መጽሓፍ ምሳሌ 21

BCV aksumትግርኛ31 ፍቕድታት3:28 ስማዕ
ስማዕ 3:28 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ልቢ ንጉስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር እዩ፤ ከም ወሓዚ ማይውን፥ ናብ ዝደለዮ ይመርሖ።

2ኵሉ ሰብ፥ መንገዱ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ቕኑዕ ይመስሎ፤ እግዚኣብሄር ግና፥ ንልቢ ይምዝን።

3እግዚኣብሄር ካብ መስዋእትስ፥ ፅ??ቅን ቅንዕናን ምግባር ይፈቱ።

4ትዕቢተኛ ዓይንን፥ ትምክሕተኛ ልብን፥ ናይ ክፉኣት ግራት፥ ሓጢኣት እዩ።

5ትልሚ ትጉህ፥ ናብ ረብሓ ይመርሕ፤ ታህዋኽ ግና ናብ ስእነት እዩ ዘውድቕ።

6ብሓሳዊ መልሓስ ዝተኣከበ ሃብቲ፥ ከም ግመ በኒኑ ይጠፍእ፤ ነዙይ ዝደልዩ፥ ንሞት ይደልዩ።

7ቅንዕና ምግባር ኣይፈትዉንሞ፥ ዓመፅ ሓጢኣተኛታት ንባዕላቶም የጥፍኦም።

8መንገዲ በደለኛ ቐይናን እያ፤ ንፁህ ግና ግብሩ ቕኑዕ እዩ።

9ምስ ናግራም ሰበይቲ ኣብ ሓደ ቤት ካብ ምንባር፥ ኣብ ዝባን ናሕሲ ብሓደ ወገን ምቕማጥ ይሐይሽ።

10ነፍሲ ሓጥእ ክፉእ ትምነ፤ ብፃዩውን ኣብ ቅድሚኡ ሞገስ ኣይረክብን።

11መላገፂ እንትቕፃዕ፥ ዘይፈልጥ ሰብ ጥበብ ይረክብ፤ ለባም እንትግሰፅ ፍልጠት ይውስኽ።

12ፃድቕ ስለ ቤት ሓጥእ ይሓስብ፤ ንኽፉኣት ድማ የጥፍኦም።

13እቲ ኣውያት ድኻ ኸይሰምዕ ኢሉ እዝኑ ዝደፍን፥ ንሱ ባዕሉ የእዊ፥ ዝሰምዖ ግና የለን።

14ብስዉር ዝኣተወ ገፀ በረኸት ኵራ የህድእ፤ ሕቡእ ውህብቶውን ንብርቱዕ ቍጥዓ የዝሕሎ።

15ቅኑዕ ፍትሒ፥ ንፃድቕ ሓጐስ እዩ፤ ንገበርቲ ዓመፃ ግና ጥፍኣት እዩ።

16እቲ ኻብ ምስትውዓል መንገዲ ዘግልስ ሰብ፥ ኣብ ጉባኤ ምውታን ይቕመጥ።

17ምቾት ዝፈቱ ይደኪ፤ ወይንን ዘይትን ዝፈቱ ኸዓ ኣይህብትምን።

18ሓጥእ፥ ቤዛ ፃድቕ እዩ፤ ጠላሚ ድማ ቤዛ ቕኑዕ ሰብ እዩ።

19ምስ ናግራምን መሰቀቒትን ሰበይቲ ካብ ምንባር፥ ኣብ በረኻ ምንባር ይሐይሽ።

20ኣብ ቤት ለባም ክቡር መዝገብን ዘይትን ኣሎ፤ ዓሻ ሰብ ግና ይውሕጦ።

21ፅድቕን ምሕረትን ዝኽተል፥ ህይወትን ፅድቅን ክብርን ይረክብ።

22ጥበበኛ ናብ ከተማ ሓያላት ይኣቱ፤ ንዝተኣማመኑሉ ዕርዶምውን የፍርስ።

23ኣፉን መልሓሱን ዝዕቅብ ሰብ፥ ንሰብነቱ ኻብ መከራ ይሕልዋ።

24ዕቡይን ምኩሕን ሰብ “መላገፂ” እዩ ስሙ፤ ንሱ ብትዕቢት ቍጥዓ ይገብር።

25ኣእዳዉ ኽሰርሓ ኣይደልያንሞ፤ ንሃካይ ትምኒቱ ትቐትሎ።

26ንሱ ምሉእ መዓልቲ ብህርፋን ይምነ፤ ፃድቕ ግና ይህብ፤ ኣይስስዕንውን።

27መስዋእቲ ሓጥኣን ኣፀያፊ እዩ፤ ምናዳ ብኽፉእ ሓሳብ እንተቕርብዎ ኣፀያፊ እዩ።

28ሓሳዊ ምስክር ይጠፍእ፤ ዝሰምዕ ሰብ ግና ኣስተውዒሉ ይናገር።

29ክፉእ ሰብ ገፅ ድርቅና የርኢ፤ ቅኑዕ ሰብ ግና መንገዱ የፅንዕ።

30ንእግዚኣብሄር ምቅዋም ዝኽእል፥ ጥበብ፥ ምስትውዓል ወይ ምኽሪ የለን።

31ፈረስ ንመዓልቲ ውግእ ይዳሎ፤ ዓወት ግና ኻብ እግዚኣብሄር እዩ።

ትርጓሜ

21:1 እቲ ኣማኒ፡ እግዚኣብሔር ከም ዝደለዮ ንኹሉ ልቢ ከም ዝመርሖ ርእዩ፡ ከምቲ ሓረሻ ንማይ ኣብ መሬቱ ከም ዝደለዮ ዘሰጋገሮ፡ ንልቡን ንልቢ ካልኦትን ብእምነቱን ብፍርሃቱን ብፍቕሩን ክምራሕ ይደሊ። 2. ንርእስናን ንግብርናን ኣብ ምፍራድ፡ ንሕና ወገናውያን ኢና። 3. ብዙሓት ንርእሶም የታልሉ፡ ወጻኢያዊ ምኽባር ንዘይጽድቂ ከም ዘመሓላልፍ ብዝብል ትዕቢታዊ ሓሳብ። 4. ሓጢኣት ንእኩያት ሰባት ትዕቢቶም፡ ሃረርታኦም፡ ክብሮም፡ ሓጎሶም፡ ከምኡ'ውን ዕዮኦም እያ። 5. እቶም ብሓቂ ትጉሃት ሰባት፡ ዕርበ-ርእየትን ጻዕርን የውዕሉ። 6. ሰባት ብዘይሕጋዊ ተግባራት ሃብቲ ክደልዩ ከለዉ፡ ሞት ይደልዩ። 7. ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ሓጥእ ክምለስ እዩ፡ ኣብዚ ኣብ ዓለምን ንዘለዓለሙን ድማ ከጥፍኦ እዩ። 8. መንገዲ ሰባት ብባህሪኦም ጠማሚን ዘገርምን እዩ።

እዚ ዚስዕብ ትርጉም ናይቲ መጽሓፍ ቅዱስያዊ መብርሂ ብትግርኛ እዩ፦

21:9.

ጽቡቕ ቃልሲ ብምጥባስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ልቢ ብምፍሳስ ምርሓቕ ይሓይሽ። ብልቦናን ብትዕግስትን ምስ ብተኸታታሊ ጸሎትን መስቀል ክፍከድ ይኽእል እዩ እሞ።

21:10.

እኩያት ትምኒታት ልቢ እኩይ ሰብ ናብ ቅብጠት ኣብ ኣካይድኡ ይመርሓ።

21:11.

ድንቑር ሰብ ብመቕጻዕቲ እቶም እኩያት ከኣ ብጥበብ ይምሃር፣ ንእቶም ክምሃሩ ዝደልዩ ኸኣ ብምምሃር እዩ።

21:12.

ሕያዎት ሰባት ንብልጽግና ገበርቲ እከይ ኣይቐንኡን እዮም፤ ምርግማት ከም ዘለዎም ይርእዩ።

21:13.

ነቶም ድኻታት ብምቁራስ ደሞዞም ዝጭቁኑ፣ ነቶም ኣብ ሽግር ዘለዉ ብዓቕሞም ዘየድሕኑ፣ እቶም ስልጣን ዘለዎም ግናኸ ፍትሒ ምግባር ዝነጽጉ፣ ንጩኸት ድኻታት ኣእዛኖም ይዓጽዉ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6