ወንጌል ማቴዎስ 19

BCV aksumትግርኛ29 ፍቕድታት4:38 ስማዕ
ስማዕ 4:38 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኢየሱስ ነዝ ነገር እዙይ ምስ ፈፀመ፥ ካብ ገሊላ ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ናብ ዘሎ ምድሪ ይሁዳ በፅሐ።

2ብዙሓት ህዝቢ ድማ ተኸተልዎ፤ ኣብኡ ኸዓ ነቶም ዝሓመሙ ኣሕወዮም።

3ፈሪሳውያን ድማ “ሰብኣይ ንሰበይቱ ብዝኾነ ምኽንያት ክፈትሓዶ ይግባእ እዩ?” እናበሉ ኽፍትንዎ ናብኡ መፁ።

4ንሱ ድማ መሊሱ “እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ‘ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ኸም ዝፈጠሮም፥ ስለዙይ ድማ ሰብኣይ ኣቦኡን እኖኡን ሓዲጉ ምስ ሰበይቱ ይወሃድ፤ ክልቲኦም ድማ ሓደ ስጋ ይኾኑ ዝብልዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም?’

6ስለዙይ እዚኣቶም ሓደ ስጋ እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን። እምበኣር ነቲ እግዚኣብሄር ሓደ ዝገበሮ፥ ሰብ ኣይፍለዮ” በሎም።

7ንሳቶም ከዓ “ስለ ምንታይ ደኣ ሙሴ መፍትሒኣ ፅሑፍ ሂቡ ኽፈትሓ ዝኣዘዘ?” በልዎ።

8ኢየሱስ ድማ “ሙሴስ ብሰንኪ ትረት ልብኹም ኣንስትኹም ክትፈትሑ ፈቐደልኩም እምበር፥ ካብ መጀመርታስ ከምኡ ኣይነበረን።

9ኣነ ግና ‘እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዝፈትሓ፥ ካሊእውን ዘእቱ ይዝሙ፤(ሀ) ፍትሕቲ ዘእቱውን ይዝሙ’ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።

10እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “ስርዓት ሰብኣይን ሰበይትን፥ ከምዙይ እንተ ደኣ ኾይኑስ፥ ዘይምውሳብ ይሐይሽ” በልዎ።

11ኢየሱስ ድማ “እዝ ነገር እዙይ፥ ነቶም ዝተውሃቦም እንተ ዘይኮይኑ፥ ኵሉ ዝኽእሎ ኣይኮነን።(ለ)

12ካብ ከርሲ እኖኣቶም፥ ስሉባት ኮይኖም ዝተወለዱ ኣለዉ፤ ሰባት ስሉባት ዝገበርዎምውን ኣለዉ፤ ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ኢሎም፥ ንባዕላቶም ከም ስሉባት ዝገበሩውን ኣለዉ፤ ነዝ ትምህርቲ እዙይ ክቕበሎ ዝኽእል ይቀበሎ” በሎም።

13ሽዑ ኢዱ ኣንቢሩ ኽፅልየሎም፥ ንህፃናት ናብኡ ኣምፅኡ፤ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ፥ ነቶም ዘምፅእዎም ገሰፅዎም።

14ኢየሱስ ግና “መንግስተ ሰማያት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፥ ንህፃናት ሕደግዎም፤ ናባይ ምምፃእ ኣይትኽልእዎም” በሎም።

15ኢዱ ምሰንበረሎም ድማ ኻብኡ ኸደ።

16እንሆ ሓደ ሰብኣይ(ሐ) ናብኡ መፂኡ፥ “መምህር፥(መ) ናይ ዘለኣለም ህይወት ክወርስስ፥ እንታይ ሰናይ ግብሪ ኽገብር?” በሎ።

17ኢየሱስ ከዓ “ንምንታይ ብዛዕባ ሰናይ ትጥይቐኒ? እቲ ሰናይስ ሓደ እዩ።(ሠ) ናብ ህይወት ክትኣቱ እንተ ደሊኻስ ትእዛዛቱ ሓሉ!” በሎ።

18ንሱ ድማ “ኣየነአን እየን?” በሎ። ኢየሱስ ከዓ “ኣይትቕተል፤ ኣይትዘሙ፤ ኣይትስረቅ፤ ብሓሰት ኣይትመስክር፤

19ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር፤ ብፃይካውን ከም ነፍስኻ ኣፍቅር” በሎ።

20እቲ ጐበዝ ድማ “ነዙይ ኵሉስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ሓልየዮ ኣለኹ፤ እንታይ ደኣ እዩ ዝጐድለኒ?” በሎ።

21ኢየሱስ ከዓ “እምበኣር ፍፁም ክትከውን እንተ ደሊኻስ፥ ኬድካ ዅሉ ዘለካ ሼጥካ፥ ንድኻታት ሃብ፤ ኣብ ሰማይ መዝገብ ኽትረክብ ኢኻ እሞ፥ ነዓ ተኸተለኒ!” በሎ።

22እቲ ሰብኣይ ድማ ብዙሕ ሃብቲ ስለ ዝነበሮ፥ ነዝ ቓልዙይ ምስ ሰምዐ እናሓዘነ ኸደ።

23ኢየሱስ ከዓ ንደቀ መዛሙርቱ “ሃብታም ናብ መንግስተ ሰማያት ክኣቱ ጭንቂ ኸም ዝኾነ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።

24መሊሰውን፥ ሃብታም ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ካብ ዝኣቱስ ግመል ብዓይኒ መርፍእ ክሓልፍ ይቐልል እብለኩም ኣለኹ” በሎም።

25ደቀ መዛሙርቱ ድማ ነዙይ ሰሚዖም “መን ደኣ ኾን ክድሕን ይኽእል!” እናበሉ የመና ተገረሙ።

26ኢየሱስ ድማ ጠመቶም እሞ “እዙይ ብሰብ ኣይከኣልን፤ ብእግዚኣብሄር ግና ዅሉ ይከኣል እዩ” በሎም።

27ሽዑ ጴጥሮስ መሊሱ “እንሆ ንሕና ዅሉ ሓዲግና ተኸቲልናካ ኣለና፤ እንታይ ክንረክብ ኢና?” በሎ።

28ኢየሱስ ድማ “ኣቱም ዝተኸተልኩምኒ፥ ብሓድሽ ልደት፥ በታ ወዲ ሰብ ኣብ ዙፋን ክብሩ ዝቕመጠላ እዋን፥ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ዓሰርተ ኽልተ ዙፋናት ተቐሚጥኩም፥ ንዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል ከም እትፈርዱ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።

29ኵሉ ስለ ስመይ ኢሉ ኣባይቲ፥ ኣሕዋት፥ ኣሓት፥ ኣቦ፥ እኖ፥ ሰበይቲ፥ ውሉድ፥ ገራሁ ዝሓደገ፥ ሚእቲ ዕፅፊ ኽረክብ እዩ፤ ናይ ዘለኣለም ህይወትውን ክወርስ እዩ።

30ግና ብዙሓት ቀዳሞት፥ ዳሕረዎት ክኾኑ እዮም፤ ዳሕረዎት ድማ፥ ቀዳሞት ክኾኑ እዮም” ??ሎም።

ትርጓሜ

ማቴዎስ 19:1-2 ብዙሕ ህዝቢ ንክርስቶስ ሰዓቡ። ክርስቶስ ምስ ከደ፣ ንሕና ንዕኡ ንስዕቦ ምዃንና እዩ ዝበለጸ። ኣብ ካልእ ቦታ እውን ከምቲ ኣብ ገሊላ ዝነበረሉ፣ ክኢሉን ድሉውን ኮይኑ ንምሕጋዝ ከም ዝጸንሐ ረኸብዎ። ኣየናይ ቦታ እውን ይኹን ጸሓይ ጽድቂ ምስ ዝወጽእ፣ ምሕዋይ ብኽንፋቱ ይርከብ።

19:3-12 ፈሪሳውያን ነቲ ምስ ሕጊ ሙሴ ዝጋጭእ ኢሎም ከቕርብዎ ዝኽእሉ ሓሳብ ካብ የሱስ ከውጽኡ ደልዮም ነበሩ። ብዛዕባ መርዓ ዘምጽእዎ ጉዳያት ብዙሕን ሓደሓደ ግዜ ግራህ ዘብልን ነይሩ። እዚ ከኣ ብሕጊ ኣምላኽ ዘይኮነስ፡ ብትምኒት ስጋን ብዕሽነት ሰባትን እዩ ዝኸውን። ብዙሕ ግዜ ሰባት ምኽሪ ከይሓተቱ፡ ዝገብርዎ ነገር ይውስኑ። የሱስ ከኣ፡ ንስኻትኩምዶ ብዛዕባ ፍጥረት ዝገልጽ ጽሑፍን፡ ንፈለማ ግዜ ዝኸተተ መርዓን ኣይተንበብኩምን ኢሉ መለሰሎም። በዚ ድማ ካብኡ ዝወጸ ኹሉ ነገር ግጉይ ምዃኑ ኣመላኸተ። ንነፍስና ዝበለጸት፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ከተዳሉናን ክትሕልወናን ዝያዳ ዝሕግዝ ኩነታት፡ ንዓና ዝበለጸ እዩ እሞ፡ በዚ መሰረት ክንምርጾን ክንሕዝን ይግባእ። ወንጌል ብሓቂ እንተ ተቐቢልናዮ፡ ንሰባት ሕያዋይ ኣዝማድን እሙናት ኣዕሩኽን ይገብሮም። ጾር ንኽጸውሩን፡ ምስ ዝተራኸብዎም ሰባት ድኻማቶም ንኽጻወሩን፡ ሰላሞምን ሓጎሶምን ካብ ናቶም ንላዕሊ ንኸቕድሙን የተምህሮም። ብዛዕባ ዘይኣማኑ ግን፡ ሰላም ሕብረተሰብ ከይብትኩ ምእንቲ፡ ብሕግታት ክዕገቱ ይግባእ። ከምኡውን መርዓ ብዓብዪ ሓላፍነትን ብቕንዕና ጸሎትን ክንጅምሮ ይግባእ።

19:13-15 ንሕና ባዕልና ናብ ክርስቶስ ክንመጽእ ከሎናን ንደቅና ድማ ከነምጽእ ከሎናን ጽቡቕ እዩ። ንኣሽቱ ቈልዑ ሓገዝ ከም ዜድልዮም፣ ካብኡ በረኸት ንምቕባል ድማ ብቑዓት ከም ዝኾኑ፣ ኣብ ምልጃኡ ድማ ግደ ከም ዘለዎም ጌርካ ናብ ክርስቶስ ክቐርቡ ይኽእሉ እዮም። ንሕና ንኣኦም በረኸት ክንልምን ጥራይ ኢና እንኽእል፣ ክርስቶስ ጥራይ እዩ ነቲ በረኸት ኪእዝዞ ዚኽእል። ክርስቶስ ካብቶም ዝበለጹ ደቀ-መዛሙርቱ ዝበዝሐ ፍቕርን ለውሃትን ኣብኡ ስለ ዘለዎ፣ ንዓና ጽቡቕ እዩ። ንሕና ድማ ካብኡ ንመሃር፣ ዝኾነ ፈቃድን ጽቡቕ ሓሳብን ዘለዎ ነፍሲ፣ ክርስቶስ ኣብ ምድላይኦም ድኹም እኳ እንተኾነ፣ ከይነዕግቶ። እቶም ከም ክፋል ቤዛኡ ናብ ክርስቶስ ዝተዋህቡ፣ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ኣይኪድርብዮምን እዩ። ስለዚ ድማ ነቶም ዝኸልኡን ነቶም ንሱ ዝተቐበሎም ኪዓግቱን ኪዓጽዉን ዚፍንዉ ኩሎም፣ ይምጐድኦ እዩ። ኩሎም ክርስቲያናት ድማ ንደቆም ናብቲ መድሓኒ ከምጽእዎም ኣለዎም፣ ንሱ ድማ ምስ መንፈሳዊ በረኸታት ኪባርኾም ምእንቲ።

19:16-22

ክርስቶስ እቲ ንእዚ መንእሰይ ብቐሊሉ ዝጥርብቦ ሓጢኣት ስስዔ ምዃኑ ፈሊጡ ነይሩ። ንብረቱ ብቕንዕና ረኺቡ እኳ እንተነበረ፥ ብሓጎስ ግን ክፋለዮ ኣይከኣለን፥ በዚ ድማ ምልግዐኡ ተገሊጹ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6