1“ብትፈርድዎ ፍርዲ ኽፍረደኩም፤ ብትሰፍርዎ መስፈሪውን ክስፈረኩም እዩ እሞ፥ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ።
3ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይረአኻስ፥ ንምንታይ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ መንገፍ እትርኢ?
4ኣብ ዓይንኻ ጕንዲ እንተሎስ፥ ከመይ ጌርካ ንሓውካ ‘ካብ ዓይንኻ መንገፍ ከውፅአልካ’ ትብሎ?
5ኣታ ግብዝ! ቅድም ካብ ዓይንኻ ጕንዲ ኣውፅእ፤ ብድሕሪኡ ኻብ ዓይኒ ሓውካ፥ መንገፍ ንምውፃእ ኣፀቢቕካ ኽትርኢ ኢኻ።
6“ተመሊሶም ከይነኽስኹም፥ ዝተቐደሰ ነገር ነኽላባት ኣይትሃቡ፤ በእጋሮም ከይረግፅዎ ድማ፥ ዕንቍኹም ኣብ ቅድሚ ሓሰማታት ኣይትደርብዩ።”
7“ለምኑ፥ ክወሃበኩም እዩ፤ ድለዩ፥ ክትረኽቡ ኢኹም፤ ማዕፆ ኳሕዅሑ፥ ክኽፈተልኩም እዩ።
8ኵሉ ዝለመነ ይቕበል፤ ዝደለየውን ይረክብ፤ ማዕፆ ንዝዃሕዅሐ ድማ ይኽፈተሉ።
9እንታዋይ ሰብ እዩ፥ ካባኻትኩም ወዱ እንጀራ እንተ ለመኖ፥ እምኒ ዝህቦ?
10ወይ ከዓ ዓሳ እንተ ለመኖ፥ ተመን ዝህቦ?
11እምበኣርከስ ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት እንተለኹም፥ ንደቅኹም ሰናይ ውህብቶ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፥ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኻትኩም ግዳ፥ ንዝለመንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ ሰናይ ነገር ዘይህቦም?
12እምበኣር ሕግን ነቢያትን እዙይ እዩሞ፥ ከምቲ ዅሉ ሰባት ክገብሩልኩም እትደልይዎ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።”
13“በታ ፀባብ በሪ እተዉ፤ እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ በሪ ገፋሕ፥ መንገዳውን ሰፊሕ እዩ እሞ፥ እቶም ናብኣ ዝኣትዉ ብዙሓት እዮም።
14እታ ናብ ህይወት እትወስድ በሪ ግና ፀባብ እያ፤ መንገዳውን ቀጢን እዩ፤ እቶም ዝረኽብዋ(ሀ) ኸዓ ውሑዳት እዮም።”
15“ውሽጣቶም መንጠልቲ ተዃሉ እናሃለዉ፥ ኣባጊዕ መሲሎም ካብ ዝመፁኹም ሓሰውቲ ነቢያት ተጠንቀቑ።
16ብፍረኦም ክትፈልጥዎም ኢኹም፤ ካብ ኣሜከላ ፍረ ወይኒ፥ ወይ ካብ ዳንዴር በለስዶ ይእረ?
17ከምኡ ድማ እቲ ፅቡቕ ኦም፥ ፅቡቕ ፍረ ይፈሪ፤ እቲ ሕማቕ ኦም ከዓ፥ ሕማቕ ፍረ ይፈሪ።
18ፅቡቕ ኦም ሕማቕ ፍረ ኽፈሪ፥ ሕማቕ ኦም ድማ ፅቡቕ ፍረ ኽፈሪ ኣይኽእልን እዩ።
19ዅሉ ፅቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ኦም ይቝረፅ፤ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ።
20እምበኣርከስ ብፍረኦም ክትፈልጥዎም ኢኹም።
21ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዝገብር ደኣ እምበር፥ ኵሉ ጐይታይ! ጐይታይ! ዝብለኒ፥ ናብ መንግስተ ሰማያት ኣይኣቱን እዩ።
22በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት ‘ኦ ጐይታ! ኦ ጐይታ! ብስምካዶ ትንቢት ኣይተናገርናን? ብስምካዶ ኣጋንንቲ ኣየውፃእናን? ብስምካኸ ብዙሕ ተኣምራትዶ ኣይገበርናን?’ ክብሉኒ እዮም።
23ሽዑ ኣነ ‘ኣቱም ገበርቲ ዓመፃ፥ ከቶ ኣይፈልጠኩምን፤ ካባይ ረሓቑ!’ ኽብሎም እየ።”
24“ኵሉ ነዝ ቓለይ ሰሚዑ ዝፍፅም፥ ገዛኡ ኣብ ልዕሊ ኰዅሒ ዝሰርሐ፥ ለባም ሰብ ይመስል።
25ዝናም ዘነመ፥ ወሓይዝ ወሓዙ፥ ንፋሳትውን ነፈሱ፥ ነቲ ገዛ ደፍእዎ፤ ኣብ ኰዅሒ ስለ ዝተመስረተ ግና ኣይወደቐን።
26ዅሉ ነዝ ቓለይ ሰሚዑ ዘይፍፅም ግና፥ ገዛኡ ኣብ ልዕሊ ሑፃ ዝሰርሐ፥ ሰነፍ ሰብ ይመስል።
27ዝናም ዘነመ፥ ወሓይዝ ወሓዙ፥ ንፋሳት ነፈሱ፥ ነቲ ገዛ ደፍእዎ፤ ወደቐውን፥ ኣወዳድቓኡ ድማ ዓብዪ ኾነ።”
28ኢየሱስ ነዝ ነገር እዙይ ምስ ወድአ፥ እቶም ህዝቢ ብትምህርቱ ተደነቑ።
29ከም መምህራን ሕጊ ዘይኮነስ፥ ከም በዓል ስልጣን ይምህሮም ነበረ እሞ።