ወንጌል ማርቆስ 5

BCV aksumትግርኛ42 ፍቕድታት5:50 ስማዕ
ስማዕ 5:50 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን፥ ናብ ማዕዶ ባሕሪ ናብ ሃገር ጌርጌሴኖን በፅሑ።

2ካብ ጃልባ ምስ ወረደ ድማ፥ ሓደ ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሰብ፥ ካብ መቓብር ወፂኡ ተራኸቦ።

3ንሱ ኣብ መቓብር ይነብር ነበረ፤ ብሰንሰለት ኣሲሩ ኸፅንዖ ዝኽእል ሓደኳ ኣይነበረን።

4ብመቝሕን ብሰንሰለትን ብዙሕ ጊዜ ይእሰር ነበረ፤ እንተ ኾነ ነቲ ሰንሰለት ይበታትኾ፥ ነቲ መቝሕ ከዓ ይሰባብሮ ስለ ዝነበረ፥ ሒዙ ኸፅንዖ ዝኽእል ሓደኳ ኣይነበረን።

5ኵልሻዕ ድማ ለይትን መዓልትን፥ ኣብ መቓብርን ኣብ እምባታትን ኮይኑ የእዊ፤ ሰብነቱ ኸዓ ብፅንፅልሒት ይትልትል ነበረ።

6ንኢየሱስ ብርሑቕ ምስ ረአዮ ጐዪዩ ሰገደሉ፤

7“ኦ ኢየሱስ ወዲ ልዑል እግዚኣብሄር! ንስኻ ምሳይ እንታይ ኣለካ? ከይተሳቕየኒ ብእግዚኣብሄር ኣማሕፅነካ ኣለኹ!” እናበለ ብዓብዪ ድምፂ ኣእወየ።

8እዙይ ዝበለ ኸዓ ኢየሱስ “ኣታ ርኹስ መንፈስ፥ ካብዝ ሰብ እዙይ ውፃእ” ኢልዎ ስለ ዝነበረ እዩ።

9ኢየሱስ ከዓ “ስምካ መን እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። እቲ ጋኔን ድማ “ብዙሓት ኢናሞ ስመይ ‘ሌጌዎን’(ሀ) እዩ” ኢሉ መለሰ።

10ካብታ ዓዲ ኣውፂኡ ኸይሰዶም ከዓ ብዙሕ ለመኖ።

11እንሆ ድማ ኣብኡ ኣብቲ ፀግዒ እምባ፥ ብዙሕ መጓሰ ሓሰማታት ተዋፊረን ነበራ።

12ንሳቶም ከዓ ናብተን ሓሰማታት ስደደና እሞ፥ ናብኣተን ክንኣቱ ኢሎም ለመንዎ።

13ኢየሱስ ድማ ፈቐደሎም፤ እቶም ርኹሳት መናፍስቲ ኸዓ፥ ወፂኦም ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ። እተን ክልተ ሽሕ ዝኣኽላ ሓሰማታት በርጊገን በቲ ፀድፊ ናብቲ ባሕሪ ጠሊቐን ሞታ።

14እቶም ጓሶት ድማ ሃደሙ፤ ኣብ ከተማን ኣብ ዓድታትን ከዓ ኣውረዩ፤ እቶም ህዝቢ እውን ነቲ ዝኾነ ነገር ክሪኡ ወፁ።

15ናብ ኢየሱስ ምስ መፁ ድማ፥ እቲ ጋኔን ሒዝዎ፥ [ሌጌዎን] ሓዲርዎ ዝነበረ ሰብ ኮፍ ኢሉ፥ ክዳኑ ተኸዲኑ፥ ናብ ልቡ ተመሊሱ ረአይዎ እሞ ፈርሑ።

16እቶም ዝረአይዎ ድማ፥ ነቲ ብዛዕባ እቲ ጋኔን ሓዲርዎ ዝነበረ ሰብን፥ ብዛዕባ እተን ሓሰማታት ዝኾነ ነገርን ነገርዎም።

17ሽዑ እቶም ህዝቢ ኻብ ዓዶም ክወፀሎም ክልምንዎ ጀመሩ።

18ኢየሱስ ናብ ጃልባ እናደየበ እንተሎ ድማ፥ እቲ ጋኔን ሓዲርዎ ዝነበረ ሰብ ምስኡ ክኸይድ ለመኖ።

19ኢየሱስ ግና ኣይፈቐደሉን፤ “ናብ ገዛኻን ናብ ወገናትካን ኪድ፤ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝገበረልካን ዝመሓረካን ድማ ንገሮም!” በሎ።

20ንሱ ኸዓ ዅሉ እቲ ኢየሱስ ዝገበረሉ፥ ዓሰርተ ኸተማታት(ለ) ናብ ዝበሃል ዓዲ ኸይዱ ኽነግር ጀመረ፤ ኩሎምውን ተገረሙ።

21ሽዑ ኢየሱስ መሊሱ ብጃልባ ናብ ማዕዶ ምስተሳገረ፥ ብዙሕ ህዝቢ ናብ ወሰን ባሕሪ ናብኡ ተኣከበ።

22ኢያኢሮስ ዝስሙ ሓደ ኻብቶም ኣሕሉቕ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ናብኡ መፀ፤ ምስ ረአዮ ኸዓ፥ ኣብ እግሩ ወዲቑ

23“ጓለይ ክትመውት ስለ ዝቐረበት፥ ምእንቲ ሓውያ፥ ብህይወት ክትነብር መፂእኻ ኢድካ ኣንብረላ” እናበለ ኣበርቲዑ ለመኖ።

24ኢየሱስ ድማ ምስኡ ኸደ፤ ብዙሕ ህዝቢ እውን ሰዓቦ፤ ኣብ ዙርያኡውን ይደፋፋእ ነበረ።

25እንሆ ኸዓ ኻብ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ጀሚሩ፥ ደም ዝፈስሳ ሰበይቲ ነበረት።

26ናብ ብዙሓት ሓኻይም ብምኻድ ብዙሕ ተሳቐየት፤ ኵሉ ገንዘባውን ወድአት፤ እንተ ኾነ ገደዳ ደኣ እምበር ኣይጠቐማን።

27ብዛዕባ ኢየሱስ ምስ ሰምዐት፥ “ክዳኑ እንተ ነኺአ ኽሓዊ እየ” ኢላ፥ ብማእኸል እቶም ህዝቢ ሓሊፋ፥ ብድሕሪኡ መፂኣ ኽዳኑ ነኽአት።

29እቲ ዝፈስስ ዝነበረ ደማ ኸዓ፥ ብቕፅበት ቆመ፤ ካብ ሕማማ ኸም ዝሓወየትውን ተፈለጣ።

30ኢየሱስ ከዓ ሽዑ ኻብኡ ሓይሊ ኸም ዝወፀ ፈሊጡ፥ ናብቶም ህዝቢ ግልፅ ኢሉ፥ “መን እዩ ኽዳነይ ዝነኽአ?” በለ።

31ደቀ መዛሙርቱ ድማ “ህዝቢ ናባኻ እንትፀቓቐጥ እናረአኻስ ‘መን እዩ ዝነኽአኒ’ ትብል ኣለኻ?” በልዎ።

32ኢየሱስ ነቲ እዙይ ዝገበረ ንኽርኢ ምልስ ኢሉ ጠመተ።

33እታ ሰበይቲ ግና፥ እቲ ኣብኣ ዝኾነ ስለ ዝፈለጠት፥ ብፍርሓት እናንቀጥቀጠት መፂኣ ሰገደትሉ፤ ኵሉ እቲ ሓቂውን ነገረቶ።

34ንሱ ኸዓ “ጓለይ፥ እምነትኪ እያ ዘሕወየትኪ፤ ብሰላም ኪዲ፤ ካብ ሕማምኪውን ሕወዪ!” በላ።

35ኢየሱስ ገና እዙይ ኽዛረብ እንተሎ፥ ካብቲ ገዛ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ሰባት መፂኦም፥ “ጓልካ ሞይታ እያ፤ ደጊምከ ስለ ምንታይ ንመምህር እተድክሞ?” በልዎ።

36ኢየሱስ ከዓ እቲ ዝተዛረብዎ ሰሚዑ ነቲ ሓለቓ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ “ኣይትፍራሕ፤ እመን ደኣ” በሎ።

37እንትርፊ ጴጥሮስን ያእቆብን፥ ሓው ያእቆብ ዮሃንስን ሓደኳ ኽስዕቦ ኣይፈቐደን።

38ናብ ገዛ እቲ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ምስ ኣተዉ ኸዓ፥ ብዙሓት ዘልቅሱን ዝበኽዩን ዋይ ዋይ ዝብሉን ረአየ።

39ኣትዩ “ስለ ምንታይ ዋይ ዋይ ትብሉን ትበኽዩን? እዛ ቘልዓኮ ደቂሳ እያ ዘላ እምበር ኣይሞተትን” በሎም።

40ንሳቶም ከዓ ሰሓቕዎ፤ ንሱ ግና ንዅሎም ኣውፂኡ፥ ነቦ እታ ቘልዓን ንኖኣን ነቶም ምስኡ ዝነበሩን ሒዙ፥ ናብቲ እታ ቘልዓ ዘላቶ ኣተወ።

41ነታ ቘልዓ ብኢዳ ሒዙ ኸዓ “ጣሊታ(ሐ) ቑሚ!” በላ። ትርጕሙ ኸዓ “ኣቲ ጓል፥ ተስኢ እብለኪ ኣለኹ” ማለት እዩ።

42እታ ጓል ድማ ብቕፅበት ተሲኣ ተዋሳወሰት፤ ዕድሚኣ ድማ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ነበረ። ሽዑ የመና ተገረሙ።

43ንሱ ኸዓ፥ ነዙይ ሓደኳ ኸይፈልጦ ብፅኑዕ ኣዘዞም፤ ዝብላዕ ክህብዋ ድማ ነገሮም።

ትርጓሜ

5:1-20 ገሊኦም ብግህዶ ብፍቓዶም ዝሓጥኡ ሰባት ከምዚ እቲ እብድ እዩ። እቲ ትእዛዛት ሕጊ፡ ሓጥኣን ካብ እከይ መገዶም ንምክልኻል፡ ከም ሰንሰለትን መቚሕትን እዮም። ግናኸ ነቶም እሱራት የብትኽዎም። እዚ ድማ ኣብኦም ዘሎ ሓይሊ ሰይጣን መርኣያ እዩ። ሓደ ለገዎን ወተሃደራት ሽዱሽተ ሽሕ ሰባት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝሓቖፈ እዩ። ኣብ ሓደ ድኻን ዘሕዝንን ፍጥረት ሓደ ለገዎን ክኣቱ ኸሎ፡ ክንደይ ብዙሓት ዝወደቑ መናፍስቲ ክኾኑ ከም ዘለዎም፡ ኩላቶም ከኣ ጸላእቲ ኣምላኽን ሰብን ክኾኑ ከም ዘለዎም! ብዙሓት ኣብ ልዕሌና ዝለዓሉ ኣለዉ። ብናይ ገዛእ ርእስና ሓይልና ንመንፈሳውያን ጸላእትና ምብዳህ ኣይከኣለናን። ግናኸ ብጐይታን ብሓይሊ ብርታዔኡን ንምብዳሆም ክንከኣል ኢና፡ ለገዋናትኳ እንተኾኑ። እቲ ዝኸፍአ ገበነኛ ብሓይሊ የሱስ ካብ ባርነት ሰይጣን ሓራ ምስ ወጸ፡ ብሓጐስ ኣብ እግሪ እቲ ኣናጋፊኡ ኮፍ ክብል፡ ቃሉ ኸኣ ክሰምዕ እዩ። ንሱ እቲ ሓደግቲ ባሮት ሰይጣን ዘናግፍ፡ ኣብ ቅዱሳኑን ኣገልገልቱን ዝቑጽሮም እዩ። እቶም ህዝቢ ኣሕዋሞም ከም ዝጠፍአ ምስ ረኣዩ፡ ንክርስቶስ ጸልእዎ። ነዊሕ ትዕግስትን ምሕረትን፡ ሰባት እንተ ንብረቶም ዝስእኑሉ፡ ነፍሶም ግና ዝድሕኑሉ፡ ንድሕነት ነፍሶም ክደልዩ ድማ መጠንቀቕታ ዝወሃቦም፡ ብምእራም እውን እንተኾነ ክርአ ይኽእል። እቲ ሰብኣይ ብሓጐስ የሱስ ንዑኡ ዝገበረሉ ዓብዪ ነገራት ኣወጀ። ኩሎም ሰባት ተገረሙ፡ ሒደት ግና ሰዐብዎ። ብዙሓት ብግብሪ ክርስቶስ ክግረሙ እንተ ዘይከኣሉ፡ ግናኸ ከምቲ ዝግባእ ብኣኡ ተገሪሞም ኣይሰዐብዎን።

5:21-34 እተነዓቐት ወንጌል ናብ ዝሓሸ እትቕበልካ ቦታ ክትከይድ እያ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6