ወንጌል ማቴዎስ 21

BCV aksumትግርኛ45 ፍቕድታት7:16 ስማዕ
ስማዕ 7:16 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ቀረቡ፥ ኣብ ደብረ ዘይት ናብ እትርከብ ቤተ ፋጌ በፅሑ፤ ሽዑ ኢየሱስ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ፦

2“ኣብ ቅድሜኹም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ፤ እስርቲ ኣድጊ ምስ ገልገል ኣድጊ ኽትረኽቡ ኢኹምሞ፥ ፈቲሕኹም ኣምፅኡለይ።

3ዝኾነ ሰብ ‘እንታይ ትገብሩ ኣለኹም’ እንተበለኩም፥ ‘ጐይታ(ሀ) ይደልዮም ኣሎ’ በልዎ፤ ሽዑ ኽሰዶም እዩ” በሎም።

4እዝ ዅሉ ዝኾነ እቲ ብነቢይ “ንጓል ፅዮን፥(ለ) ‘እንሆ፥ የዋህን ፃድቕን ንጉስኪ፥ ኣብ ኣድግን ኣብ ገልገል ኣድግን ተቐሚጡ፥ ናባኺ ይመፅእ ኣሎ’ በልዋ” ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።

6ደቀ መዛሙርቱ ድማ ኸይዶም ከምቲ ኢየሱስ ዝኣዘዞም ገበሩ።

7ነታ ኣድግን ነታ ገልገላን ኣምፅኡሉ፤ ክዳውንቶም ድማ ኣብ ዝባነን ጐዝጐዙሉ፤ ኢየሱስ ከዓ ተቐመጠ።

8እቶም ህዝቢ ብምሉኦም ድማ፥ ክዳውንቶም ኣብ መንገዲ ኣንፀፉ፤ ካልኦትውን ካብ ኣእዋም ጨንፈር እናሰልዑ ኣብቲ መንገዲ ይንስንሱ ነበሩ።

9እቶም ቀቅድሚኡ ዝኸዱ ደድሕሪኡውን ዝስዕቡ ህዝቢ ኸዓ፥ ዓው ኢሎም “ሆሳዕና(ሐ) ንወዲ ዳዊት፥ እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዝመፅእ ቡሩኽ እዩ፤ ሆሳዕና ኣብ ኣርያም!” እናበሉ ድምፂ የስምዑ ነበሩ።

10ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ኣተወ ኸዓ፥ ኵላ እታ ኸተማ “መን እዩ እዙይ?” እናበለት ተናወፀት።

11እቶም ህዝቢ ድማ “እዙይ ካብ ናዝሬት ናይ ገሊላ ዝመፀ ነቢይ ኢየሱስ እዩ” በሉ።

12ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ፥ ነቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዝሸጡን ዝዕድጉን ዝነበሩ ዅሎም ኣባረሮም። ጠረጴዛታት መሽረፍትን መናብር ሸየጥቲ ርግብንውን ገልበጠ።

13“ ‘ቤተይ ቤተ ፀሎት ይበሃል’ ዝብል ፅሑፍ ኣሎ፤ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ሰረቕቲ(መ) ገበርኩምዎ” በሎም።

14ኣብ ቤተ መቕደስ ከዓ ዕዉራትን ሓንካሳትን ናብኡ መፁ፤ ንሱ ድማ ኣሕወዮም።

15ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ግና፥ ነቲ ዝገበሮ ተኣምራት ሪኦም፥ ህፃናትውን ኣብ ቤተ መቕደስ ዓው ኢሎም “ሆሳዕና ንወዲ ዳዊት” እንትብሉ ሰሚዖም ተናደዱ።(ሠ)

16“እዞም ቈልዑ ዝብልዎዶ ትሰምዕ ኣለኻ?” በልዎ፤ ኢየሱስ ከዓ “እወ፥ እቲ ‘ካብ ኣፍ ቈልዑን ህፃናትን ምስጋና ኣዳለኻ’ ዝብልዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም?” በሎም፤

17ሓዲጉዎም ድማ ኻብታ ኸተማ ወፂኡ ናብ ቢታንያ ኸደ፤ ኣብኡውን ሓደረ።

18ንግሆ ናብ ከተማ ኽምለስ እንተሎ ጠመየ፤

19ኣብ ጥቓ መንገዲ ኦም በለስ ሪኡ ናብኣ ኸደ፤ እንተ ኾነ ቘፅሊ ጥራሕ እምበር፥ ሓንቲ ፍረ ስለ ዘይረኸበላ “ደጊም ካባኺ ንሓዋሩ ፍረ ኣይረኸብ!” በላ፤ እታ ኦም በለስ ከዓ ሽዑ ንሽዑ ነቐፀት።

20ደቀ መዛሙርቱ ድማ ሪኦም፥ “እዛ ኦም በለስ ከመይ ኢላ ሽዑ ንሽዑ ነቐፀት!” እናበሉ ተገረሙ።

21ኢየሱስ ከዓ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እምነት እንተ ሃልያትኩም እሞ፥ እንተ ዘይተጠራጢርኩም፥ እዛ ዕፀ በለስ ከም ዝኾነቶ ጥራሕ ኣይኮነን እትገብሩ፤ ነዝ እምባ እዙይ ‘ተልዒልካ ናብ ባሕሪ ተወርወር’ እንተ በልኩምዎውን ክኾነልኩም እዩ።

22ኣሚንኩም ብፀሎት ዝለመንኩምዎ ዅሉ ኽትቅበሉ ኢኹም” ኢሉ መለሰሎም።

23ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኽምህር እንተሎ፥ ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ህዝብን፥ ናብኡ መፂኦም “በየናይ ስልጣን ነዝ ነገራት እዙይ ትገብር ኣለኻ? ነዝ ስልጣን እዙይከ መን ሃበካ?” በልዎ።

24ኢየሱስ ከዓ መሊሱ፦ “ኣነ ድማ ሓንቲ ነገር ክጥይቐኩም፤ ነዚኣ እንተ ነጊርኩምኒ፥ ኣነውን በየናይ ስልጣን ነዝ ነገራት እዙይ ከም ዝገብር ክነግረኩም እየ።

25ጥምቀት ዮሃንስ ካበይ እዩ? ካብ ሰማይ ድዩ ወይ ካብ ሰብ?” በሎም። ንስንሳቶም ከዓ ኸምዙይ እናበሉ ተዘራረቡ፤ “ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ ‘ስለ ምንታይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ?’ ኽብለና እዩ፤

26ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ድማ፥ ኵሎም ንዮሃንስ ከም ነቢይ ስለ ዝሪእዎ፥ ነቶም ህዝቢ ንፈርሖም ኢና።”

27ንኢየሱስ ከዓ “ኣይንፈልጥን” ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ድማ “ኣነውን በየናይ ስልጣን፥ ነዝ ነገራት እዙይ ከም ዝገብር ኣይነግረኩምን” በሎም።

28ቀፂሉ ኢየሱስ “እንታይ ይመስለኩም? ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ፤ ናብቲ ቐዳማይ ቀሪቡ፥ ‘ወደይ፥ ሎሚ ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ውፈር እሞ ስራሕ’ በሎ።

29ንሱ ኸዓ ‘እምቢ’ ኢሉ መለሰ፤ ደሓር ግና ተናሲሑ ወፈረ።

30ናብቲ ኻልኣይ ቀሪቡ ኸዓ ኸምኡ በሎ፤ ንሱ ድማ ‘እሺ ጐይታይ’ በሎ፤ ግና ኣይወፈረን።

31ካብ ክልቲኦም ኣየናይ እዩ ፍቓድ ኣቦኡ ዝፈፀመ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “እቲ ቐዳማይ” በልዎ፤ ኢየሱስ ድማ “ተቐበልቲ ቐረፅን ኣመንዝራታትን፥ ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ምእታው፥ ከም ዝቕድሙኹም ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።

32ዮሃንስ ብመንገዲ ፅድቂ ናባኻትኩም መፂኡ ነበረ እሞ፥ ተቐበልቲ ቐረፅን ኣመንዝራታትን ደኣ ኣመንዎ እምበር፥ ንስኻትኩምስ ኣይኣመንኩምዎን፤ ነዙይ ምስ ረአኹምውን ተናሲሕኹም ብእኡ ኣይኣመንኩምን” በሎም።

33ካልእ ምስላውን ስምዑ፥ “ኣታኽልቲ ወይኒ ዝተኸለ በዓል ቤት ነበረ፤ ሓፁር ሓፀሮ፤ መፅመቚ ድማ ዀዓተሉ፤ መሐለዊ ግንቢ ሰርሐሉ፤ ንሓረስቶት ብብላዕ ሂብዎም ከዓ፥ ናብ ካልእ ሃገር ከደ።

34ጊዜ ፍርያት ምስ በፅሐ፥ ካብ ፍረ ወይኑ ኸምፅኡሉ፥ ንኣገልገልቱ ናብቶም ሓረስቶት ለኣኸ።

35እቶም ሓረስቶት ከዓ ነቶም ኣገልገልቱ ሒዞም፥ ንገሊኣቶም ወቕዕዎም፤ ንገሊኣቶም ቀተልዎም፤ ንገሊኣቶምውን ብእምኒ ቐጥቀጥዎም።

36ከምኡውን ካብቶም ቀዳሞት ዝበዝሑ ኻልኦት ኣገልገልቱ ለኣኸ፤ ንኣኣቶምውን ከምኡ ገበርዎም።

37ኣብ መወዳእታ ኸዓ ‘ንወደይስ ይሓፍርዎ ግዲ ይኾኑ’ ኢሉ፥ ወዱ ናብኣቶም ለኣኸ።

38እቶም ሓረስቶት ግና ነቲ ወዱ ምስ ረአይዎ፥ ንስንሳቶም ‘እንሆ እቲ ወራሲኡ እዙይ እዩ፤ ንዑ ንቕተሎሞ፥ ርስቱ ኽንወርስ’ ተባሃሃሉ።

39ሒዞም ድማ ኻብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣውፂኦም ቀተልዎ።

40እቲ ጐይታ ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ መፀ፥ ነቶም ሓረስቶት እቲኣቶም እንታይ ኮን ይገብሮም?”

41ንሳቶም ከዓ “ነቶም ክፉኣት ብኽፉእ የጥፍኦም፤ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ፥ ፍረኡ በብጊዜኡ ንዝህብዎ ኻልኦት ሓረስቶት ብብላዕ ይህቦም” በልዎ።

42ኢየሱስ ከዓ፦ “ ‘እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፥ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ፤ እዙይ ካብ እግዚኣብሄር ኮነ፤ ነዒንትናውን ዘደንቕ እዩ፤’ ዝብልዶ ኣብ መፃሕፍቲ ኸቶ ኣየንበብኩምን?

43“ስለዙይ ድማ እታ መንግስቲ እግዚኣብሄር ካባኻትኩም ከም እትውሰድ፥ ፍረኣ ንዘፍሪ ህዝቢ እውን ከም እትወሃብ እብለኩም ኣለኹ፤

44ኣብቲ እምኒ እቱይ ዝወደቐ ይቕጥቀጥ፤ እቲ እምኒ እቱይ ዝወደቖ ድማ ይጭፍለቕ” በሎም።

45ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ምስላታቱ ምስ ሰምዑ፥ ብዛዕባኣቶም ከም ዝተዛረበ ፈለጡ።

46ክሕዝዎ ድማ ደለዩ፤ ግና እቶም ህዝቢ ኸም ነቢይ ይሪእዎ ስለ ዝነበሩ፥ ንኣኣቶም ፈርሕዎም።

ትርጓሜ

21:1-11 እዚ ምምጻእ ክርስቶስ ብነብዪ ዘካርያስ፣ ዘካ 9:9 ተገሊጹ ነይሩ። ክርስቶስ ብኽብሩ ምስ ዝገለጽ፣ ምድሓን ንምፍጻም ብትሕትናኡን ብምሕረቱን እምበር፣ ብግርማኡ ኣይኮነን ዝመጽእ። ትሕትናን ግዳማዊ ድኽነትን ኣብ ንጉስ ጽዮን ብምሉኡ ስለ እተራእየ፣ ከምኡ’ውን ንዓወት ዝመልኦ ናብ የሩሳሌም ምእታዉ ስለ ዘመልክተ፣ ስስዔ፣ ህርፋን፣ ከምኡ’ውን ትዕቢት ህይወት ኣብቶም ዜጋታት ጽዮን ክሳዕ ክንደይ ጌጋ ከም ዝኾኑ! ኣድጊ ኣምጽኡ፣ የሱስ ግና ብዘይፍቓድ በዓል ቤት ኣይተጠቕመላን። እቲ ምቑብልያት ከምቲ ዝተረኽበ እዩ ነይሩ። ንኣገልግሎት ክርስቶስ ኢልና ክንፍለየሉ፣ ኣብ ድሕሪ ሕቖና ዘሎ ክዳን ዓቕሚና ንላዕሊ ሓዊስና ኽንሓስብ የብልናን። ሊቃውንቲ ካህናትን ሽማግለታትን ድሕሪኡ ኣብ መስቀል ምስቲ ዘዋረዶ ህዝቢ ተጸምበሩ፤ ግናኸ ካባታቶም ሓደ እኳ ምስቲ ዘኽበሮ ህዝቢ ኣይተጸምበረን። ነቶም ክርስቶስ ንጉሶም ገይሮም ዝቕበልዎ፣ ኹሉ ዘለዎም ኣብ ትሕቲ እግሩ ከንብሩ ይግባእ። ሆሳዕና ማለት፡ ሕጂ ኣድሕነና፣ ንልምን ኣሎና! ብስም እግዚኣብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ! ግናኸ ጭብጨባ ህዝቢ ክሳዕ ክንደይ ትሑት ዋጋ ከም ዘለዎ! እቲ ለዋጢ ብዙሓት ህዝቢ ብዕለት ናብ ጩኸት ይጽምበር፣ እዚ ድማ ሆሳዕና ይኹን ወይስ ስቐሎ። ብዙሓት ህዝቢ ንወንጌል ዝቕበልዎ ይመስሉ፣ ግናኸ ሒደት ጥራይ እዮም ምትእምማን ዘለዎም ደቀ መዛሙርቲ ዝኾኑ። የሱስ ናብ የሩሳሌም ምስ ኣተወ ኵላ እታ ከተማ ተረበሸት፤ ገሊኦም ምናልባት ምጽንናዕ እስራኤል ዝጽበዩ ብሓጎስ ተረበሹ፤ ካልኦት፣ ካብ ፈሪሳውያን፣ ድማ ብቕንኣት ተረበሹ። መንግስቲ ክርስቶስ ምስ ቀረበት ድማ ኣብ ኣእምሮ ሰብ ዝተፈላለዩ ስምዒታት ይፍጠሩ።

21:12-17 ክርስቶስ ገሊኡ ኣደባባያት ቤተ መቕደስ ናብ ዕዳጋ እንስሳትን ንመስዋእቲ ዚኸውን ኣቕሑን ተቐይሩ፡ ከምኡ እውን ብለወጥቲ ገንዘብ ሒዝዎ ከም ዘሎ ረኸበ። ጐይታና ኸኣ ካብቲ ቦታ ኣባረሮም፥ ከምቲ ንኣገልግሎቱ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ዝገበሮ ድማ እዩ ነይሩ (ዮሃ 2:13-17)። ግብሩ ኻብቲ ዝተዘመረሉ ሆሳና ንላዕሊ ንዕኡ መስካሪኡ ነበረ። ኣብ ቤተ መቕደስ ምሕዋዩ ድማ፡ ክብሪ እታ ድሕሪት እትርከብ ቤት ካብ ክብሪ እታ ቀዳመይቲ ኽትዓቢ እያ ዝብል ተስፋ ምፍጻም እዩ ነይሩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6