ወንጌል ማቴዎስ 14

BCVትግርኛ36 ፍቕድታት4:35 ስማዕ
ስማዕ 4:35 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1በቲ ጊዜ እቱይ ገዛኢ ገሊላ ሄሮድስ ዝና ኢየሱስ ሰምዐ።

2ንሓሻኽሩ ድማ “እዙይ መጥምቕ ዮሃንስ እዩ፤ ንሱ ኻብ ምዉታን ተሲኡ ኣሎ፤ ስለዙይ ከዓ እዝ ተኣምራት እዙይ ብእኡ ይግበር ኣሎ” በሎም።

3ሄሮድስ ብሰንኪ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ፥ ንዮሃንስ ሒዙ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትይዎ ነበረ።

4ዮሃንስ “ሰበይቲ ሓውካ ኽተእቱ ኣይግብአካን እዩ” ይብሎ ነበረሞ።

5ክቐትሎ እኳ እንተ ደለየ፥ እቶም ህዝቢ ንዮሃንስ ከም ነቢይ ይሪእዎ ስለ ዝነበሩ፥ ይፈርሖም ነበረ።

6በዓል ልደት ሄሮድስ ምስ ኮነ፥ ጓል ሄሮድያዳ ኣብ ማእኸሎም ሳዕሲዓ ንሄሮድስ ኣሐጐሰቶ፤

7ሽዑ ዝደለየቶ ኽህባ መሓለላ።

8ንሳ ኸምቲ እኖኣ ኣቐዲማ ዝመኸረታ፥ “ርእሲ መጥምቕ ዮሃንስ ኣብ ፃሕሊ ጌርካ ሃበኒ” በለቶ።

9እቲ ንጉስ ሓዘነ፤ እንተ ኾነ ምእንቲ ማሕላኡን ምእንቲ እቶም ምስኡ ዝተቐመጡን ክህብዋ ኣዘዘ።

10ሰብ ልኢኹ ድማ፥ ርእሲ ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሰየፈ።

11ነታ ርእሱ ብፃሕሊ ኣምፂኦም፥ ነታ ጓል ሃብዋ፤ ንሳ ድማ ወሲዳ ንኖኣ ሃበታ።

12ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ድማ መፂኦም፥ ነቲ ሬሳኡ ኣልዒሎም ቀበርዎ፤ ከይዶምውን ንኢየሱስ ነገርዎ።

13ኢየሱስ ነዙይ ምስ ሰምዐ፥ ካብኡ ብጃልባ ኣግሊሱ፥ ንበይኑ ናብ ፅምዊ ቦታ ኸደ፤ እቶም ህዝቢ ድማ ሰሚዖም ከካብ ዓዶም ተኣኪቦም ብእግሪ ተኸተልዎ።

14ኢየሱስ ካብኡ ወፂኡ ብዙሕ ህዝቢ ረአየ እሞ ራህርሀሎም፤ ንሕሙማቶም ድማ ኣሕወየ።

15ምስ መሰየ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐሪቦም “እዝ ቦታ እዙይ በረኻ እዩ፤ ጊዜውን ሓሊፉ እዩ፤ ስለዙይ እዞም ህዝቢ ናብ ዓድታት ከይዶም፥ ንባዕላቶም ምግቢ ኽዕድጉ ኣሰናብቶም” በልዎ።

16ኢየሱስ ግና “ብጥሙዮም ክኸዱ ኣይግባእን እዩ፤ ንስኻትኩም ደኣ ዝብላዕ ሃብዎም” በሎም።

17ንሳቶም ድማ “ኣብዙይ እንትርፊ ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን ካልእ የብልናን” በልዎ።

18ንሱ ግና “ናባይ ኣምፅእወን” በለ።

19ነቶም ሰባትውን ኣብ ሳዕሪ ኽቕመጡ ኣዘዞም፤ ነተን ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ፥ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ እናጠመተ፥ ኣመስጊኑ ባረኸ፤ ቈሪሱውን ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፤ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ነቶም ህዝቢ ኣቕረቡሎም።

20ኵሎም በሊዖም ፀገቡ፤ እቲ ዝተረፈ ቝርስራስ ድማ፥ ዓሰርተ ኽልተ መሶብ ምሉእ ኣልዓሉ።

21እቶም ዝበልዑ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን ሓሙሽተ ሽሕ ዝኾኑ ነበሩ።

22ሽዑ ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ ኽሳዕ ዘሰናብቶም፥ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኣትዮም፥ ናብ ማዕዶ ኽቕድምዎ ኣዘዞም።

23ነቶም ህዝቢ ኣሰናቢቱ ኸዓ፥ ክፅሊ በይኑ ናብ እምባ ደየበ። ምድሪ ምስ መሰየ ድማ፥ በይኑ ኣብኡ ነበረ።

24እታ ጃልባ [ሓሙሽተ ኺሎ ሜትር ኣቢላ] ኻብ ምድሪ ርሒቓ ነበረት፤(ሀ) ንፋስ ብቕድሚኣ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ብማዕበል ትናወፅ ነበረት።

25ኢየሱስ ትሽዓተ ሰዓት ናይ ለይቲ(ለ) ኣቢሉ ብልዕሊ ባሕሪ እናኸደ ናብኣቶም መፀ።

26እቶም ደቀ መዛሙርቱ ብልዕሊ ባሕሪ እንትኸይድ ምስ ረአይዎ “ምትሃት እዩ” ኢሎም ተሸበሩ፤ ካብ ፍርሓት ዝተልዓለውን ኣእወዩ።

27ኢየሱስ ግና ሽዑ “ኣይዞኹም ኣይትፍርሑ(ሐ) ኣነ እየ” በሎም።

28ጴጥሮስ መሊሱ፥ “ጐይታ! ንስኻ እንተ ዄንካስ፥ ብልዕሊ ባሕሪ ናባኻ ኽመፅእ ኣዝዘኒ” በሎ።

29ንሱ ድማ “ነዓ!” በሎ፤ ሽዑ ጴጥሮስ ካብ ጃልባ ወሪዱ፥ ብልዕሊ ባሕሪ ናብ ኢየሱስ ከደ።

30ብርቱዕ ንፋስ ምስ ረአየ ግና ፈርሐ፤ ክጠልቕ ምስ ጀመረ ድማ፥ “ጐይታ! ኣድሕነኒ” ኢሉ ኣእወየ።

31ኢየሱስ ድማ ሽዑ ኢዱ ዘርጊሑ ሓዞ እሞ “ኣታ እምነት ዝጐደለካ፥ ስለ ምንታይከ ተጠራጠርካ?” በሎ።

32ናብ ጃልባ ምስ ደየቡ ግና፥ እቲ ንፋስ ሃድአ።

33እቶም ኣብ ጃልባ ዝነበሩ ኸዓ “ንስኻ ናይ ብሓቂ ወዲ እግዚኣብሄር ኢኻ!” እናበሉ ሰገዱሉ።

34ባሕሪ ተሳጊሮም ድማ፥ ናብ ምድሪ ጌንሴሬጥ በፅሑ።

35እቶም ሰብ ምስ ኣለለይዎ፥ ኣብ ከባቢኦም ናብ ዘለዋ ዅለን ዓድታት ልኢኾም፥ ንዅሎም ሕሙማት ኣምፅኡሉ።

36ዘፈር ክዳኑ ኽነኽኡ ጥራሕ ለመንዎ፤ ኵሎም ዝነኽእዎ ድማ ሓወዩ።

ትርጓሜ

14:1-12 ሽበራን ወቐሳ ሕልናን፥ ሄሮድስ ከም ካልኦት ደፋራት ገበነኛታት ኬወግዶም ዘይከኣለ፥ ንዝመጽእ ፍርዲን ንሳቶም ኪረኽብዎ ንዘለዎም መከራን መረጋገጺታትን መጠንቀቕታታትን እዮም። ግናኸ፡ ሓቂ ናይ ምልዋጥ ኣብ ዘይብሉ ስፍራ፡ ሽበራ ናይ ሕልናዊ ወቐሳ ኺህሉ ይኽእል። ሰባት ንወንጌል ዝድግፉ ኸም ዝመስሉ ኾይኖም፡ ግናኸ ብኽፉእ ዝነብሩ እንተኾይኖም፡ ንናይ ባዕላቶም ምትላል ክንድግፎ የብልናን፡ እንታይ ደኣ፡ ከም ዮሃንስ ጌርና ንሕልናና ኸነድሕን ኣሎና። ዓለም ነዚ ሕሩቕነትን ዕዉር ቅንኣትን ኽትብሎ ትኽእል እያ። ሓሰውቲ ምእመናን ወይ ድማ ፍርሃት ዘለዎም ክርስትያናት፡ ከም ዘይምምጥጣዕ ጌሮም ኪነቕፍዎ ይኽእሉ እዮም። ግናኸ እቶም ዝበዝሑ ሓያላት ጸላእቲ፡ እግዚኣብሔር ዝፈቕዶ ካብኡ ንላዕሊ ኺከዱ ኣይክእሉን እዮም።

ሄሮድስ ንዮሃንስ ምቕታሉ ኣብ ህዝቢ ዕልወት ከለዓዕል ይኽእል እዩ ኢሉ ፈሪሑ ነበረ፡ እዚ ግን ኣየልዓለን። ግናኸ ንሕልንኡ ኺቀስቅሶ ወይ ድማ ኺለዓዕሎ ከም ዝኽእል ፈጺሙ ኣይፈርሀን፡ እዚ ድማ ገይርዎ እዩ። ሰባት ኣብዚ ምድሪ ብሓንቲ ጥፋት ምቕጻዕ ይፈርሑ፡ ንዘለኣለማዊ ቅጽዓት ግና ኣይፈርሑን። እዋናት ስጋዊ ሓጎስን ደስታን፡ ንቕዱሳን ኣምላኽ ንምጕድኣት ዝዓለሙ ክፉእ ውጥናት ንምፍጻም ዝጥዕሙ እዋናት እዮም። ሄሮድስ ንሓንቲ ዘይረብሕ ስዕስዒት ኣዝዩ ብዙሕ ወፈየ፡ ኣብ ክንዲኡ ግና ንነፍሱን ንምድሓን ዝጸዓረ ሰብ ኣምላኽ ዝወሃቦ ምልሰት እስርን ሞትን ነበሩ። ግናኸ ኣብ ትሕቲ ስምምዑ፡ ንዮሃንስ ሓቀኛ ሕሱም ጽልኢ ነበረ። እንተዘይኮይኑ ግና፡ ሄሮድስ ንቃሉ ንምብራስ መገዲ ምረኸበ ነይሩ።

እቶም ንኡሳን ጓሶት እንተተቐዝፉ እውን፡ ኣባጊዕ ኪበታተና ኣይግባእን፡ ምኽንያቱ ምስኡ ዝኸዳሉ ዓብዪ ጓሳ ስለዘለወን። ብጥሜትን ብኽሳራን ናብ ክርስቶስ ምስሓብ፡ ካብቲ ናብኡ ፈጺሙ ዘይምምጻእ ይሓይሽ።

14:13-21 ክርስቶስን ቃሉን ምስ ተለለዩ፡ ንዓና ኣገባባት ጸጋ ንነፍሳትና እናደለና፡ ቅድሚ ዝኾነ ምድራዊ ረብሓታት፡ ክንስዕቦም ይሓይሽ። ህላዌ ክርስቶስን ወንጌሉን፡ ንበረኻ ዝዕገስ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዝድለ እውን ይገብሮ። እዚ ሒደት ዝነበረ እንጌራ፡ ብሓይሊ ፈጣሪ ክርስቶስ ተወሰኸ፡ ክሳዕ እቲ ምልእቲ ህዝቢ ጸገቡ። ንደሓንነት ነፍሳት ሰብ እናደለና፡ ከምኡውን ንኣካላቶም ምሕረት ክንገብረሎም ይግባእ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6