መጽሓፍ ምሳሌ 17

BCV aksumትግርኛ28 ፍቕድታት3:18 ስማዕ
ስማዕ 3:18 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ጐይቊ ኣብ ዘለዎ ገዛ፥ ሕሩድ ካብ ምብላዕ፥ ንቑፅ ቝራስ ምስ ሰላም ይበልፅ።

2ለባም ባርያ ንነውራም ውሉድ ይገዝኦ፤ ኣብ ማእኸል ኣሕዋት ድማ ርስቲ ይካፈል።

3ብሩር ብመምከኺ፥ ወርቂ ድማ ብከውሪ ኸም ዝፍተን፥ እግዚኣብሄር ድማ፥ ንልቢ ይፍትኖ።

4ክፉእ ሰብ ንኸንፈር በዳላይ ይሰምዕ፤ ሓሳዊውን ነታ ኽፍእቲ መልሓስ የዳምፅ።

5ብድኻ ዘባጩ ንፈጣሪኡ ይፀርፍ፤ ብጥፍኣት ዝሕጐስውን እንተይተቐፅዐ ኣይተርፍን።

6ንኣረጋውያን ዘውዶም ደቂ ደቆም እዮም፤ ንቘልዑ ኸዓ ኣቦታቶም ክብረቶም እዮም።

7ንዓሻ ናይ ኵርዓት ኣነጋግራ ኣይግብኦን፤ ብሕልፊኳ ንበዓል ስልጣን ዘረባ ሓሰት ኣይግብኦን።

8ጉቦ፥ ንዝቕበሎ ኸም ክቡር ዕንቊ እዩ፤ ኣብ ኵሉ ዝኸዶ ቦታውን ስራሑ ይቐንዖ።

9ፍቕሪ ዝደሊ ንበደል ይሽፍኖ፤ ነገር ዝደጋግም ግና ፅኑዕ ዕርክነት ይፈላሊ።

10ካብ ሚእቲ ጊዜ ግርፋት ዓሻ፥ ተግሳፅ ንለባም ኣዕሚቑ ይኣትዎ።

11ዓመፅ ጥራሕ ንዝደሊ ኽፉእ ሰብ፥ ጨካን መልእኽተኛ ይለኣኾ።

12ዓሻ ብዕሽነቱ ኻብ ዘጋጥመካ፥ ኰራዅራ ዘሕደግዋ ድቢ ኽተጋጥመካ ይሐይሽ።

13ክንዲ ሰናይ ክፉእ ንዝፈዲ ሰብ፥ ካብ ቤቱ መከራ ኣይርሕቕን።

14ምጅማር ጐይቊ፥ ከም ኣፋስሳ ማይ እዩ፤ ስለዙይ ጐይቊ እንተይተባርዐ፥ ንስኻ ኻብ ነገር ረሓቕ።

15ክፉእ ንዝገብር ዘፅድቕ፥ ኣብ ልዕሊ ፃድቕ ዝፈርድ፥ ክልቲኦም ብእግዚኣብሄር ፅሉኣት እዮም።

16ጥበብ ንኽገዝእ ኣእምሮ የብሉን እሞ፥ ኣብ ኢድ ሰነፍ መዐደጊ ጥበብ ገንዘብ እንተ ሃለወ ረብሓኡ እንታይ እዩ?

17ፈታዊ ዅልሻዕ ይፈቱ፤ ሓው ድማ ንእዋን መከራ እዩ ዝውለድ።

18ኣእምሮ ዘይብሉ ሰብ ቀልጢፉ ኢድ ይጠቅዕ፤ ኣብ ቅድሚ ብፃዩውን ዋሕስ ይኸውን።

19ባእሲ ዝፈቱ ኽርክር ይፈቱ፤ ደገኡ ዘንውሕ ከዓ ውድቀት ይምነ።

20ጠዋይ ዝልቡ ሰብ ሰናይ ኣይረክብን፤ ወስላታ መልሓስ ዘለዎ ሰብ ከዓ ኣብ መከራ ይወድቕ።

21ሰነፍ ውሉድ ዝወለደ ኣቦ፥ ይሓዝን።

22ደስ ዝበላ ልቢ፥ ሰናይ መድሓኒት እያ፤ ሕዙን መንፈስ ግና ነዕፅምቲ የንቅፆ።

23ሓጥእ፥ መንገዲ ፍትሒ ንምቕይናን፥ ካብ ሕቝፊ ጉቦ ይቕበል።

24ጥበብ ኣብ ቅድሚ ለባማት ትነብር፤ ዓይኒ ሰነፍ ግና ኽሳዕ ወሰን ምድሪ እዩ።

25ሰነፍ ውሉድ ነቦኡ ጓሂ እዩ፤ ንኖኡ ድማ ምረት እዩ።

26ንፃድቕ ምቕፃዕ፥ ንኽቡራት ድማ ስለ ቕንዕናኦም ምውቃዕ ግቡእ ኣይኮነን።

27ውሑድ ቃል ዝዛረብ ፈላጥ እዩ፤ ህዱእ መንፈስ ዘለዎውን መስተውዓሊ እዩ።

28ሰነፍ ስቕ እንተበለ ለባም ይመስል፤ ከንፈሩ ዝቝልፍውን፥ በዓል ፍልጠት እዩ ይበሃል።

ትርጓሜ

ምሳሌ 17:1 እዘን ቃላት እዚኤን ፍቕርን ሰላምን ስድራቤት ንጽንዓት ህይወት ደቂ ሰብ ኣድላዪት ምዃነን የተባብዓ። 2. እቲ ጥበበኛ ገላዋይ ካብቲ በዳዪ ወዲ ንዝያዳ ይብቅዕ፣ ከም ሓደ ካብ ቤተሰብ ድማ ንኽቝጸር ዝያዳ ዕድል ኣለዎ። 3. ኣምላኽ ንልቢ ብመከራ ይፍትን። በዚ ኸኣ እቲ ኣብ ልቢ እቲ ኣማኒ ዝጸንሐ ሓጢኣት ብዙሕ ግዜ ኣርእዩ እዩ።

ምሳሌ 17:4። መብለህቲ፥ ብፍላይ ድማ ሓሰውቲ መምህራን፥ ብሓጥያት ንዝነብሩ ሰባት ቅቡላት እዮም። 5። ንድኽነት ዝስሕቁ ሰባት፥ ንምምራሕ ኣምላኽን ንትእዛዛቱን ብንዕቀት ይርእይዎ። 6። ጥበበኛታትን ፈራህቲ ኣምላኽን ዝኾኑ ወለዲ ድሕሪ ምብሳሎምን ኣብ ዓለም ምትኳሎምን እኳ ደኣ ምስ ደቂ ምቕጻሎም፥ ንደቂ ክብሪ እዩ። 7። ዓሻ ሰብኣይ፥ ኣብ ምሳሌታት ሰሎሞን፥ ረሲእ ሰብ ማለት እዩ። ንዕኡ ብሉጽ ዘረባ ኣይመልኮን፥ ምኽንያቱ ኣነባብራኡ ምስኡ ስለ ዝጋጮ።

ምሳልያዊ መጽሓፍ ምዕራፍ 1717:8. እቶም ልቦም ኣብ ገንዘብ ዝሰቕሉ፡ ንእኡ ኢሎም ዝኾነ ይኹን ክገብሩ እዮም። ህያባት ኣምላኽ ኣብ ልብና ክንደይ ጽልዋ ክገብሩ ይግባእ!17:9. ንሰላም ንምዕቃብ ዝሓሸ መገዲ፡ ንኹሉ ነገር ብዝግባእ ምጥቃም እዩ፤ ብኣንጻርና እተዛረብናዮ ወይ እተገብረልና ነገር ከኣ ዘይምግንዛብ እዩ።17:10. ሓንቲ ለዋህ ወቀሳ፡ ናብ ርእሲ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናብ ልቢ ናይ ሰብ ጥበብ እውን ክኣቱ እዩ።17:11. ሰይጣንን መልእክተኛታት ሰይጣንን ኣብ ልዕሊ እኩይ ሰብ ክልቀቑ እዮም።17:12. ንገዛእ ስምዒታትና ንጠንቀቐሎም፡ ምስቶም ቅጡዓት ሰባት ከኣ ዕርክነት ንሽገረሉ።

**17:13.

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6