ትንቢት ሚክያስ 4

BCVትግርኛ13 ፍቕድታት3:19 ስማዕ
ስማዕ 3:19 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1በቲ ዳሕረዋይ ዘመን፥ እቲ እምባ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ርእሲ እምባታት ፀኒዑ ኽቐውም እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ዀረብታታትውን ልዕል ልዕል ክብል እዩ፤ ህዝብታት ድማ ናብኡ ኽውሕዙ እዮም።

2ሕጊ ኻብ ፅዮን፥ ቃል እግዚኣብሄር ድማ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ክወፅእ እዩ እሞ፥ ብዙሓት ህዝብታት ክኸዱ፥ “ንዑናይ ናብ እምባ እግዚኣብሄርን፥ ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብን ንደይብ፥ ንሱ ኸዓ መንገድታቱ ኽምህረና እዩ፤ ንሕናውን ብመንገድታቱ ኽንኸይድ ኢና” ኽብሉ እዮም።

3ንሱ ኣብ መንጎ ብዙሓት ህዝብታት ክፈርድ እዩ፤ ኣብ ርሑቕ ኣብ ዘለዉ ብርቱዓት ኣህዛብውን ክብይን እዩ፤ ንሳቶም ከዓ ኣስይፍቶም ንማሕረሻ፥ ኲናውቶም ድማ ንማዕፂድ ክገብርዎ እዮም፤ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዂናት ኣየልዕልን፤ ደጊምውን ውግእ ኣይመሃሩን እዮም።

4ኣፍ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ተናጊሩ ኣሎሞ፥ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን፥ ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ክቕመጥ እዩ፤ ዘፍርሖውን የለን።

5ኵሎም ኣህዛብ ብስም ኣማልኽቶም ክመላለሱ እዮም፤ ንሕናውን ብስም ኣምላኽና እግዚኣብሄር፥ ንዘለኣለም ክንመላለስ ኢና።

6እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ነታ ሓንካስ ክእክባ እየ፤ ነታ ዝተሰጐጐትን ነታ ኣነ ዘጨነቕክዋን ክእክባ እየ።

7ነታ ሓንካስ ንተረፍ ነታ ናብ ርሑቕ ዝተሰጐት ከዓ ብርቱዕ ህዝቢ ኽገብራ እየ፤ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ፥ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ኣብ እምባ ፅዮን፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ክነግስ እዩ።”

8ኣታ ግንቢ መጓሰ፥ እታ እምባ ጓል ፅዮን፥ ናባኻ ኽትመፅእ እያ፤ እታ ናይ ቀደም ግዝኣት፥ መንግስቲ ጓል ኢየሩሳሌም ክትመፅእ እያ።

9ስለ ምንታይ ደኣ ዓው ኢልኪ እተእውዪ? ስለ ምንታይከ ሕርሳ ኸም ዝበፅሐ ሰበይቲ ቅልውላው ዝሕዘኪ? ንጉስ ስለ ዘየብልክን መማኽርትኺ ኸዓ ስለ ዝጠፍኡን ድዩ?

10ኣቲ ጓል ፅዮን፥ ሕርሲ ኸም ዝሓዛ ሰበይቲ ኣቕለልዊን ሕረስን፤ ሕዝስ ካብ ከተማ ወፂእኺ ኣብ ሜዳ ኽትቅመጢ ኢኺ፤ ናብ ባቢሎንውን ክትበፅሒ ኢኺ፤ ኣብኡ እግዚኣብሄር ካብ ፀላእትኺ ኽቤዘወኪ እዩ።

11ሕዚ ግና ብዙሓት ኣህዛብ፥ ኣብ ልዕሌኺ ተኣኪቦም፥ “ትርከስ፤ ኣዒንትናውን ንፅዮን ይጠምታ” ይብሉ።

12ንሳቶም ግና ሓሳብ እግዚኣብሄር ኣይፈልጡን እዮም፤ ንምኽሩውን ኣየስተውዕሉን፤ ንሱስ ከም እንዳእቲ ናብ ዓውዲ ኣኪብዎም እዩሞ።

13ኣቲ ጓል ፅዮን ተልዒልኪ ኣኺዲ፤ ንቐርኒኺ ሓፂን፥ ንሸዀናኺ ነሃስ ክገብሮ እየሞ፥ ንብዙሓት ኣህዛብ ክትሰባብሪ ኢኺ፤ ኣነውን ነቲ ዝዘመትዎ ንእግዚኣብሄር፥ ሃብታቶምውን ንጐይታ ዅላ ምድሪ ኽቕድሶ እየ።

ትርጓሜ

4:1-8 ህዝብታት ገና ነቲ ንጉስ ሰላም፣ ሰይፎም ናብ ማረሻ ዚወቅዑሉ ክሳዕ ዚኸውን ብኸምኡ ዝበለ ምሉእ ምትእትትና ኣይገበሩሉን እዮም፣ ኲናት እውን ኣይተቋርጸን። እንተኾነ ግን፣ እዚኦም ብዛዕባ ቤተክርስትያን ወንጌል ዝምልከቱ ኣዝዮም ክቡራት ተስፋታት እዮም፣ እዞም ተስፋታት እዚኦም ድማ ብዝያዳን ብዝያዳን ኪፍጸሙ እዮም፣ ከመይሲ እቲ ዝተስፋ ዝሃበ እሙን እዩ። ኣብ ዓለም፣ ብዘመን ዳሕሮት፣ ብዘመን መሲሕ፣ ንኣምላኽ ክብሪ ዝኾነት ቤተክርስትያን ክትምስረት እያ። ክርስቶስ ባዕሉ ኣብ ከውሒ ኪሃንጻ እዩ። ኣህዛብ ነቶም ጣዖት ኣማልኽቶም የምልኹ ነበሩ። ግናኸ ብእተዛረበሉ ዘመን እቲ ህዝቢ ብምሉእ ልቢ ናብ እግዚኣብሔር ኪጠብቅ እዩ፣ ኣብ ምግባር ፍቓዱ ኸኣ ባህ ኪብሎም እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በመጨረሻውም ዘመን የእግዚአብሔር ቤት ተራራ በተራሮች ራስ ላይ ጸንቶ ይቆማል፥ ከኮረብቶችም በላይ ከፍ ከፍ ይላል፤ አሕዛብም ወደ እርሱ ይጐርፋሉ። አማርኛ ENGNIV In the last days the mountain of the Lord's temple will be established as chief among the mountains; it will be raised … English GAZBIB Bara booddeetti tulluun manni Waaqayyoo irra jiru, tulloota hundumaa keessaa akka isa caaluutti jabaatee in dhaabata; g… Afaan Oromoo BCV GIZ ወይከውን በደኃሪ መዋዕል ያስቲርኢ ደብረ እግዚአብሔር ድልወ ውስተ አርእስተ አድባር ወይትሌዐል መልዕልተ አውግር፤ ወይረውጹ ኀቤሁ ብዙኃን አሕዛብ። giz GAZGAZ Bara booddeetti tulluun manni Waaqayyoo irra jiru, tulloota hundumaa keessaa akka isa caaluutti jabaatee in dhaabata; g… Afaan Oromoo BCV aksum በቲ ዳሕረዋይ ዘመን፥ እቲ እምባ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ርእሲ እምባታት ፀኒዑ ኽቐውም እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ዀረብታታትውን ልዕል ልዕል ክብል እዩ፤ ህዝብታት ድማ ናብኡ ኽውሕዙ እዮም። ትግርኛ AMHNIV በመጨረሻው ዘመን፣ የእግዚአብሔር ቤተ መቅደስ ተራራ፣ ከተራሮች ልቆ ይታያል፤ ከኰረብቶች በላይ ከፍ ይላል፤ ሕዝቦችም ወደ እርሱ ይጐርፋሉ። አማርኛ SWAHSUV Lakini itakuwa katika siku za mwisho, ya kwamba mlima wa nyumba ya Bwana utawekwa imara juu ya milima, nao utainuliwa j… Kiswahili