ወንጌል ማርቆስ 12

BCV aksumትግርኛ42 ፍቕድታት7:11 ስማዕ
ስማዕ 7:11 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኢየሱስ ብምስላ ኽነግሮም ጀመረ፤ “ሓደ ሰብኣይ ወይኒ ተኸለ፤ ሓፁር ሓፀሮ፤ መፅመቚውን ኰዓተሉ፤ መሐለዊ መንደቕውን ሰርሐሉ፤ ንሓረስቶት ድማ ብብላዕ ሂብዎም፥ ናብ ካልእ ዓዲ ኸደ።

2ጊዜ ፍርያት ምስ በፅሐ፥ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኸምፅአሉ፥ ናብቶም ሓረስቶት ኣገልጋሊኡ ለኣኸ።

3ንሳቶም ግና ሒዞም ገረፍዎ፤ ጥራሕ ኢዱውን ሰደድዎ።

4መሊሱ ኻልእ ኣገልጋሊኡ ናብኣቶም ለኣኸ፤ ንእኡውን ብእምኒ ቐጥቂጦም ኣቝሲሎም፥ ኣዋሪዶም ሰደድዎ።

5ከምኡውን ሳልሳይ ካልእ ኣገልጋሊ ለኣኸ፤ ንእኡውን ቀተልዎ። ብዙሓት ካልኦት ከዓ ለኣኸ፤ ንገሊኣቶም ገረፍዎም፤ ንገሊኣቶም ድማ ቐተልዎም።

6ይኹን እምበር ሓደ ዝፈትዎ ወዲ ነበሮ፤ ኣብ መወዳእታ ኸዓ ‘ንወደይስ ይሓፍርዎ ግዲ ይኾኑ’ ኢሉ ናብኣቶም ለኣኾ።

7እቶም ሓረስቶት ግና፥(ሀ) ‘እዙይ እቲ ወራሲኡ እዩ፤ ንዑ ንቕተሎ እሞ፥ እቲ ርስቱ ንኣና ክኸውን’ ተበሃሃሉ።

8ሒዞም ድማ ቐተልዎ፤ ካብቲ ኣታክልቲ ወይኒ ኸዓ፥(ለ) ናብ ወፃኢ ደርበይዎ።

9እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ፥ እንታይ ኮን ክገብር እዩ? መፂኡ ነቶም ሓረስቶት ይቐትሎም፤ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኑ ኸዓ፥ ንኻልኦት ይህቦ።

10‘እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፥ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ፤ እዙይ ካብ እግዚኣብሄር እዩ፤ ነዒንትናውን ዘደንቕ እዩ’ ዝብል ፅሑፍዶ ኣየንበብኩምን?” በሎም።

12መራሕቲ ኣይሁድ ግና፥ ነዝ ምስላ እዙይ ብዛዕባኣቶም ከም ዝተዛረቦ ፈሊጦም ነበሩ እሞ፥ ክሕዝዎ ደለዩ፤ ነቶም ህዝቢ ፈሪሖም ግና፥ ሓዲጎምዎ ኸዱ።

13ብዘረባኡ ኸጋግይዎ ኢሎም ከዓ፥ ካብ ፈሪሳውያንን ሰባት ሄሮድስ ካብ ዝኾኑን ናብኡ ለኣኹ።

14ናብኡ መፂኦም ድማ “መምህር፥ ሓቀኛ ኸም ዝኾንካ ንሓደኳ ኸም ዘይትፈርሕ፥ ገፅ ሰብ ርኢኻ ኸም ዘይተዳሉ፥ መንገዲ እግዚኣብሄርውን ብሓቂ ኸም እትምህር ንፈልጥ ኢና። ንቄሳር ግብሪ ምኽፋል ይግባእ ድዩ? ወይ ኣይግባእን? ንኽፈልዶ ኣይንኽፈል?” በልዎ።

15ኢየሱስ ድማ ግብዝናኦም ፈሊጡ፥ “ስለ ምንታይ ትፍትኑኒ ኣለኹም? እስኪ ነቲ ዲናር ክሪኦ ኣምፅኡለይ” በሎም።

16ንሳቶም ድማ ኣምፅኡሉ፤ ንሱ ኸዓ “እዙይ መልክዑን ፅሕፈቱን ናይ መን እዩ?” በሎም። ንሳቶም ድማ “ናይ ቄሳር” በልዎ።

17ኢየሱስ ከዓ “እምበኣር እቲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፥ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ከዓ ንእግዚኣብሄር ሃቡ” ኢሉ መለሰሎም። ብእኡ ድማ ተደነቑ።

18ትንሳኤ ሙታን የለን ዝብሉ ሰዱቃውያን ከዓ ናብኡ መፁ፤

19“መምህር፥ ሙሴ ‘ሓደ ሰብ ውሉድ እንተይወለደ ሰበይቱ ሓዲጉ እንተ ሞተ፥ ነታ ሰበይቱ እቲ ሓዉ ይውረሳ እሞ፥ ንሓዉ ዘርኢ የቑመሉ’ ኢሉ ፅሒፉልና ኣሎ።

20ኣባና ሸውዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ቐዳማይ ሰበይቲ ኣእተወ፤ ውሉድ እንተይሓደገ ሞተ።

21እቲ ኻልኣይ ድማ ኣእተዋ፤ ውሉድ እንተይሓደገውን ሞተ፤ እቲ ሳልሳይውን ከምኡ።

22ሸውዓቲኦም ኣእትዮምዋ ውሉድ ኣይሓደጉን፤ ድሕሪ ዅሎም ድማ፥ እታ ሰበይቲ ሞተት።

23ሸውዓቲኦም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፥ ብትንሳኤ ምዉታን፥ ሰበይቲ ኣየንኦም እያ ኽትከውን?” ኢሎም ጠየቕዎ።

24ኢየሱስ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “መፃሕፍትን ሓይሊ እግዚኣብሄርን ብዘይ ምፍላጥኩምዶ ኣይኮነን ትጋገዩ ዘለኹም?

25ምዉታን ምስ ተስኡስ፥ ከምቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ መላእኽቲ እግዚኣብሄር እዮም ዝኾኑ እምበር፥ ኣየውስቡን፤ ኣይዋሰቡን እዮም።

26ምዉታን ከም ዝትስኡስ፥ ንሙሴውን እግዚኣብሄር ኣብቲ ቘጥቋጥ፥ ‘ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ እየ’ ኸም ዝበሎ ኣየንበብኩምንዶ?

27እምበኣር ንሱ ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፥ ኣምላኽ ምዉታን ኣይኮነን፤ ንስኻትኩም ግና ብዙሕ ትጋገዩ ኣለኹም” ኢሉ መለሰሎም።

28ካብቶም መምህራን ሕጊ ሓደ፥ ከም ዝተኸራኸርዎሞ፥ ፅቡቕ ከም ዝመለሰሎም ሰሚዑ፥ ናብኡ ቐረበ። “ካብ ኵለን ትእዛዛት ዝዓበየት ኣየነይቲ እያ?” ኢሉ ጠየቖ።

29ኢየሱስ ከዓ “እታ ዝዓበየት ትእዛዝ እዚኣ እያ፤ ‘ኦ እስራኤል፥ ስማዕ! እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ።

30ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን፥ ብምሉእ ነፍስኻን፥ ብምሉእ ሓሳብካን፥ ብምሉእ ሓይልኻን ኣፍቅሮ።’

31እታ ንኣኣ እትመስል ካልአይቲ ድማ፥ ‘ንብፃይካ ኸም ንባዕልኻ ጌርካ ኣፍቅር’ እትብል እያ። ካብዘን ትእዛዛት እዚኣተን ዝዓቢ ትእዛዝ የለን” ኢሉ መለሰሉ።

32እቲ መምህር ሕጊ ኸዓ “መምህር፥ ፅቡቕ ተዛሪብካ፤ ብሓቂ እግዚኣብሄር ሓደ እዩ፤ ብዘይ ንሱ ድማ ኻልእ የለን።

33‘ብምሉእ ልብኻን፥ [ብምሉእ ነፍስኻን] ብምሉእ ኣእምሮኻን፥ ብምሉእ ሓይልኻን ምፍቃር፤ ንብፃይካውን ከም ነፍስኻ ምፍቃር’ እዙይ ካብ ኵሉ ዝቃፀል መስዋእትን፥ ካብ ኵሉ ኻልእ መስዋእትን ይበልፅ እዩ” በሎ።

34ኢየሱስ ድማ ብምስትውዓል ከም ዝመለሰ ምስ ረአየ፥ “ንስኻስ ካብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ርሑቕ ኣይኮንካን” በሎ። ብድሕሪኡ ሓደኳ ኽጥይቖ ኣይደፈረን።

35ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሃሮም እንተሎ “መምህራን ሕጊ ኸመይ ኢሎም እዮም ‘ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ’ ዝብሉ?

36ዳዊት ባዕሉ ብመንፈስ ቅዱስ፥ ‘ጐይታ ንጐይታይ፥ ንፀላእትኻ ኣብ ትሕቲ መርገፂ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፥ ኣብ የማነይ ተቐመጥ’ በሎ፤ ይብል።

37ዳዊት ባዕሉ ‘ጐይታ’ ኻብ በሎ፥ ከመይ ኢሉ ደኣ ወዱ ይኸውን?” በለ። እቶም ብዙሓት ሰባት ድማ፥ ብታሕጓስ ይሰምዕዎ ነበሩ።

38እናመሃሮም እንተሎ ኸዓ “ካብቶም ነዊሕ ቀሚሽ ተኸዲኖም ዝዞሩን፥ ኣብ ዕዳጋውን ብኽብሪ፥ ኢድ ክነስኡሎም ዝደልዩ፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድውን ዝለዓለ መንበር፥ ኣብ ማእዲ ዝኸበረ ስፍራ ኻብ ዝደልዩ፥ መምህራን ሕጊ ተጠንቀቑ!

40ንሳቶም ኣባይቲ መበለታት ዝብዝብዙ፥ ከምስሉ ድማ ኣንዊሖም ዝፅልዩ እዮም እሞ፤ እዚኣቶም ዝገደደ ፍርዲ ኽቕበሉ እዮም” በሎም።

41ኢየሱስ ኣብ መንፅር ሙዳየ ምፅዋት፥ ተቐሚጡ፥ እቶም ሰባት ኣብቲ ሙዳየ ምፅዋት ከመይ ገይሮም ገንዘብ ከም ዘእትዉ ይርኢ ነበረ። ብዙሓት ሃብታማት ከዓ ብዙሕ የእትዉ ነበሩ።

42ሓንቲ ድኻ መበለት ድማ፥ መፂኣ ኽልተ ሳንቲም ዝኣክል ቆድራንቴን ኣእተወት።

43ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ፀዊዑ “ካብዞም ናብዝ ሙዳየ ምፅዋት ዘእተዉ ዅሎም፥ እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ዝበዝሕ ከም ዘእተወት ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።

44ኵሎም እዚኣቶም ካብ ተረፎም እዮም ዘእተዉ፤ እዚኣ ግና ስእንቲ እንተላ፥ እታ ዘለታ ጥሪታ እያ ዝሃበት” በሎም።

ትርጓሜ

12:1-12 ክርስቶስ ብምሳሌታት፡ ንኣይሁዳዊት ቤተክርስትያን ከወግዳ ምዃኑ ኣርኣየ። እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ኩሉ ዘመናት፡ ካብቶም መሰላት ቤተክርስትያን ዝረኸቡ ግናኸ ንርእሶም ዝግባእ ፍረ ዘየምጽኡ ሰባት ክንደይ ገሃዳዊ ምሕዋስ ከም ዝረኸቡ ምሕሳቡ ዘሕዝን እዩ። ኣብ መወዳእታ ኣምላኽ ንወዱ፡ ንፍቑሩ ወዲኡ ለኣኸ፤ እቲ ጐይታኦም ዘፍቀሮ ስለ ዝኾነ፡ ንሳቶም ድማ ከኽብርዎን ከፍቅርዎን ከም ዝግባእ ትጽቢት ይግበር ነይሩ፤ ግናኸ ወዲን ወራሲን ስለ ዝነበረ ክብሪ ኣብ ክንዲ ዝህብዎ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ጸልእዎ። ግናኸ ምዕባይ ክርስቶስ ግብሪ እግዚኣብሔር እዩ፤ ንዕኡ ኣብ ልብና ምዕባይን፡ ኣብኡ ድማ ዝፋኑ ምትካልን ግብሪ እግዚኣብሔር እዩ፤ እዚ እንተ ተፈጺሙ ድማ፡ ኣብ ኣዒንትና ዘደንቕ ክኸውን እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት፡ እሙናት ሰበኽቲ፡ ከምኡውን ምምጻእ ክርስቶስ ኣብ ስጋኡ፡ ኣብ ህይወትና ንኣምላኽ ዝግባእ ምስጋና ንኽንህብ ይዕድመና። ሓጥኣን ካብ ትዕቢተኛን ስጋዊ መንፈስን ይጠንቀቑ፤ ነቶም ሰበኽቲ ክርስቶስ እንተ ረጊሞም ወይ እንተ ንዕቑ፡ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እንተ ዝነበሩ ኖሮም፡ ንጐይታኦም እውን ከምኡ ምገበሩ ነይሮም።

12:13-17 ጸላእቲ ክርስቶስ ግቡኦም ኪፈልጡ ዝደልዩ ይመስሉ ነበሩ፣ ግናኸ ንሱ ካብቲ ሕቶ ዝዀነ ይኹን ወገን እንተ ሓዘ ኪኸስስዎ ምኽንያት ኪረኽቡ ኢሎም ዝሓሰቡ ነበሩ። ንሰዓብቲ ክርስቶስ ካብቲ ኣብ ዓለማዊ ፖለቲካዊ ምኩሓት ከእትውዎም ዝግበር ፈተነ ዝያዳ ሓንጋሚ ዝዀነ ነገር የልቦን። የሱስ ድሮ ከም ህዝቢ ዝገበሩዎ ምግዛእ ብምጥቃስ ነቲ መጻወድያ ተገላገለ። ንሳቶም ዝሰምዕዎ ዅሎም ድማ ብዓብዪ ጥበብ መልሱ ኣምሰጡ። ብዙሓት ንቓላት ስብከት ኬውድሱ እዮም፣ ግናኸ ብትምህርቱ ዘይእዘዙ።

12:18-27 ቅኑዕ ናይ ቅዱስ ጽሑፋት ፍልጠት፡ ከምቲ ኵሉ እተገልጸ ሃይማኖት ሕጂ ዚወሓዘሉ ምንጪን እተሰረተሉ መሰረትን ኮይኑ፡ ንስሕተት ዝበለጸ መከላኸሊ እዩ። ክርስቶስ ነቲ ብእዋኖም ዜላግጹ ዘይኣመንቲ ዝነበሩ ሳዱቃውያን ዝቐረቦም ምጕት፡ ነቲ ትምህርቲ ናይቲ ናይ መጻኢ ኩነታት ብቕኑዕ ብምግላጽ ኣወግዶ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በምሳሌም ይነግራቸው ጀመር፦ “አንድ ሰው የወይን አትክልት ተከለ፥ ቅጥርም ቀጠረለት፥ መጥመቂያም ማሰለት፥ ግንብም ሠራና ለገበሬዎች አከራይቶ ወደ ሌላ አገር ሄደ። አማርኛ ENGNIV He then began to speak to them in parables: “A man planted a vineyard. He put a wall around it, dug a pit for the winep… English BCV ኢየሱስ ብምስላ ኽነግሮም ጀመረ፤ “ሓደ ሰብኣይ ወይኒ ተኸለ፤ ሓፁር ሓፀሮ፤ መፅመቚውን ኰዓተሉ፤ መሐለዊ መንደቕውን ሰርሐሉ፤ ንሓረስቶት ድማ ብብላዕ ሂብዎም፥ ናብ ካልእ ዓዲ ኸደ። ትግርኛ GAZBIB Yesus fakkeenyaan isaanitti dubbachuutti ka'e; ?Namni tokko mukeetii waynii baay'ee lafa isaa irra dhaabe. Naannoo isaa… Afaan Oromoo BCV GIZ ወአኀዘ ይመስል ሎሙ ወይቤሎሙ፦ “ብእሲ ተከለ ወይነ ወፀቈኖ ወአክረየ ምክያደ ወሐነጸ ማኅፈደ ውስቴቱ ወሤመ ሎቱ ገባረ ወዐቀብተ ወይን ወነገደ። giz GAZGAZ Yesus fakkeenyaan isaanitti dubbachuutti ka'e; ?Namni tokko mukeetii waynii baay'ee lafa isaa irra dhaabe. Naannoo isaa… Afaan Oromoo AMHNIV ከዚያም እንዲህ እያለ በምሳሌ ይነግራቸው ጀመር፤ “አንድ ሰው ወይን ተከለ፤ ዙሪያውን ዐጠረ፤ ለመጭመቂያው ጒድጓድ ቈፈረ፤ የመጠበቂያም ማማ ሠራለት፤ ከዚያም ለገበሬዎች አከራይቶ ወደ ሌላ አ… አማርኛ SWAHSUV Akaanza kusema nao kwa mifano; Mtu mmoja alipanda shamba la mizabibu, akazungusha ugo, akachimba shimo la shinikizo, ak… Kiswahili