ወንጌል ማርቆስ 2

BCV aksumትግርኛ26 ፍቕድታት4:31 ስማዕ
ስማዕ 4:31 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኢየሱስ ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ ናብ ቅፍርናሆም ተመሊሱ መፀ፤ ኣብ ገዛ ኸም ዘሎውን ተሰምዐ።

2መረባ ኽሳዕ ዝፀቦም ብዙሓት ሰባት ናብኡ ተኣከቡ፤ ቃሉውን ይነግሮም ነበረ።

3ኣርባዕተ ሰባት ድማ ንሓደ መፃጕዕ ብዓራት ፆይሮም ናብኡ ኣምፅኡ።

4ካብ ፃዕቒ ህዝቢ ዝተልዓለ ናብኡ ኸእትውዎ ስለ ዘይከኣሉ፥ ናብቲ ናሕሲ ደዪቦም በቲ ኢየሱስ ዝነበሮ ወገን ነቲ ናሕሲ ኣልዒሎም፥ ነቲ መፃጕዕ ምስቲ ደቂሱሉ ዝነበረ ዓራት ናብኡ ኣውረድዎ።

5ኢየሱስ ከዓ እምነቶም ሪኡ፥ ነቲ መፃጕዕ “ወደይ! ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ” በሎ።

6እንሆ ኸዓ ኻብ መምህራን ሕጊ ገሊኣቶም ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ፤ ብልቦም ድማ “ንምንታይ እዩ እዝ ሰብ እዙይ ከምዙይ ኢሉ ዝፃረፍ? ብዘይ ሓደ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ክሓድግ ዝኽእል መን እዩ?” እናበሉ ይሓስቡ ነበሩ።

8ኢየሱስ ድማ ብልቦም እዝ ሓሳብዙይ ይሓስቡ ኸም ዘለዉ፥ ሽዑ ንሽዑ ብመንፈሱ ፈሊጡ ኸምዙይ በሎም፦ “ስለ ምንታይ ብልብኹም ከምዙይ ትሓስቡ ኣለኹም?

9ኣየናይ ይቐልል? ነዝ መፃጕዕ እዙይ ‘ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ’ ምባልዶ ወይ ‘ተስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኺድ’ ምባል?

10እምበኣር ወዲ ሰብ፥ ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ክሓድግ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ እዩ” ኢሉ፥ ነቲ መፃጕዕ፥

11“ተስእ እሞ ዓራትካ ተሰኪምካ፥ ናብ ገዛኻ ኺድ እብለካ ኣለኹ” በሎ።

12እቲ መፃጕዕ ድማ ሽዑ ንሽዑ ተሲኡ፥ ዓራቱ ኣልዒሉ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ወፀ። ስለዙይ ድማ ዅሎም ተደነቑ እሞ፥ “ከምዙይ ዝበለ ኸቶ ኣይረአናን” እናበሉ ንእግዚኣብሄር ኣመስገኑ።

13ድሕሪዙይ ኢየሱስ ናብ ወሰን ባሕሪ ኣቢሉ ኸደ፤ ኵሎም እቶም ህዝቢ እውን ናብኡ መፁ፤ ይምህሮምውን ነበረ።

14ክሓልፍ እንተሎ ድማ ንሌዊ ወዲ እልፍዮስ ኣብቲ ቐረፅ ዝቕረፀሉ ተቐሚጡ ረአዮ እሞ፥ “ተኸተለኒ” በሎ፤ ንሱ ኸዓ ተሲኡ ተኸተሎ።

15ድሕሪዙይ ኢየሱስ ኣብ ገዛ ሌዊ ኣብ ማእዲ ተቐመጠ፤ ዝተኸተልዎ ብዙሓት ነበሩሞ፥ ብዙሓት ቀረፅትን ሓጥኣንን ምስ ኢየሱስን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ተቐመጡ።

16እቶም መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ኢየሱስ ምስ ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን ክበልዕን ክሰትን ምስ ረአይዎ፥ ንደቀ መዛሙርቱ “ስለ ምንታይ መምህርኩም ምስ ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን ዝበልዕን ዝሰትን?” በልዎም።

17ኢየሱስ ከዓ ሰሚዑ፥ “ንሓኪም ሕሙማት እምበር ጥዑያት ኣይደልይዎን፤ ኣነ ኸዓ ንሓጥኣን እምበር፥ ንፃድቃን ክፅውዕ ኣይመፃእኹን” በሎም።

18ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ፈሪሳውያንን ይፆሙ ነበሩ። ሰባት መፂኦም፥ “ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ደቀ መዛሙርት ፈሪሳውያንን ይፆሙ እዮም፤ ስለ ምንታይ ደኣ ደቀ መዛሙርትኻ ዘይፆሙ?” ኢሎም ንኢየሱስ ጠየቕዎ።

19ኢየሱስ ከዓ፦ “መርዓዊ ምስኣቶም እንተሎ ኣዕርኽቲ መርዓዊ ኽፆሙዶ ይኽእሉ? መርዓዊ ምስኣቶም እንተሎ ኽፆሙ ኣይግብኦምን።

20እንተ ኾነ መርዓዊ ኻብኣቶም ዝውሰደላ መዓልቲ ኽትመፅእ እያ፤ ሽዑ ኽፆሙ እዮም።

21ሓድሽ ቍራፅ ዓለባ፥ ኣብ ብላይ ክዳን ዝልግብ ከቶ የለን፤ እንተ ኾይኑውን እቲ ሓድሽ መልገባ ነቲ ብላይ ይቐዶ፤ ምቕዳዱ ኸዓ ዝገደደ ይኸውን።

22ንሓድሽ ወይኒ ድማ፥ ኣብ ብላይ ሓርቢ ዝመልእ የለን፤ እንተ ኾይኑውን እቲ ሓድሽ ወይኒ፥ ነቲ ብላይ ሓርቢ ይቐዶሞ፥ እቲ ወይኒ ይፈስስ፤ እቲ ሓርቢውን ይበላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና፥ ኣብ ሓድሽ ሓርቢ ይመልእዎ”(ሀ) በሎም።

23ኢየሱስ ብሰንበት ብማእኸል ገራሁ ኽሓልፍ እንተሎ፥ ደቀ መዛሙርቱ ሸዊት እናቐንጠቡ ምብላዕ ጀመሩ።

24ፈሪሳውያን ከዓ “እስኪ ረአ! ደቀ መዛሙርትኻ ስለ ምንታይ ብሰንበት ክግበር ዘይተፈቕደ ይገብሩ ኣለዉ?” በልዎ።

25ኢየሱስ ድማ “ብዘመን ሊቀ ካህናት ኣብያታር፥ ዳዊት ምስ ሰኣነን ምስ ጠመየን፥ ንሱ ምስቶም ምስኡ ዝነበሩ ኾይኑ፥ እንታይ ድዩ ዝገበረ? ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣትዩ፥ እቲ ካህናት ጥራሕ እምበር ካልኦት ክበልዕዎ ዘይተፈቐደ ሕብስቲ ቝርባን ከም ዝበልዐን፥ ነቶም ምስኡ ዝነበሩውን ከም ዝሃቦምንዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም?” በሎም።

27“ሰንበት እያ ምእንቲ ሰብ ዝተፈጥረት እምበር፥ ሰብ ምእንቲ ሰንበት ኣይተፈጥረን።

28እምበኣርከስ ወዲ ሰብ፥ ጐይታ ሰንበትውን እዩ” በሎም።

ትርጓሜ

2:1-12 ናይዚ ሰብኣይዚ መከራ ክሳብ ክንድኡ ክጽወር ዘድለዮ ምዃኑ፡ መከራ ዝመልኦ ናይ ሰብ ህይወት ኩነታት የርኢ። እቶም ከምኡ ዝጾርዎ ድማ ብልግሲ እዮም ዝገበሩ፡ እዚ ኸኣ ሓድሓድ ምጽጋዕ ዘድለዮም ደቂ ሰብ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ሽግር ዘለዉ ብጾቶም ክህልዎም ዝግብኦ ምሕረት የምህር። ሓቀኛ እምነትን ጽንዕቲ እምነትን ብብዙሕ መንገዲ ክዓይያ ይኽእላ እየን፣ ግናኸ ብየሱስ ክርስቶስ ክቕበልን ክፍቀድን እዩ። ሓጢኣት ናይ ኩሉ ስቓይናን ሕማምናን ምኽንያት እዩ። ነቲ ውጽኢት ናይ ምእላይ መንገዲ ድማ ነቲ ምኽንያት ምውጋድ እዩ። ይቕረ ምባል ሓጢኣት ነቲ መሰረት ኩሉ ሕማማት የጥቅዕ። ክርስቶስ ነቲ ብልምጽ ዝሓመመ ሰብኣይ ብምሕዋይ፡ ሓጢኣት ንምምሓር ዘለዎ ስልጣን ኣረጋገጸ። ምሕዋይ ሕማማቱ ድማ ንሓጢኣት ይቕረ ምባል ዘርኢ ምልክት ነበረ፡ ከመይሲ ሓጢኣት ሕማም ነፍሲ እዩ እሞ፡ ይቕረ ምስ ተባህለሉ ይሓዊ። ክርስቶስ ንነፍሳት ብምሕዋይ እንታይ ከም ዝገብር ክንርኢ ከሎና፡ ከምኡ ዝበለ ከም ዘይረኣና ክንኣምን ኣሎና። ብዙሓት ሰባት ንርእሶም ጥዑያት ገይሮም ስለ ዝሓስቡ፡ ሓኪም ኣየድልየናን ኢሎም ይሓስቡ፡ ስለዚ ድማ ንክርስቶስን ወንጌሉን ይንዕቁ ወይ ይነጽጉ። ግናኸ እቲ ዝተረጋገጸ፡ ዝተዋረደ ሓጥእ፡ ካብ መድሓኒ ወጻኢ ካብ ኩሉ ሓገዝ ተስፋ ዝቖረጸ፡ ብዘይ ገለ ምድንጓይ ናብኡ ብምቕራብ ንእምነቱ ከርኢ እዩ።

2:13-17

ማቴዎስ ግብሩ ቅኑዕ ኣይነበረን፣ እንተዘይኮይኑስ፡ ኣይሁዳዊ እናሃለወ፡ ንሮማውያን ቀረጽ ዝእክብ ቀራጺ ኣይምኾነን ነይሩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6