1ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ብጐይታ ተሓጐሱ። ብዛዕባ እዝ ነገርዙይ፥ ደጊመ ኽፅሕፈልኩም ኣይስልክየንን እዩ፤ ንኣኻትኩም ንጥቕምኹም እዩ እሞ።
2ካብ ኣኽላባት ተጠንቀቑ፤ ካብ ገበርቲ ኽፉእ ተጠንቀቑ፤ ግሩዛት ኢና ኻብ ዝብሉ ተጠንቀቑ።
3ንሕና ብመንፈስ ንእግዚኣብሄር እነምልኽ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ እንምካሕ፥ ብስጋውን ዘይንእመን፥ ንሕና ኢና ብሓቂ ግሩዛት።
4ትምክሕቲ ዘድሊ እንተ ኾይኑስ፥ ኣነውን ብዙሕ ኣለኒ። ሓደ፥ በቲ ኣብ ሰብነት ዝግበር ኣፍኣዊ ስርዓት፥ ዘመክሕ ዘለዎ እንተ መሰሎውን፥ ኣነ ኻብቲ ናቱ ዝበለፀ ኣለኒ።
5ኣነ ኣብ ሻምናይ መዓልቲ ዝተገረዝኩ፥ ካብ ዓሌት እስራኤል፥ ካብ ነገድ ብንያም ዝተወለድኩ፥ ካብ ዕብራውያን ዕብራዊ እየ፤ ሕጊ ብምፍፃምውን ፈሪሳዊ እየ፤
6ንቕንኢ ሃይማኖት ብዝምልከት፥ ኣሳጓጒ ቤተ ክርስቲያን፥ ሕጊ ብምፍፃም ንዝርከብ ፅድቂ ኸዓ፥ ነቐፌታ ዘይብለይ እየ።
7እንተ ኾነ፥ ነዝ ንኣይ ረብሓ ዝነበረ፥ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ዋጋ ኸም ዘይብሉ ቘፀርክዎ።
8እወ፥ ምእንቲ እቲ ማዕረ ዘይብሉ፥ ፍልጠት ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንዅሉ ነገር ከም ከንቱ ቘፀርክዎ። ምእንታኡ ኽብል፥ ኵሉ እስእን ኣለኹ። ንእኡ ኽረክብን ምስኡ ክኸውንን ከዓ፥ ንዅሉ ኸም ጐሓፍ እቘፅሮ ኣለኹ።
9እዙይ ከዓ፥ ነቲ ኣብ ሕጊ ብምፍፃም ዝተመስረተ ናይ ባዕለይ ፅድቂ ዘይኮነስ፥ ኣብቲ ንክርስቶስ ብምእማን ዝተመስረተ፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝኾነ ፅድቂ ንምርካብ እዩ።
10ከምኡ ኸዓ ንክርስቶስን፥ ንሓይሊ ትንሳኤኡን ክፈልጥ፥ ኣብ መከራኡ ኽካፈል፥ ብሞቱውን ንእኡ ኽመስሎ እሞ፥
11ኣብ ትንሳኤ ሙታን ክበፅሕ እንተ ኸኣልኩ ኢለ እየ።
12ነዝ ዅሉ ድሮ ረኺበዮ፥ ወይ ድማ ቅድሚ ሕዚ ፍፁም ኮይነ እየ ማለተይ ኣይኮነን። ግና ክርስቶስ ኢየሱስ ናቱ ስለ ዝገበረኒ፥ ኣነ ድማ ነዝ ዅሉ፥ ናተይ ክገብሮ ኢለ እፅዕር ኣለኹ።
13ኣሕዋተይ፥ ኣነ ግና ናተይ ከም ዝገበርክዎ ገይረ፥ ንርእሰይ ኣይግምትን እየ፤ ሓደ ዝገብሮ ነገር ኣሎ፦ ነቲ ብድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኹ፥ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እመጣጠር ኣለኹ፤
14ናብቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ኣቢለ፥ ናብቲ ዓስቢ ኣሸናፊነት፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝኾነ፥ ናይ እግዚኣብሄር መፀዋዕታ እጐዪ ኣለኹ።
15እምበኣር ብመንፈሳዊ ህይወት ዝጠንከርና ዅልና፥ እዙይ ንሕሰብ፤ ብዝኾነ ነገር ዝተፈለየ ሓሳብ እንተ ሃልዩኩም፥ ንእኡውን እግዚኣብሄር ክገልፀልኩም እዩ።
16ሕዚ ግና በቲ በፂሕናዮ ዘለና፥ ብእኡ ፀኒዕና ንንበር።
17ኣሕዋተይ፥ ንኣይ ምሰሉ፤ ነቶም በታ ዝሃብናኩም ኣርኣያ ዝነብሩ ኸዓ፥ ኣስተውዕልዎም።
18ከምቲ ብዙሕ ጊዜ ዝነገርኩኹም፥ ሕዚ ኸዓ እናነባዕኹ ዝነግረኩም ዘለኹ፥ ብዙሓት ፀላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉ።
19መወዳእታኦም ግና ጥፍኣት እዩ፤ ኣምላኾም ከብዶም እዩ፤ ክብረቶም በቲ ነውሮም እዩ፤ ሓሳቦም ከዓ ምድራዊ እዩ።
20ንሕና ግና፥ ሃገርና ኣብ ሰማይ እዩ፤ ካብኡ ንዝመፅእ፥ መድሓኒናን ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንፅበ ኣለና።
21ንሱ በቲ ንዅሉ ኽመልከሉ ዝከኣሎ ሓይሊ፥ ነዝ ዝተዋረደ ሰብነትና ለዊጡ፥ ነቲ ኽቡር ሰብነቱ ኸምስሎ እዩ።