ትንቢት ሚክያስ 3

BCVትግርኛ12 ፍቕድታት2:37 ስማዕ
ስማዕ 2:37 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣነውን ከምዙይ በልኩ፤ ኣቱም ኣሕሉቕ ያእቆብን፥ መሳፍንቲ ቤት እስራኤልን ስምዑ፤ ስለ ፍትሒ ምፍላጥዶ ኣይግብአኩምን?

2ንስኻትኩም ግና ሰናይ እትፀልኡን፥ ክፉእ ከዓ እትፈትዉን ሰባት ኢኹም። ንህዝበይ ቈርበቶም ቀሊጥኩም፥ ንስጋኦም ካብ ኣዕፅምቶም ፈላለኹምዎ።

3ንህዝበይ ስጋኦም በሊዕኹም ቈርበቶም ቀሊጥኩም፥ ኣዕፅምቶም ሰባቢርኩም፥ ከምቲ ናብ ድስቲ ዝኣቱ ስጋ ቘራሪፅኩምዎም።

4ሽዑ ናብ እግዚኣብሄር ከእውዩ እዮም፤ ንሱ ግና ኣይሰምዖምን፤ በቲ ጊዜ እቱይ፥ ክፉእ ስለ ዝገበሩ ገፁ ኻባኣቶም ክስውር እዩ።

5እግዚኣብሄር ንህዝበይ ብዛዕባ ዘስሕቱ ነቢያት በስናኖም እናተናኸሱ ሰላም ዝእውጁ፥ ነቲ ናብ ኣፎም ዝኾነ ዘይህቦም ድማ፥ ውግእ ዝእውጁ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦

6“ስለዙይ ዝረአኹምዎ ራእይ፥ ለይቲ፥ ጥንቈላኹም ድማ ፀልማት ክኾነኩም እዩ፤ ፀሓይውን ኣብ ልዕሊ ነቢያት ክትዓርብ እያ፤ መዓልቱውን ክፅልምቶም እዩ።

7እቶም ራእይ ዝሪኡ ኽንውሩ፥ እቶም ትንቢት ዝዛረቡ ኸዓ ኽሓንኩ እዮም። እግዚኣብሄር ስለ ዘይምልሰሎም፥ ኵላቶም ብሕፍረት ከንፈሮም ክኸድኑ እዮም።”

8ኣነ ግና ንያእቆብ በደሉ፥ ንእስራኤል ከዓ ሓጢኣቱ ኽነግር፥ ብመንፈስ እግዚኣብሄር፥ ሓይልን ፍርድን ትብዓትን ተመሊአ ኣለኹ።

9ኣቱም ፍትሒ እትንዕቑ፥ ቅኑዕ ንዝኾነ እትጠውዩ፥ መራሕቲ ቤት ያእቆብን ገዛእቲ ቤት እስራኤልን፥ በይዛኻትኩም እዙይ ስምዑ።

10ኣሕሉቓ ንፅዮን ብደም፥ ንኢየሩሳሌም ድማ ብኽፍኣት እትሃንፁ ስምዑ።

11ኣሕሉቓ ብጉቦ ይፈርዱ፤ ካህናታ ብዋጋ ይምህሩ፤ ነቢያታ ብገንዘብ ይጥንቍሉ፤ ምስ ናይ እዙይ ከዓ “እግዚኣብሄርዶ ኣብ ማእኸልና ኣይኮነን? መዓት ኣይወርደናን እዩ” እናበሉ፥ ብእግዚኣብሄር ይእመኑ።

12ስለዙይ ብሰንክኹም ፅዮን ከም ግራት ክትሕረስ፥ ኢየሩሳሌም ከዓ ዅምራ ኣእማን ክትከውን፥ ኰረብታ እታ ቤትውን ኰረብታ ዱር ክትከውን እያ።

ትርጓሜ

3:1-8 ሰባት ክፉእ እናገበሩ ደሓን ክኸዱ ኣይክጽበዩን ይግባእ፤ እኳ ድኣ ነቲ ንኻልኦት ዝገበርዎ ባዕላቶም ክረኽብዎ እዮም። ክንደይ ብቕሩብ ኢዩስ እቲ ጥዑይ ሓቂ ናብ እዝኒ እቶም ኣብ ላዕለዋይ ስፍራ ወይ ስልጣን ዘለዉ ሰባት ዝበጽሕ! ነቶም ካልኦት ዘታልሉ ሰባት ንገጾም ነውሪ የዳልዉ ኣለዉ። እቲ ነብዪ ንኣምላኽን ንነፍሳት ሰባትን ብርቱዕ ፍቕሪ ነበሮ፤ ንኽብሪ ኣምላኽን ንምድሓን ሰባትን ዓሚቚ ሓልዮት ከምኡ'ውን ንሓጢኣት ጽኑዕ ቅንኢ ነበሮ። እቲ ዘጋጠሞ ጸገማት ካብ ዕዮኡ ኣየግለቶን። ንሱ ነዚ ሓይሊ እዚ ነበሮ፤ እዚ ድማ ካብ ባዕሉ ዝመጸ ኣይነበረን፣ ግናኸ ብመንፈስ እግዚኣብሔር ሓይሊ ተባዕተወ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6