1ካብቲ እምባ ኽወርድ እንተሎ፥ ብዙሓት ሰባት ተኸተልዎ።
2እንሆ ኸዓ ሓደ ለምፃም(ሀ) ቀሪቡ፥ “ጐይታይ! እንተ ፈቒድካስ፥ ክተንፅሀኒ ትኽእል ኢኻ” እናበለ ሰገደሉ።
3ኢየሱስ ከዓ ኢዱ ዘርጊሑ ዳህሰሶ፤ “ፍቓደይ እዩ፤ ንፃህ!” ድማ በሎ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ፥ ካብ ለምፁ ነፅሀ።
4ኢየሱስ ድማ “ንሓደ እኳ ኸይትነግር ተጠንቀቕ! ግና ኼድካ ርእስኻ ንካህን ኣርኢ፤ ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኾኖምውን ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ!” በሎ።
5ኢየሱስ ናብ ቅፍርናሆም ምስ ኣተወ፥ ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ናብኡ ቐሪቡ፥ “ጐይታይ! ወደይ መፃጕዕ ኾይኑ፥ ኣብ ገዛ ደቂሱ የመና ይሳቐ ኣሎ” እናበለ ለመኖ።
7ኢየሱስ ድማ፥ “መፂአ ኸሕውዮ እየ” በሎ።
8እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኸዓ “ጐይታይ! ናብ ገዛይ ክትኣቱ ኣይግብአንን፤ ግና ብቓልካ ኣዝዝ፤ ወደይ ድማ ኽሓዊ እዩ።
9ኣነ እኳ ሹም እየ፤(ለ) ኣብ ትሕተይ ዝእዝዞም ወታደራት ኣለዉኒ፤ ነዙይ ‘ኪድ’ እብሎ፥ ይኸይድ፤ ነቱይ ከዓ ‘ነዓ’ እብሎ፥ ይመፅእ፤ ንሓሽከረይ ድማ ‘ከምዙይ ግበር’ እንተ በልክዎ፥ ይገብር” በሎ።
10ኢየሱስ ነዙይ ሰሚዑ ተደነቐ፤ ምልስ ኢሉ ድማ ነቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ፦ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ክንድዙይ ዝኣክል እምነት ዘለዎ፥ ኣብ እስራኤል እኳ ኣይረኸብኩን።
11ብዙሓት ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ክመፁ እዮም፤ ኣብ መንግስተ ሰማያት ምስ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብንውን ክቕመጡ እዮም።
12ደቂ መንግስቲ ግና፥ ናብቲ ኣብ ወፃኢ ዘሎ ፀልማት ክድርበዩ እዮም፤ ኣብኡ ድማ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ” በሎም።
13ሽዑ ኢየሱስ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ “ኪድ፥ ከም እምነትካ ይኹነልካ” በሎ። እቲ ወዱ ኸዓ በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየ።(ሐ)
14ኢየሱስ ናብ እንዳ ጴጥሮስ ምስ ኣተወ፥ ንሓማት ጴጥሮስ ብረስኒ ተትሒዛ ደቂሳ ረኸባ።
15ኢዳ ምስ ዳህሰሳ ግና ረስና ሓደጋ፤ ተሲኣ ድማ ኣገልገለቶም።(መ)
16ምስ መሰየ፥ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ብዙሓት ናብኡ ኣምፅኡ፤ እቲ ብነቢይ ኢሳይያስ፥ “ንሱ ድኻምና ወሰደ፥ ሕማምናውን ፆረ” ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ብቓሉ መናፍስቲ ኣውፅአ፤ ንዅሎም ሕማም ዘለዎም ድማ ኣሕወዮም።
18ኢየሱስ ኣብ ዙርያኡ ብዙሕ ህዝቢ ምስ ረአየ፥ ናብቲ ማዕዶ ባሕሪ ኽሳገሩ ኣዘዘ።
19ሓደ መምህር ሕጊ ናብኡ ቐሪቡ “መምህር፥ ናብ ኵሉ እትኸዶ ክኽተለካ?” በሎ።
20ኢየሱስ ድማ “ንወኻሩ ጕድጓድ ኣለወን፤ ነዕዋፍ ሰማይውን መፅለሊ ኣለወን፤ ወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዘፀግዐሉ እኳ የብሉን” በሎ።
21ሓደ ኻልእ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “ጐይታይ! ንቐደም ክኸይድ እሞ፥ ነቦይ ክቐብር ፍቐደለይ!” በሎ።
22ኢየሱስ ግና “ንስኻስ ተኸተለኒ ደኣ፥ ምውታንስ ንምውታኖም ይቕበርዎም ሕደጎም” በሎ።
23ናብ ጃልባ ምስ ደየበ፥ ደቀ መዛሙርቱ ተኸተልዎ።
24እንሆ ኸዓ እታ ጃልባ ብማዕበል ክሳዕ እትድፈን፥ ኣብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ምንውዋፅ ኮነ፤ ንሱ ግና ደቂሱ ነበረ።
25ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም “ኦ ጐይታ! ኸይንመውት ኣድሕነና!” እናበሉ ኣንቅሕዎ።
26ንሱ ኸዓ፥ “ኣቱም እምነት ዝጐደለኩም! ንምንታይ ትፈርሑ?” በሎም። ሽዑ ተሲኡ ንንፋስን ንባሕርን ገሰፆም እሞ፥ ዓብዪ ህድኣት ኮነ።
27እቶም ሰባት ከዓ፥ “እዝ ንፋስን ባሕርን ዝእዘዝዎስ፥ ከመይ ዝበለ እዩ!” ኢሎም ተገረሙ።
28ኢየሱስ ናብ ማዕዶ ሃገር ጌርጌሴኖን ምስ በፅሐ፥ ሓደ እኳ በታ መንገዲ ምሕላፍ ክሳዕ ዝስእን፥ የመና ኽፉኣት ዝነበሩ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ክልተ ሰባት፥ ካብ መቓብራት ወፂኦም ተራኸብዎ።
29እንሆ ኸዓ “ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሄር! ንስኻ ምሳና እንታይ ኣለካ? ጊዜኡ እንተይበፅሐዶ ኽተሳቕየና ናብዙይ መፂእኻ?” እናበሉ ዓው ኢሎም ኣእወዩ።
30ካብኣቶም ርሕቕ ኢሉ፥ ብዙሕ መጓሰ ሓሰማታት ተዋፊሩ ነበረ።
31እቶም ኣጋንንቲ ድማ “እተውፅአና እንተ ዄንካስ፥ ናብዝ መጓሰ ሓሰማታት ስደደና” ኢሎም ለመንዎ።
32ንሱ ኸዓ፥ “ኪዱ!” በሎም። ወፂኦም ድማ ናብቶም ሓሰማታት ኣተዉ። እንሆ ኸዓ እቶም መጓሰ ሓሰማታት፥ ናብቲ ባሕሪ ፀደፉ፤ ኣብቲ ባሕሪ እውን ጠሊቖም ሞቱ።
33እቶም ጓሶት ግና ሃዲሞም ናብ ከተማ ኣተዉ፤ ኵሉ እቲ ዝኾነን ብዛዕባ እቶም ኣጋንንቲ ሓዲሮምዎም ዝነበሩ ሰባትን ከዓ ኣውረዩ።
34እንሆ ድማ ዅሎም ህዝቢ እታ ኸተማ፥ ንኢየሱስ ክራኸብዎ ወፁ፤ ምስ ረአይዎ ድማ ኻብ ዓዶም ክወፀሎም ለመንዎ።