ወንጌል ማቴዎስ 5

BCVትግርኛ47 ፍቕድታት6:17 ስማዕ
ስማዕ 6:17 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ብዙሕ ህዝቢ ምስ ረአየ፥ ናብ እምባ ደዪቡ ተቐመጠ፤ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብኡ ቐረቡ።

2ከምዙይ እናበለ ድማ ኽምህሮም ጀመረ፦

3“ብመንፈስ ድኻታት ዝኾኑ ብፁኣን እዮም፤ መንግስተ ሰማያት ናታቶም እያ እሞ።

4ዝሓዝኑ ብፁኣን እዮም፤ ምፅንናዕ ክረኽቡ እዮም እሞ።

5የዋሃን ብፁኣን እዮም፤ ንምድሪ ኽወርስዋ እዮም እሞ።

6ንፅድቂ(ሀ) ዝጠምዩን ዝፀምኡን ብፁኣን እዮም፤ ክፀግቡ እዮም እሞ።

7ዝምሕሩ ብፁኣን እዮም፤ ምሕረት ክረኽቡ እዮም እሞ።

8ንፁሃት ልቢ ብፁኣን እዮም፤ ንእግዚኣብሄር ክሪእዎ እዮም እሞ።

9ገበርቲ ሰላም ብፁኣን እዮም፤ ውሉድ እግዚኣብሄር ክበሃሉ እዮም እሞ።

10ምእንቲ ፅድቂ ዝስደዱ ብፁኣን እዮም፤ መንግስተ ሰማያት ናታቶም እያ እሞ።

11“ምእንታይ እንተ ፀረፉኹምን፥ እንተ ኣሳጐጕኹምን፥ ኵሉ ኽፉእውን ብሓሰት እንተ ተዛረቡልኩምን ብፁኣን ኢኹም።

12ነቶም ቅድሜኹም ዝነበሩ ነቢያት ከምኡ ኣሳጒጎምዎም እዮም እሞ፥ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝኾነ ተሓጐሱ፤ ደስውን ይበልኩም።”

13“ንስኻትኩም ናይ ምድሪ ጨው ኢኹም፤ ጨው መቐረቱ እንተ ጠፍአኸ፥ ብምንታይ ይምቅር? ንደገ ተደርቢዩ፥ ብእግሪ ሰብ ክርገፅ እንተ ዘይኮይኑስ ዝጠቕሞ የብሉን።

14“ንስኻትኩም ናይ ዓለም ብርሃን ኢኹም፤ ኣብ እምባ ዘላ ኸተማ፥ ክትስወር ኣይትኽእልን እያ።

15መብራህቲ ኣብ ገዛ ንዘሎ ዅሉ ምእንቲ ኸብርህ፥ ኣብ በሪኽ መቐመጢኡ የንብርዎ እምበር፥ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኣየንብርዎን።

16ከምኡ ኸዓ ነቲ ፅቡቕ ግብርኹም ሪኦም፥ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኻትኩም ምእንቲ ኸመስግንዎ፥ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።

17“ኣነ ንኦሪትን ንነቢያትን ክፍፅሞም ደኣ እምበር፥ ክስዕሮም ዝመፃእኹ ኣይምሰልኩም።

18ሰማይን ምድርን ክሳዕ ዝሓልፍ፥ ኵሉ ሕጊ እውን ክሳዕ ዝፍፀም፥ ካብ ሕጊ የውጣ ወይ ሓንቲ ሕንፃፅ ከም ዘይትሓልፍ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።

19እምበኣርከስ ካብዘን ኣናእሽቲ ትእዛዛት ንሓንቲ ዝጠሓሰ፥ ከምኡውን ንሰብ ዝመሃረ፥ ኣብ መንግስተ ሰማያት ንእሽተይ ክኸውን እዩ። እናፈፀመ ዝምህር ግና፥ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዓብዪ ክኸውን እዩ።

20ፅድቅኹም ካብ ፅድቂ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን የመና እንተ ዘይበሊፁ፥ ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኣይትኣትዉን ኢኹም፥ ኢለ እነግረኩም ኣለኹ።

21“ነቶም ቀዳሞት፥ ‘ዝቐተለ(ለ) ኽፍረዶ እዩ እሞ፥ ኣይትቕተል፥’ ከም ዝተብሃለ ሰሚዕኹም ኣለኹም።

22ኣነ ግና፥ ንሓዉ ብዘይኮነ ዝቝጣዕ(ሐ) ዅሉ ኽፍረዶ እዩ፤ ንሓዉ ጨርቃም ዝብሎ ድማ፥ ኣብ መጋባእያ ኽፍረዶ እዩ፤ ‘ኣታ ዓሻ’ ዝብሎውን፥ ብገሃነመ እሳት ክፍረዶ እዩ፤ እብለኩም ኣለኹ።

23እምበኣርከስ መባእኻ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምፂእኻ፥ ሓውካ ኸዓ ተቐይሙካ ምህላዉ ሽዑ እንተ ዘኪርካ፥

24ነቲ መባእኻ ኣብኡ ኣብቲ ቕድሚ መሰውኢ ሓዲግካ ኺድሞ፥ ኣቐዲምካ ምስቲ ሓውካ ተዓረቕ፤ ደሓር ተመሊስካ መባእኻ ኣቕርብ።

25ምስ መባእስትኻ ድማ፥ ገና ኣብ መንገዲ እንተለኻ ቐልጢፍካ ተዓረቕ፤ እንተ ዘይኮነ እቲ መባእስትኻ፥ ንፈራዲ ኣሕሊፉ ኸይህበካ፥ እቲ ፈራዲ ድማ ናብ ሓሽከሩ ኸየሕልፈካ፥ እቲ ሓሽከሩ ድማ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸየእትወካ።

26እታ ናይ መወዳእታ ሳንቲም ክሳዕ እትኸፍል፥ ካብኣ ኸም ዘይትወፅእ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ።

27“ነቶም ቀዳሞት ‘ኣይትዘሙ’ ኸም ዝተብሃለ ሰሚዕኹም ኣለኹም።

28ኣነ ግና ዅሉ ንሰበይቲ ሪኡ ዝተመነያ፥ ብልቡ ፈፂሙ ኣብኣ ዘመወ እብለኩም ኣለኹ።

29የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሓተትካ፥ ካባኻ መዝሒቕካ ደርብያ። ምሉእ ኣካልካ ናብ ገሃነም ካብ ዝኣቱስ፥ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍአት ይሕሸካ።

30የማነይቲ ኢድካ(መ) እንተ ኣስሓተትካውን፥ ካባኻ ቘሪፅካ ደርብያ። ምሉእ ኣካልካ ናብ ገሃነም ካብ ዝኣቱ፥ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍአት ይሕሸካ።

31“ ‘ኵሉ ንሰበይቱ ዝፈትሕ፥ መፍትሒኣ ዝነግር ፅሑፍ ይሃባ’ ተብሂሉ ኣሎ።

32ኣነ ግና ብምኽንያት ዝሙት እንተ ዘይኮይኑ፥ ኵሉ ንሰበይቱ ዝፈትሕ፥ ዘማዊት ይገብራ፤ እቲ ነታ ፍትሕቲ ዘእቱ ድማ፥ ይዝሙ እብለኩም ኣለኹ።

33“ከምኡ ድማ ነቶም ቀዳሞት፥ ‘ማሕላኻ ንእግዚኣብሄር ሃብ እምበር፥ ብሓሰት ኣይትምሓል፥’ ከም ዝተብሃለ ሰሚዕኹም ኣለኹም።

34ኣነ ግና ብሰማይ፥ ዙፋን እግዚኣብሄር ስለ ዝኾነ፥

35ወይ ብምድሪ መርገፂ እግሩ ስለ ዝኾነት፥ ወይ ብኢየሩሳሌም ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ ስለ ዝኾነት፥ ከቶ ኣይትምሓሉ እብለኩም ኣለኹ።

36ካብ ፀጕሪ ርእስኻ፥ ሓንቲ ኽተፃዕዱ ወይ ክተፀልም ኣይትኽእልን ኢኻሞ፥ ብርእስኻውን(ሠ) ኣይትምሓል።

37ነገርኩም ‘እወ፥ እወ’ ወይ ከዓ ‘ኣይኮነን፥ ኣይኮነን’ ደኣ ይኹን። ካብዙይ ዝሓለፈ ግና፥ ካብቲ ኽፉእ እዩ።

38“ ‘ዓይኒ ኽንዲ ዓይኒ፥ ስኒ ኽንዲ ስኒ’ ኸም ዝተብሃለ ሰሚዕኹም ኣለኹም።

39ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ፤ ንኽፉእ [ብኽፉእ] ኣይትቃወምዎ። የማነይቲ መትልሕኻ ንዝፀፍዐካ እታ ኻልአይቲ እውን ምለሰሉ።

40እጀ ጠባብካ ኽወስድ ንዝቃለሰካ፥(ረ) ነፀላኻውን ሕደገሉ።

41ሓደ ምዕራፍ ክትከይድ ንዘገድደካ፥ ክልተ ምዕራፍ ምስኡ ኺድ።

42ንዝለመነካ ሃቦ፤ ካባኻ ኽልቃሕ ንዝደሊ እውን ኣይትኽልኣዮ።

43“ ‘ብፃይካ ኣፍቅር፤ ፀላኢኻ ፅላእ’ ከም ዝተብሃለ ሰሚዕኹም ኣለኹም።

44ኣነ ግና ፀላእትኹም ፍተዉ፤ ንዝረግሙኹም መርቑ። ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኻትኩም ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ፀሓይ የብርቕ፤ ንፃድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ እሞ፥ ንዝፀልኡኹም ፅቡቕ ግበሩ፤ ስለ እቶም ዝፀርፉኹምን ዘሳጕጉኹምን ፀልዩ፥ እብለኩም ኣለኹ።

46ነቶም ዝፈትውኹም እንተ ፈተኹም፥ እንታይ ዓስቢ ኣለኩም? ተቐበልቲ ቐረፅስ(ሰ) ከምኡዶ ይገብሩ ኣይኮኑን?

47ነሕዋትኩም ጥራሕ ሰላምታ እንተ ሃብኩምከ፥ እንታይ ሕልፊ ገበርኩም? ኣህዛብስ ከምኡ ይገብሩ እንድዮም?

48“እምበኣርከ ኸምቲ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም ፍፁም ዝኾነ፥ ንስኻትኩምውን ፍፁማን ኩኑ።”

ትርጓሜ

5:1,2 ማንም ሰብ፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ይኹን ኣብታ እትመጽእ፡ ካብ ክርስቶስ ብመሰረት ቃሉ ሓጐስ ዘይደሊ እንተኾይኑ፡ ሓጐስ ኣይረክብን። ንሳቶም ድማ ክጸልእዎ ዘሎዎም እከይ እንታይ ምዃኑን፡ ክደልይዎ እሞ ክመልእዎ ዘሎዎም ጽቡቕ እንታይ ምዃኑን ምሂርዎም።

5:3-12 መድሓኒና ኣብዚ ሾመንተ ባህርያት ናይ ብጹኣን ሰባት ይህብ፣ እዚኣቶም ከኣ ቀንዲ ጸጋታት ናይ ሓደ ክርስትያን ይውክሉና።

1. ብመንፈስ ድኻታት ብጹኣን እዮም። እዚኣቶም ኩነታቶም ታሕተዋይ ክኸውን ከሎ ኣእምሮኦም ምስኡ ዘሳንዩ እዮም። ኣብ ኣዒንቶም ትሑታትን ንኣእሽቶን እዮም። ጎዶሎኦም ይርእዩ፣ በደሎም ይበኽዩ፣ ንሓደ ቤዛ ኸኣ ይጸምኡ። መንግስቲ ጸጋ ናይ ከምዚኣቶም እያ፤ መንግስቲ ክብሪ ኸኣ ንኦኦም እያ። 2. ሓዘንተኛታት ብጹኣን እዮም። እቲ ንሓቀኛ ንስሓ፣ ንጥንቃቐ፣ ንትሑት ኣእምሮ፣ ኣብ ምሕረት ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ንምቕባል ዜድሊ ቐጻሊ ምትኳል፣ ምስ ቐጻሊ ምድላይ መንፈስ ቅዱስ ንዝተረፈ ክፍኣት ንምጽራይ ዜተግብር ኣምላኻዊ ሓዘን ኣብዚ ሓሳብ ኮይኑ ይርአ። ሰማይ ሓጎስ ጐይታና እዩ፤ ናብኡ መገዲና ብሸለዃ ንብዓት ዚሓልፍ ጎቦ ሓጎስ እዩ። ከምዚኦም ዝበሉ ሓዘንተኛታት ብኣምላኾም ክጸናናዑ እዮም። 3. እቶም ገርህታት ብጹኣን እዮም። ገርህታት ማለት ብህድኣት ንኣምላኽ ዚግዝኡ፤ ንምብሃር ዚኽእሉ፤ ዝምብሉ ወይ ልኡም መልሲ ዚመልሱ፤ ካልእ ነገር ክውንኑ ዚጸግሞም ከሎ እኳ፣ ብትዕግስቶም ነፍሶም ዚሕዙ እዮም። እዞም ገርህታት ኣብዛ ዓለም እኳ ብጹኣን እዮም። ገርህነት ኣብዛ ዓለም እኳ ንሃብቲ፣ ንጽንዓት፣ ንደሓንነት የምጽእ። 4. ንጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን ብጹኣን እዮም። ኣብዚ ጽድቂ ንኹሉ መንፈሳዊ በረኸታት ይውከል። እዚኣቶም ብጽድቂ ክርስቶስ ተዓዲጎሙልና፣ ብተኣማንነት ኣምላኽ ከኣ ተረጋገጹ። ድሌታትና ንመንፈሳዊ በረኸታት ህንጡይ ክኸውን ኣለዎ። ኩሉ ድሌት ንጸጋ ጸጋ እንተዘይኮነ እኳ፣ ከምዚ ዝበለ ድሌት ግና፣ ኣምላኽ ባዕሉ ዘበገሶ ድሌት እዩ፣ ንዕዮ ኣእዳዉ ኸኣ ኣይሓድጎን እዩ። 5. እቶም ምሕረተኛታት ብጹኣን እዮም። ንናይ ባዕልና መከራታት ብትዕግስቲ ክንጸውር ጥራይ ኣይኮነን ዘሎና፣ ኣብ መከራ ንዘለዉ ንምሕጋዝ ዚከኣለና ኩሉ ክንገብር ኣሎና። ንነፍሳት ካልኦት ክንርሕርሓሎም፣ ክንሕግዞም ከኣ ኣሎና፤ ንሓጥኣት ዝኣተዉ ክንርሕርሓሎም፣ ከም ኣንሳሕሳሕቲ ኻብቲ ዚነድድ ሓዊ ንምውጻእ ክንደሊ ከኣ ኣሎና። 6. ብልቦም ንጹሃት ብጹኣን እዮም፤ ንኣምላኽ ኪርእዩ እዮም እሞ። ኣብዚ ቅድስናን ብጽእናን ብምሉኡ ተገሊጾምን ተራኺቦምን ኣለዉ። ልቢ ብእምነት ክንጽሕ፣ ንኣምላኽ ከኣ ክሕሎ ኣለዎ። "ኣቱም ኣምላኽ፣ ከምዚ ዝበለ ንጹህ ልቢ ፍጠረለይ።" እቶም ንጹሃት እንተዘይኮይኖም፣ ንኣምላኽ ኪርእዩ ዚኽእል የለን፤ ሰማይ ከኣ ንረኻሳት ሓጎስ ኣይኮነን። ከምቲ ኣምላኽ ንበደሎም ክርኢ ዚጻገሞ፣ ንሳቶም ድማ ንንጽህናኡ ኪርእዩ ኣይኽእሉን እዮም። 7. ሰላም ፈጠርቲ ብጹኣን እዮም። ንሰላም ይፈትዉ፣ ይደልዩ፣ ይሓጉሱ ከኣ፤ ህዱኣት ንምዃን ከኣ ይጽዕሩ። ሰላም ከይበተኽ ይሕልዉዎ፣ ምስ በታተኸ ኸኣ የዐርይዎ። ሰላም ፈጠርቲ ብጹኣን እንተኾይኖም፣ ንፈረስቲ ሰላም ወዮሎም! 8. ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ ብጹኣን እዮም። እዚ ዘረባ ናይ ክርስትና ፍሉይ እዩ፤ ካብቶም ካልኦት ኩሎም ብዝበለጸ ብሰፊሑ ተመዚዙ ኣሎ። ግናኸ ኣብ መከራና ብኣምላኽ ዚግብኣና ሓንቲ እኳ የላን፤ ግናኸ ኣምላኽ ንኦኦም እንተላይ ህይወቶም እኳ ንኣኡ ዜጥፍኡ፣ ኣብ መወዳእታ ብእኡ ከም ዘይስእኑ ክገብር እዩ። ክቡር የሱስ! መሰረተ-ሓሳባትካ ካብቶም ናይ ሰባት እዛ ዓለም ክንደይ ከም ዚፈላለዩ! ንዕቡያት ብጹኣን ይብሉ፣ ንዝደስስቱ፣ ንሃብታማት፣ ንሓያላን፣ ንሓላፋትን ከኣ የደንቑ። ካብ ጐይታ ምሕረት ንረክብ እሞ፣ ከም ደቁ ንውሰድ፣ መንግስቱ ኸኣ ንወርስ። በዚ ሓጎስን ተስፋን እዚ፣ ንታሕተዋይ ወይ ቃንዛ ዘለዎ ኩነታት ብሓጎስ ክንቕበል ንኽእል ኢና።

5:13-16 ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም። ሰብኣዊ ፍጥረት፡ ብድንቁርናን ክፋእን ተዋሒጡ፡ ከም ዓቢ ኹምራ፡ ንብልሽውና ዝተዳለወ ነበረ። ግናኸ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ብህይወቶምን ብትምህርቶምን፡ ንዕኡ ብዕሽራን ብጸጋን ከጣዕምዎ ለኣኾም። እቶም ከምቲ ዝግብኦም ዘይኮኑ፡ ጣዕሙ ዝሰኣነ ጨው እዮም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6