1ብድሕሪዙይ ድማ መንፈስ [ቅዱስ] ንኢየሱስ፥ ብዲያብሎስ ክፍተን ናብ በረኻ ወሰዶ።
2ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ፆመ፤ ድሕሪዙይውን ጠመየ።
3እቲ ዝፍትኖ ድማ ቐሪቡ፥ “ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ዄንካስ፥ እዘን ኣእማን እዚኣተን እንጀራ ይኹና በል” በሎ።
4ኢየሱስ ግና “ ‘ሰብ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ብዝወፅእ ኵሉ ቓል ደኣ እምበር፥ ብእንጀራ ጥራሕ ኣይነብርን እዩ’ ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።
5ሽዑ ዲያብሎስ ናብታ ቕድስቲ ኸተማ ወሲዱ፥ ኣብ ላዕለዋይ ጫፍ ቤተ መቕደስ ኣቖሞ።
6“ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ዄንካስ፥ ‘እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ፥(ሀ) በእዳዎም ክፆሩኻ፥ ንመላእኽቱ ምእንታኻ ይእዝዞም’ ዝብል ፅሑፍ ኣሎ እሞ፥ እስኪ ዘሊልካ ንታሕቲ ተወርወር” በሎ።
7ኢየሱስ ድማ “ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታተኖ’ ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ” በሎ።
8መሊሱ ዲያብሎስ የመና ነዊሕ ናብ ዝኾነ እምባ ወሲዱ፥ መንግስታት ኵሉ ዓለምን ክብሮምን ኣርኣዮ እሞ፥
9“ተደፊእኻ እንተ ሰጊድካለይ እዝ ዅሉ ኽህበካ እየ” በሎ።
10ሽዑ ኢየሱስ “ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፤ ንእኡ በይኑ ድማ ኣምልኽ’ ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ እሞ፥ ኪድ ሰይጣን ካባይ ረሓቕ” በሎ።
11ድሕሪዙይ ዲያብሎስ ሓደጎ፤ እንሆ ድማ መላእኽቲ መፂኦም ኣገልገልዎ።
12ኢየሱስ፥ ዮሃንስ ከም ዝተኣሰረ ምስ ሰምዐ፥ ናብ ኣውራጃ ገሊላ ኣግለሰ።
13ንናዝሬት ሓዲጉ ድማ፥ ኣብ ምድሪ ዛብሎንን ንፍታሌምን፥ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ናብ ዘላ ቅፍርናሆም ከይዱ ተቐመጠ።
14እዙይ ከዓ እቲ ብነቢይ ኢሳይያስ፦
15“ምድሪ ዛብሎንን ምድሪ ንፍታሌምን፥ መንገዲ ባሕሪ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ኣህዛብ ዝነብሩሉ ገሊላ፥
16ኣብ ፀልማት ዝነብር ህዝቢ፥ ዓብዪ ብርሃን ረአየ፤ ነቶም ኣብ ፀልማትን፥ ኣብ ፅላሎት ሞትን ዝነብሩ ድማ፥ ብርሃን ወፀሎም” ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።
17ኢየሱስ ካብታ እዋን እቲኣ፥ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ፥ ንስሃ እተዉ” እናበለ ኽሰብኽ ጀመረ።
18ኢየሱስ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ እናተመላለሰ እንተሎ፥ ክልተ ኣሕዋት፥ ጴጥሮስ ዝተብሃለ ስምኦንን እንድርያስ ሓዉን፥ ኣስገርቲ ዓሳ ስለ ዝነበሩ መርበቦም ናብ ባሕሪ እንትድርብዩ ረአየ።
19ኢየሱስ ከዓ “ንዑ ተኸተሉኒ፤ ኣነ ኸዓ ኣስገርቲ ሰብ ክገብረኩም እየ” በሎም።
20ሽዑ ንሽዑ ድማ መርበቦም ሓዲጎም ተኸተልዎ።
21ካብኡ ቑሩብ ሕልፍ ኢሉ፥ ካልኦት ክልተ ኣሕዋት፥ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሃንስ ሓዉን፥ ምስ ዘብዴዎስ ኣቦኣቶም፥ ኣብ ጃልባ መርበቦም ከተዓራርዩ ሪኡ ፀውዖም።
22ንሳቶም ከዓ ነታ ጃልባን ነቦኦምን ሓዲጎም፥ ሽዑ ንሽዑ ተኸተልዎ።
23ኢየሱስ ድማ ኣብ ኵላ ገሊላ፥ ኣብ ናይ ኣይሁድ ኣብያተ ፀሎት እናመሃረ፥ ብስራት መንግስቲ እግዚኣብሄር እናሰበኸ፥ ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዅሉ ዓይነት ሕማም እናሕወየ ይዘዋወር ነበረ።
24ዝናኡውን ኣብ ኵላ ሶርያ ተሰምዐ፤ ኵሎም ሕሙማት፥ በብዓይነቱ ሕማምን ቃንዛን ዘለዎም፥ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም፥ በብወርሑ ዝለዓል ሕማም ዘለዎምን መፃጕዓትን ኣምፅኡሉ፤ ንሱ ድማ ኣሕወዮም።
25ካብ ገሊላን ካብ ዓሰርተ ኸተማታትን(ለ) ካብ ኢየሩሳሌምን ካብ ይሁዳን ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስን ከዓ ብዙሓት ህዝቢ ተኸተልዎ።