መጽሓፍ ነህምያ 3

BCVትግርኛ32 ፍቕድታት6:17 ስማዕ
ስማዕ 6:17 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እቲ ዓብዪ ካህን ኤልያሴብ ምስ ኣሕዋቱ ኻህናት ኮይኑ፥ ነቲ ቕፅሪ በሪ ኣባጊዕ ነደቕዎን ቀደስዎን፤ መዓፁውን ኣቖሙሉ። ክሳዕ እቲ ሃሜኣ ዝበሃል ግንብን ክሳዕ መሐለዊ ግንቢ ሃናንኤልን ድማ ቐደስዎ።

2ሰብ ኢያሪኮ ኸዓ ቐፂሉ ዘሎ ነደቑ፤ ዘኩር ወዲ ኣምሪውን ካብኡ ዝቕፅል ነደቐ።

3ደቂ ሃስናኣውን ነቲ በሪ ዓሳ ዝበሃል ደገ ነደቑዎ፤ ልዳት ኣጋጠሙሉ፤ መዓፁውን ኣቖሙሉ፤ መርሖታትን መሸጐሪታትን ድማ ገበሩሉ።

4ሜሪሞት፥ ወዲ ኦርዮ ወዲ ኣቆስ ከዓ ኻብኣቶም ቀፂሉ ዘሎ ነደቐ። ሜሱላም ወዲ በራክያ፥ ወዲ ሜሴዜቤል ድማ ኻብኣቶም ቀፂሉ ዘሎ ነደቐ። ሳዶቅ ወዲ በዓና ድማ ኻብኡ ቐፂሉ ዘሎ ነደቐ።

5ቴቁሓውያን ከዓ ኻብኡ ቐፂሉ ዘሎ ነደቑ። እቶም ክቡራቶም ግና ናብቲ ስራሕ ጐይታኦም ክሳዶም ኣየዘንበሉን።

6ዮዳሄ ወዲ ፋሴሓን ሜሱላም ወዲ በሶድያን ከዓ ነቲ ዝኣረገ በሪ ሓደስዎ፤ ልዳውቲ ኣጋጠሙሉ፤ መዓፁ ድማ ኣቖሙሉ፤ መርሖታትን መሸጐሪታትንውን ገበሩሉ።

7ካብኣቶም ቀፂሉ ዘሎ ድማ መልጥያና እቲ ገባዖናዊን ያዶን እቲ ሜሮኖታዊን እቶም ሰብ ገባዖንን ምፅጳን ክሳዕ ኣዳራሽ እቲ ገዛኢ ምዕራብ ፈለግ ኤፍራጥስ ነደቑ።

8ዑዝኤል ወዲ ሓርሃያ፥ ሰራሒ ወርቂ ኸዓ፥ ካብኣቶም ቀፂሉ ዘሎ ነደቐ። ሃናንያ ኻብቶም ቀመምቲ ሽቱ ድማ፥ ካብኡ ቐፂሉ ዘሎ ነደቐ። ንኢየሩሳሌም ከዓ ኽሳዕ እቲ ገፊሕ ቅፅሪ ነደቕዋ።

9ረፋያ ወዲ ሆር፥ ሹም ፍርቂ ግዝኣት ኢየሩሳሌም ድማ ኻብኣቶም ቀፂሉ ዘሎ ነደቐ።

10ይዳያ ወዲ ኤርማፍ ከዓ ቐፂሉ ዘሎ ኣብ መንፅር ቤቱ ነደቐ። ሓጡስ ወዲ ኣስበንያ ድማ ቐፂሉ ዘሎ ነደቐ።

11መልክያ ወዲ ካሪምን ኣሱብ ወዲ ፊሓት ሞኣብን ካልእ ክፍልን ነቲ ግንቢ እቶን ነደቑ።

12ሰሎም ወዲ ኣሎኤስ ሹም ፍርቂ ግዝኣት ኢየሩሳሌምን ኣዋልዱን ከዓ ቐፂሉ ዘሎ ነደቑ።

13ሓኖንን ኣብ ከተማ ዛኖዋ ዝነብሩን ከዓ ንበሪ እቲ ለሰ ሓደስዎ፤ ነዲቖምውን መዓፁ ኣቖሙሉ፤ መርሖታትን መሸጐሪታትንውን ገበሩሉ። ክሳዕ ደገ እቲ ምጕሓፍ ጐድፍ ኣርባዕተ ሚእትን ኣርብዓን ሜትር ዝምንዋሑ ቕፅሪ ሰርሑ።

14መልክያ ወዲ ሬካብ፥ ሹም ቤትሃካሪም ከዓ ነቲ በሪ መደርበዪ ጐሓፍ ሓደሶ፤ ነዲቑውን መዓፁን መርሖታትን መሸጐሪታትን ገበረሉ።

15ሰሎም ወዲ ኮልሖዜ፥ ሹም ግዝኣት ምፅጳ ድማ ንበሪ ዒላ ሓደሶ፤ ነዲቑውን ከደኖ፤ መዓፁን መርሖታትን መሸጐሪታትንውን ገበረሉ። ብዘይ እዙይ ድማ ኻብቲ ጥቓ ኣታኽልቲ ንጉስ ዘሎ መሐመሲ ወሽመጥ ክሳዕ እቲ ኻብ ከተማ ዳዊት ዘውርድ መሳልል ዘሎ መንደቕ ሰርሐ።

16ብድሕሪኡ ነህምያ ወዲ ዓዝቡቅ፥ ሹም ፍርቂ ቤትፁር፥ ክሳዕ መንፅር መቓብር ዳዊትን ክሳዕ እቲ ዝተሰርሐ መሐመስን ክሳዕ ቤት እቶም ጀጋኑን ሓደሰ።

17ብድሕሪኡ ዝሰርሑ ሌዋውያን፦ ሬሑም ወዲ ባኒ ቐፂሉ ዘሎ ሓደሰ። ኣብ ጥቓኦም ድማ ሓሸብያ ሹም ፍርቂ ግዝኣት ቅዒላ፥ ክንዲ ግዝኣቱ ኣልጊቡ ሓደሰ።

18ብድሕሪኡ በዋይ ወዲ ኤንሓዳድ፥ ሹም እታ ኻልአይቲ ፍርቂ ግዝኣት ቀዒላን ኣሕዋቱን ሓደሱ።

19ኣብ ጥቓኡ ድማ ዔፅር ወዲ ኢያሱ ሹም ምፅጳ፥ ቀፂሉ ዘሎ ሓደ ኻልእ ክፍሊ ኣብ መንፅር እቲ ናብ ቤት ኣፅዋር ዝወስድ መደያይቦ፥ ኣብቲ መኣዝን ሓደሰ።

20ብድሕሪኡ ባሮክ ወዲ ዘባይ ካብቲ መኣዝን ጀሚሩ ኽሳዕ በሪ ቤት ኤልያሴብ እቲ ዓብዪ ካህን ተጊሁ ኻልእ ክፍሊ ሓደሰ።

21ብድሕሪኡ ሜሪሞት ወዲ ኦርዮ ወዲ ኣቆስ፥ ካልእ ክፍሊ ኻብ በሪ ቤተ ኤልያሴብ ክሳዕ መወዳእታ ቤት ኤልያሴብ ሓደሰ።

22ብድሕሪኡ እቶም ናይ ቈላ ሰባት እቶም ካህናት ሓደሱ።

23ብድሕሪኦም ብንያምን ኣሱብን ኣብ መንፅር ቤቶም ዘሎ ሓደሱ። ካብኣቶም ቀፂሉ ኣዛርያስ፥ ወዲ መዕሴያ ወዲ ሓናንያ፥ ኣብ ጥቓ ቤቱ ዘሎ ሓደሰ።

24ቢንዊ ወዲ ኤንሓደድ ካልእ ክፍሊ ኻብ ቤት ኣዛርያስ ኽሳዕ እቲ መኣዝን ዘሎ ሓደሰ።

25ፋላል ወዲ ኡዛይ ኣብ መንፅር እቲ መኣዘንን፥ እቲ ኻብ ላዕለዋይ ቤት ንጉስ ወፃኢ ዘሎ ግንብን፥ ኣብ ጥቓ ሰፈር ሓለውቲ ነደቐ። ብድሕሪኡ ድማ ፈዳያ ወዲ ፋኖስ ሰርሐ።

26እቶም ናታኒምውን ኣብ ዖፌል ዝቕመጡ፥ ክሳዕ መንፅር ደገ ማይ ብወገን ምብራቕን፥ ክሳዕ እቲ ወፃኢ ዝነበረ ግንብን ሓደሱ።

27ብድሕሪኡ እቶም ቴቁሓውያን ካልእ ክፍሊ ኻብ መንፅር እቲ ውፁእ ዓብዪ ግንብን ክሳዕ እቲ መንደቕ ዖፌልን ዘሎ ኣዐረዩ።

28እቶም ካህናት ነፍሲ ወከፎም ነቲ ኣብ ልዕሊ በሪ ኣፍራስ ዘሎ መመንፅር ቤቶም ሓደሱ።

29ብድሕሪኡ ሳዶቅ ወዲ ኢሜር ኣብ መንፅር ቤቱ ዘሎ ሓደሰ። ብድሕሪኡ ሸማያ ወዲ ሴኬንያ፥ ሓላዊ በሪ ምብራቕ፥ ቀፂሉ ዘሎ ሓደሰ።

30ብድሕሪኡ ሓናንያ ወዲ ሰላምያን ሃኑን ሻድሻይ ወዱ ንፃላፍን ካልእ ክፍሊ ቐፂሎም ሓደሱ። ብድሕሪኡ ሜሱላም ወዲ በራክያ ኻብ መንፅር ቤቱ ቐፂሉ ዘሎ ሓደሰ።

31ብድሕሪኡ መልክያ፥ እቲ ሰራሒ ወርቂ፥ ክሳዕ ናታኒምን ክሳዕ ቤት እቶም ነጋዶን ኣብ መንፅር በሪ ሃሚፍቃድን ክሳዕ እቲ መደየቢ መኣዝን ዘሎ ሓደሰ።

32ሰራሕቲ ወርቅን ነጋዶንውን ነቲ ኣብ መንጎ መደየቢ መኣዘንን ኣብ መንጎ በሪ ኣባጊዕን ዘሎ ሓደሱ።

ትርጓሜ

3:1-32 የሩሳሌም ቅጽሪታት ምሕዳስ።

እቲ ዕዮ ተኸፋፊሉ ነበረ፣ ኩሉ ሰብ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ምእንቲ ኪፈልጥ፣ ከምኡ እውን ብቕንዕናን ተባዕትዎን ክሰርሖ። ግናኸ ብዘይ ንሕንሕ ወይ ፍሉይ ረብሓ። ኣብ መንጎኦም ክርክር ወይ ንሕንሕ ኣይነበረን፣ እኳ ደኣ ኣየናይ ንሓባራዊ ረብሓ ዝበዝሕ ከም ዝገብር እዩ ዝሓስብ ነይሩ። ነፍሲ ወከፍ እስራኤላዊ ኣብ ምሕዳስ የሩሳሌም ኢዱ ከውሲ ኣለዎ። ክቡራት ንገዛእ ርእሶም ንጥቕሚ ሃገሮም ዘዕቢ ዕዮ ንታሕቲ ገይሮም ኣይንርእይዎ። እንተላይ ገለ ኣንስትዮ እውን ነቲ ዕዮ ኣግዚኤንኦ። ገሊኦም ኣብ ቅድሚ ኣባይቶም ኣዐሪዮም፣ ሓደ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ክፍሉ ኣዐሪዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ታላቁም ካህን ኤልያሴብ ወንድሞቹም ካህናት ተነሥተው የበግ በር ሠሩ፤ ቀደሱትም፥ ሳንቃዎቹንም አቆሙ፤ እስከ ሃሜአ ግንብና እስከ ሐናንኤል ግንብ ድረስ ቀደሱት። አማርኛ ENGNIV Eliashib the high priest and his fellow priests went to work and rebuilt the Sheep Gate. They dedicated it and set its … English GAZBIB Eliyaashiib angafni lubaa fi obboloonni isaa luboonni akka isaatii dhaqanii dallaa mandarattiif karra isa “Karra hoolaa… Afaan Oromoo BCV GIZ ወተንሥአ ኤሌሱብ ካህን ዓቢይ፡ ወአኃዊሁኒ ካህናት ወሐነጹ አንቀጸ ጲሩጳጥቄ፡ ወእሙንቱ ጠፈርዋ ወዐቀሙ ኆኃቲሃ እስከ ማኀፈደ ምእት፡ ወቀደሱ እስከ ማኅፈደ ሐናናኤል። giz GAZGAZ Eliyaashiib angafni lubaa fi obboloonni isaa luboonni akka isaatii dhaqanii dallaa mandarattiif karra isa “Karra hoolaa… Afaan Oromoo BCV aksum እቲ ዓብዪ ካህን ኤልያሴብ ምስ ኣሕዋቱ ኻህናት ኮይኑ፥ ነቲ ቕፅሪ በሪ ኣባጊዕ ነደቕዎን ቀደስዎን፤ መዓፁውን ኣቖሙሉ። ክሳዕ እቲ ሃሜኣ ዝበሃል ግንብን ክሳዕ መሐለዊ ግንቢ ሃናንኤልን ድማ … ትግርኛ AMHNIV ሊቀ ካህናቱ ኤልያሴብና ወንድሞቹ ካህናት ለሥራ ተነሡ፤ የበጎች በር የተባለውንም እንደ ገና ሠሩ። ቀደሱት፤ መዝጊያዎቹንም በየቦታቸው ላይ አቆሙ። መቶ ማማ እስከሚባለው ግንብና ሐናንኤል ማማ… አማርኛ SWAHSUV Ndipo akaondoka Eliashibu, kuhani mkuu, pamoja na nduguze makuhani, wakalijenga lango la kondoo; wakazitia boriti zake,… Kiswahili