስ፥ ናብ ቃሉ ሓንቲ እኳ ኣይትወስኽ።”

7“ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣነ ኽልተ ነገር ካባኻ እደሊ ኣለኹ፤ ክሳዕ ዕለተ ሞተይ ንኣኣተን ኣይትኽልአኒ፤

8ካብ ምትላልን ሓሰትን ሓልወኒ፤ ፀጊበ ኸይክሕደካ እሞ ‘እግዚኣብሄር መን እዩ?’ ኸይብል፥ ወይ ደኽየ ኸይሰርቕ እሞ ስምካ፥ ስም ኣምላኸይ ከየፅርፍስ፥ ድኽነትን ሃብትን ኣይትሃበኒ፤ ግና እቲ ዘድልየኒ እንጀራ ሃበኒ።”

10“ምእንቲ ኸይፀርፈካ፥ በዳሊ ኸዓ ኸይትኸውንስ፥ ንባርያ ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ኣይትሕመዮ።”

11“ነቦኡ ዝረግሞ፥ ንኖኡ ኸዓ ዘየመስግን ትውልዲ ኣሎ፤

12ካብ ርኽሰት እንተይነፅሀ፥ ‘ኣነ ንፁህ እየ’ ዝብል ትውልዲ ኣሎ፤

13ልዕል ልዕል ዝበሉ ኣዒንቲ ዘለውዎ፥ ቀራንብቱውን ንላዕሊ ዝሪኣ ትውልዲ ኣሎ፤

14ንምስኪናት ካብ ምድሪ፥ ንድኻታት ካብ ማእኸል ደቂ ሰብ ምእንቲ ኸጥፍእን ክጭርስን፥ ሰይፊ ዘስናኑ፥ ካራ ዝዀራርምቱ ትውልዲ ኣሎ።”

15“ዓለቕቲ ‘ሃበና፤ ሃበና’ ዝብላ ኽልተ ኣዋልድ ኣለዋኦ።” “ሰለስተ ዘይፀግቡ፥ አረ ይኣኽለና ዘይብሉ፥ ኣርባዕተ ነገራት ኣለዉ፤

16እዚኣቶም ከዓ፥ ሲኦል፥ ዘይትወልድ ማህፀን፥ ማይ ሰትያ ዘይትፀግብ መሬት፥ ይኣኽለኒ ዘይብል ሓዊ እዮም።”

17“ናይቲ ነቦኡ ዘባጭወሉ፥ ንኖኡ ኸዓ ዝንዕቓን ዘይእዘዛን ኣዒንቲ፥ ኳዃት ሩባ ኽጕጥጕጥወን፥ ጨቃውቲ ንስሪ ኸዓ ኽበልዕወን እዮም።”

18“የመና ዝገርሙኒ ሰለስተ ነገራት ኣለዉ፤ ነቲ ራብዓይ ግና ፈፂመ ኣየስተውዕሎን፤

19ንሳቶም ከዓ፥ መንገዲ ንስሪ ኣብ ሰማይ፥ መንገዲ ተመን ኣብ ኰዅሒ፥ መንገዲ መርከብ ኣብ ማእኸል ባሕሪ፥ መንገዲ ሰብኣይ ምስ ቆንጆ እዮም።”

20“ግብሪ ዘማዊት ሰበይቲ ኸዓ ኸምኡ እዩ፤ ከምኡውን በሊዓ ኣፋ እትሕብስሞ፥ ‘ሓደ ኽፉእ ነገር ኣይገበርኩን’ እትብል፥ መንገዲ ኣመንዝራ ሰበይቲ እያ።”

21ምድሪ ብሰለስተ ነገር ትንቅጥቀጥ፤ አረ ነቲ ራብዓይስ ክትፆሮ ኣይትኽእልን፤

22እዙይ ከዓ፥ ባርያ እንተ ነገሰ፥ ሰነፍ እንጀራ እንተ ፀገበ፥

23ዝተፀልአት ሰበይቲ፥ ሰብኣይ እንተ ረኸበት፥ ገረድ ንምበይታኣ እንተ ወረሰታ እዩ።

24“ኣብ ምድሪ ኣርባዕተ ደቀቕቲ፥ ፍጥረታት ኣለዉ፤ ግናኸ ንሳቶም የመና ጥበበኛታት እዮም፦

25ፃፀ ሓይሊ ዘይብሉ ፍጥረት እዩ፤ ግና ምግቡ ብሓጋይ ይእክብ።

26ጊሔታት ሓይሊ ዘይብለን ፍጥረት እየን፤ ግና ሰፈረን ኣብ ውሽጢ ኣኻውሕ ይገብራ።

27ኣንበጣ ንጉስ የብሉን፤ ግና ብስነ ስርዓት ሓቢሩ ይጕዓዝ።

28ምጭልቚት ብኢድካ ምሓዝ ዝከኣል እዩ፤ ግና ኣብ ኣዳራሽ ነገስታት ይነብር።”

29ሰናይ ኣካይዳ ዝኸዱ፥ ሰለስተ ፍጥረታት ኣለዉ፤ እቲ ራብዓይውን ፅቡቕ ኣካይዳ ይኸይድ፤

30ደቦል ኣንበሳ ኻብ ኵሉ እንስሳ ዝበርትዐ፥ ዘይምለስ፥ ንእንስሳውን ዘይፈርሕ፥

31ኣብ ማእኸል ኣንስትዮ፥ ብድፍረት ዝኸይድ ኣውራ ደርሆ፥ ንመጓሰ ዝመርሕ ኣውራ ጤል፥ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብግልፂ ዝናገር ንጉስ እዮም።

32“ርእስኻ ልዕል ልዕል ኣቢልካ ስንፍና እንተ ገበርካ፥ ወይ ክፉእ ክትገብር እንተ ሓሰብካ፥ ኣፍካ ብኢድካ ዕበስ።

33ፀባ እንተ ተሓቘነ፥ ጠስሚ የውፅእ፤ ኣፍንጫ እንተ ተወቕዐ፥ ደም የውፅእ፤ ከምኡ ኸዓ ቝጥዓ እንተ ኣለዓዓልካ፥ ባእሲ ይፍጠር።”

ትርጓሜ

30:1-6 ኣጉር ንርእሱ ጽድቂ ከምዝደለየ፡ ከምኡ’ውን ብጣዕሚ ብዕሽነት ከምዝገበረ ይዛረብ። ንኹላትና ድማ፡ ስለ ርእስና ትሕት ዝበለ ሓሳባት ክህልወና ይግባእ። ኣብ መገዲ ሓቅን ጥበብን ኪመርሖ ምግላጽ ከምዝደለየ ይዛረብ። ሰባት ዝበለጸ ብሩሃት ክኾኑ ኸለዉ፡ ዝበለጸ ንድንቁርናኦም ይብኵዩ። ዝበለጸ ንዝበለጸ ምግላጽ ኣምላኽን ንሃብታም ጸጋኡ ብክርስቶስ የሱስን ይልምኑ። ኣብ ጥቕሲ።

30:4, ነቲ ኻብ ሰማይ ወሪዱ መምህርናን መድሓኒናን ዝኾነ፣ ድሕሪኡ ድማ ዓቃቢና ኪኸውን ናብ ሰማይ ዝዓረገ ብትንቢት የፍልጥ። ኣብዚ እቲ መሲሕ ኻብ ኣቦ ዝተፈልየ ውልቀሰብ ጌርካ ተገሊጹሉ ኣሎ፣ ግና ስሙ ክሳብ ሕጂ ሕቡእ እዩ። እቲ ዓቢ ቤዛ፣ በቲ ናይ ምምላኡን ጸጋኡን ክብሪ፣ ብፍጹም ክምርመር ኣይከኣልን እዩ። ክርስቶስ እንተዘይነብር፣ መሰረት ምድሪ በቲ ብሓጢኣት ሰብ ዝመጸ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዘሎ ጾር መርገም ምጥሓለ ነይሩ። እዚ ኩሉ ዝገብር ሓያል መን እዩ? እንታይከ እዩ እቲ ባህርዩ? ብቓል ኣምላኽ ዝጎድል ነገር ከምዘሎ ንምጥርጣር ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የልቦን፤ ኣብ ቃሉ ምውሳኽ ናብ ስሕተትን ምብልሻውን መገዲ ይኸፍት።

30:7-9 ኣጉር ብጥበብ ንማእከላይ ኩነታት ጸለየ፣ ምእንቲ ካብ ፈተናታት ርሑቕ ክኸውን። ንሱ ምስ ኩነታቱ፣ ስድራቤቱ፣ ከምኡ'ውን ምስ ሓቀኛ ጥቕሙ ዝሰማማዕ ዕለታዊ እንጌራ ሓተተ። ኣብ መንጎ እዛ ጸሎት እዚኣን ገለ ክፍሊታት ናይ ጸሎት ጎይታን ፍሉይ ዝኾነ ምትእስሳር ኣሎ። ካብ ከንቱነትን ሓሶትን እንተረሓቕና፤ ኣብቲ ናይ ክርስቶስ ይቕረ በሃሊ ፍቕሪ እንተተሳቲፍና እሞ ንእኡ'ውን ክፋልና ገርና እንተረኸብናዮ፤ ምስ ኣምላኽ እንተተመላለስና፣ ሽዑ ብዛዕባ መንፈሳውያን ነገራት ክንሓቶ ወይ ክንሓስቦ እንኽእል ዘበለ ኹሉ ክህልወና እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6