ወንጌል ማቴዎስ 13

BCV aksumትግርኛ55 ፍቕድታት8:09 ስማዕ
ስማዕ 8:09 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1በታ መዓልቲ እቲኣ ኢየሱስ ካብ ቤት ወፂኡ፥ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተቐመጠ።

2ናብ ጃልባ ኣትዩ ኽሳዕ ዝቕመጥ፥ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ፤ ኵሉ ህዝቢ ድማ ኣብ ገምገም ባሕሪ ደው ኢሉ ነበረ።

3ብምስላ ድማ ኸምዙይ እናበለ ብዙሕ ነገሮም፤ “እንሆ ዘራኢ ኽዘርእ ወፈረ፤

4ክዘርእ እንተሎ ገሊኡ ኣብ ወሰን መንገዲ ዝወደቐ ነበረ፤ ኣዕዋፍ መፂኦም ድማ በልዕዎ።

5ገሊኡውን ብዙሕ ሓመድ ኣብ ዘይብሉ ኰዅሒ ወደቐ፤ ዕምቈት መሬት ስለ ዘይብሉ ድማ፥ ቀልጢፉ በቘለ።

6ፀሓይ ምስ በረቐት ፀምለወ፤ ሱር ስለ ዘይነበሮውን ሓረረ።

7ገሊኡ ድማ ኣብ ማእኸል እሾዅ ወደቐ፤ እቲ እሾዅ ዓብዩ ሓነቖ።(ሀ)

8ገሊኡ ግና ኣብ ፅቡቕ መሬት ወደቐ፤ ገሊኡ ሚእቲ፥ ገሊኡ ስሳ፥ ገሊኡ ሰላሳ ድማ ፈረየ።

9ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።”

10ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም “ስለ ምንታይ ኢኻ ብምስላ እትዛረቦም ዘለኻ?” በልዎ።

11ኢየሱስ ከዓ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት፥ ንኣኻትኩም ተውሂቡ ኣሎ፤ ንኣኣቶም ግና ኣይተውሃቦምን።

12ንዘለዎ ይወሃቦ ይበዝሐሉውን፤ ንዘይብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የሕድግዎ።

13እናረአዩ ኣይሪኡን፤ እናሰምዑውን ኣይሰምዑን፤ ወይ ኣየስተውዕሉን እዮም እሞ፥ ስለዙይ እየ ብምስላ ዝዛረቦም ዘለኹ።

14‘በእዛኖም ከይሰምዑ ኣእዛኖም ኣፅመሙ፤ በዒንቶም ከይሪኡ ኣዒንቶም ዓመቱ፤ ብልቦም ከየስተውዕሉ፥ ከይምለሱ፥ ኣነውን ከየሕውዮምስ፥(ለ) ልቢ እዝ ህዝቢ እዙይ ተሪሩ እዩ እሞ፥ ምስማዕስ ትሰምዑ ኢኹም፤ ግና ኣይተስተውዕሉን፤ ምርኣይውን ትሪኡ ኢኹም፤ ግና ኣይተስተብህሉን፤’ ዝብል ትንቢት ኢሳይያስ፥ ኣብኣቶም ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።

16“ንስኻትኩም ግና ኣዒንትኹም ይሪኣ፤ ኣእዛንኩምውን ይሰምዓ ኣለዋ እሞ ብፁኣን ኢኹም።

17ብዙሓት ነቢያትን ፃድቃንን፥ ነዝ ንስኻትኩም እትሪእዎ ዘለኹም፥ ክሪእዎ ተመንዮም ከም ዘይረአይዎ፥ ነዝ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘለኹም፥ ክሰምዑዎ ተመንዮም ከም ዘይሰምዑዎ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።

18“እምበኣር ንስኻትኩም ናይቲ ዘራኢ ምስላ ስምዑ።

19ዅሉ ቓል መንግስተ ሰማያት ሰሚዑ ዘየስተውዕሎ፥ እቲ እኩይ መፂኡ፥ ነቲ ኣብ ልቡ ዝተዘርአ ቓል ይምንጥሎ፤ ስለዙይ እቲ ኣብ ወሰን መንገዲ ዝተዘርአ እዙይ እዩ።

20እቲ ኣብ ኰዅሒ ዝተዘርአ ግና፥ ነቲ ቓል ሰሚዑ ሽዑ ብሓጐስ ዝቕበሎ ሰብ እዩ።

21እንተ ኾነ ሱር ስለ ዘይብሉ ንጊዜኡ እዩ እምበር፥ ስለ እቲ ቓል ስደት ወይ መከራ ምስ ኮነ፥ ሽዑ ንሽዑ ይኽሕድ።

22እቲ ኣብ እሾዅ ዝተዘርአ ኸዓ፥ ነቲ ቓል ዝሰምዖ እዩ። ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣን፥ ሓሳብን ምትላል ሃብትን ድማ፥ ነቲ ቓል ይሓንቆ፤ እንተይፈረየውን ይተርፍ።

23እቲ ኣብ ፅቡቕ መሬት ዝተዘርአ ግና፥ እቲ ነዝ ቓል ሰሚዑ ዘስተውዕል እዩ፤ ንሱውን ፍረ ይፈሪ፤ ገሊኡ ሚእቲ፥ ገሊኡ ስሳ፥ ገሊኡውን ሰላሳ ይህብ እዩ።”

24ካልእ ምስላ ድማ ኸምዙይ ኢሉ ነገሮም፦ “መንግስተ ሰማያት፥ ኣብ ግራቱ ፅቡቕ ዘርኢ ዝዘርአ ሰብ እያ እትመስል።

25እቶም ቤተሰቡ ደቂሶም እንተለዉ፥ ፀላኢኡ መፂኡ፥ ኣብቲ ማእኸል ስርናይ ክርዳድ ዘሪኡ ኸደ።

26እቲ በቝሊ ዓብዩ ምስ ፈረየ ሽዑ እቲ ኽርዳድ ተርኣየ።

27ኣገልገልቲ እቲ በዓል ግራት መፂኦም ‘ጐይታይ! ኣብ ግራትካ ፅሩይ ዘርኢዶ ዘሪእኻ ኣይነበርካን? እዝ ኽርዳድ ደኣ ኻበይ መፀ?’ በልዎ።

28‘ነዙይስ ፀላኢ እዩ ዝገበሮ’ በሎም፤ እቶም ኣገልገልቱ ግና፥ ‘እምበኣር ኬድና ኽንፃህዮዶ ትደሊ ኢኻ?’ በልዎ።

29ንሱ ድማ ‘ክርዳድ ክትፃህዩ እንተለኹም ምስኡ ስርናይ ከይትብቍሱስ፥

30ክሳዕ ቐውዒ ብሓደ ይዕበዩ ሕደግዎም፤ ብእዋን ቀውዒ ነቶም ዓፃዶ፥ ቅድም ነቲ ኽርዳድ በቁስዎ፤ ክነድድ ድማ በብእንዳእቲ እሰርዎ፤ ነቲ ስርናይ ግና፥ ኣብ ቆፎይ ኣእትውዎ’ ኽብሎም እየ” በሎም።

31ካልእ ምስላ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መሰለሎም፦ “መንግስተ ሰማያት፥ ሰብ ወሲዱ ኣብ ግራቱ ዝዘርኣ፥ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል።

32ንሳ ድማ ኻብ ኵሉ ኣዝርእቲ ትንእስ፥ ምስ በቘለት ግና ኣዕዋፍ ሰማይ መፂአን፥ ኣብ ጨናፍራ ኽሳዕ ዘዕርፋ፥ ካብ ኵሉ ተኽሊ ኣሕምልቲ ዝዓበየት ኦም ትኸውን።”

33ካልእ ምስላውን ነገሮም፤ “መንግስተ ሰማያት ሰበይቲ ወሲዳ፥ ኵሉ ኽሳዕ ዝበኵዕ፥ ኣብ ሰለስተ መስፈሪ ሕሩጭ ዝለወሰትሉ፥ ማይ ብሒቝ ትመስል።”

34ኢየሱስ እቲ ብነቢይ “ኣፈይ ብምስላ እኸፍት፤ እቲ ዓለም ካብ ዝፍጠር ተሰዊሩ ዝነበረውን እነግር” ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ነቶም ህዝቢ እዝ ዅሉ ብምስላ ተዛረቦም እምበር፥ ብዘይ ምስላስ ሓንቲ እኳ ኣይተዛረቦምን።

36ድሕሪዙይ ነቶም ህዝቢ ኣፋንዩ ናብ ገዛ ኣተወ፤ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብኡ ቐሪቦም፥ ምስላ ናይቲ ኽርዳድን ስርናይን ግራትን ተርጕመልና በልዎ።

37ንሱ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “እቲ ፅሩይ ዘርኢ ዝዘርእ ወዲ ሰብ እዩ፤

38እታ ግራት ዓለም እያ፤ ፅሩይ ዘርኢ ድማ፥ ደቂ መንግስቲ እዮም፤ እቲ ኽርዳድ ግና፥ ደቂ እቲ እኩይ እዮም።

39እቲ ዝዘርኦም ፀላኢ ኸዓ፥ ዲያብሎስ እዩ፤ ቀውዒ ድማ፥ መወዳእታ ዓለም እዩ፤ እቶም ዓፃዶውን፥ መላእኽቲ እዮም።

40እምበኣር ነቲ ኽርዳድ ኣኪቦም ብሓዊ ኸም ዘቃፅልዎ፥ ኣብ መወዳእታ ዓለም ከዓ ኸምኡ ክኸውን እዩ።

41ወዲ ሰብ ንመላእኽቱ ኽልእኾም እዩ፤ ንሳቶም ከዓ ንዅሎም ነቶም ምኽንያት ሓጢኣት ዝኾኑን፥ ገበርቲ ኽፉእን፥ ካብ መንግስቱ ኽኣርይዎም እዮም።

42ናብ እቶን ሓዊ ድማ ኽድርብይዎም እዮም፤ ኣብኡ ድማ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ።

43ሽዑ ፃድቃን ኣብ መንግስቲ ሰማያዊ ኣቦኣቶም ከም ፀሓይ ክበርሁ(ሐ) እዮም፤ ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።

44“መንግስተ ሰማያት፥ ኣብ ግራት ዝተሓብአ ሃብቲ እሞ፥ ሓደ ሰብ ምስ ረኸቦ ዝሓብኦ፥ ካብ ታሕጓሱ ዝተልዓለ ኸዓ፥ ከይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ፥ ነታ ግራት ዝዕድግ ትመስል።

45“ከምኡ ድማ መንግስተ ሰማያት፥ ክቡር ዕንቊ ዝደሊ ነጋዳይ ሰብ እሞ፥ ሓንቲ ኽብርቲ ዕንቊ ምስ ረኸበ፥ ከይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ፥ ነታ ዕንቊ ዝዕድጋ ትመስል።

47“ከምኡውን መንግስተ ሰማያት፥ ኣብ ባሕሪ ዝተዘርግሐት እሞ፥ ካብ ኵሉ ዓይነት ዓሳ ዝኣከበት መርበብ ትመስል።

48ምስ መልአት ናብ ደንደስ ኣውፅእዋ፤ ተቐሚጦም ድማ ፀፅቡቑ ኣርዮም ኣብ ኣቕሓ ኣከቡ፤ ነቲ ሐሕማቑ ግና ንወፃኢ ደርበይዎ።

49ኣብ መወዳእታ ዓለም ከዓ ኸምኡ ክኸውን እዩ፤ መላእኽቲ መፂኦም ነቶም ክፉኣት፥ ካብ ማእኸል ፃድቃን ክፈልይዎም እዮም።

50ናብ እቶን ሓዊውን ክድርብይዎም እዮም፤ ኣብኡ ኸዓ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ።”

51ኣስዒቡ ኸዓ “ነዝ ዅሉስ ተረዲእኹምዎዶ?” በሎም። ንሳቶም ድማ “እወ” በልዎ።

52ንሱ ኸዓ “እምበኣርከስ ኵሉ ናይ መንግስተ ሰማያት ደቀ መዝሙር ዝኾነ መምህር ሕጊ፥ ካብ መዝገቡ ሓድሽን ብሉይን ነገራት ዘውፅእ፥ በዓል ገዛ እዩ ዝመስል” በሎም።

53ኢየሱስ ነዘን ምስላታት እዚኣተን ምስ ፈፀመ ኻብኡ ኣግለሰ።

54ናብ ዓዱ መፂኡ ኸዓ፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ(መ) ኣትዩ፥ ከምዙይ ኢሎም ክሳዕ ዝድነቑ መሃሮም፦ “እዝ ሰብ እዙይ፥ እዝ ዅሉ ጥበብን፥ እዝ ዅሉ ተኣምራትን ካበይ ረኸቦ?

55ወዲ እቲ ፀራቢዶ ኣይኮነን? እኖኡስ ማርያምዶ ኣይኮነትን? ኣሕዋቱስ ያእቆብ፥ ዮሳ፥ ስምኦን፥ ይሁዳዶ ኣይኮኑን?

56ኵለን ኣሓቱስ እተን ምሳና ዘለዋዶ ኣይኮናን? እዝ ዅሉ [ጥበብን ሓይልን] ደኣ ኻበይ ኣምፅኦ?” በሉ፤

57ብእኡ ኸዓ ተዓንቀፉ። ኢየሱስ ግና “ነቢይ፥ እንትርፊ ኣብ ዓዱን ኣብ ገዛኡን ኣይነዓቕን” በሎም።

58ብሰንኪ ጕድለት እምነቶም ድማ፥ ኣብኡ ብዙሕ ተኣምራት ኣይገበረን።

ትርጓሜ

13:1-23 የሱስ ናብ ሓንቲ ጃልባ ኣተወ፣ እዚ ድማ ካብቶም ሰባት ንኸይጸበበን፣ ንሱ ድማ ብዝበለጸ ክሰምዕዎ ምእንቲ እዩ። በዚ ድማ ንዓና፣ ኣብ ወጻኢኣዊ ኩነታት ኣምልኾ፣ ንክብሪ ዝዀነ ነገር ከይንመነ፣ የግዳስ ኣምላኽ ብምስትምቓሩ ዝሃበና ምቹኣት ኩነታት ብዝግባእ ክንጥቀመሉ የምህረና። ክርስቶስ ብምሳሌታት መሃረ። በዚ ድማ እቲ ናይ ኣምላኽ ነገር ነቶም ክምሃሩ ዝደልዩ ዝያዳ ግልጽን ቀሊልን ኰነ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ነቶም ብፍቓዶም ዘይፈልጡ ዝያዳ ኣጸጋምን ሕቡእን ኰነ። ምሳሌ ዘራኢ ግልጺ እዩ። እቲ ዝተዘርኤ ዘርኢ ቃል ኣምላኽ እዩ። እቲ ዘራኢ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፣ ብርእሱ ወይ ድማ ብኣገልገልቱ እዩ። ንብዙሓት ሰባት ምዝራብ ከም ዘርኢ ምዝራእ እዩ፤ ኣበይ ከም ዝወድቕ ኣይንፈልጥን። ገሊኡ ዓይነት ምድሪ፣ ክንደይ ምጽዓር እንተገበርናሉ እኳ፣ ንዝግባእ ፍረ ኣየፍርን፣ ጽቡቕ ምድሪ ግና ብዙሕ የፍሪ። ከምኡ ድማ ብልቢ ሰባት እዩ፣ ፍሉያት ባህርያቶም ኣብዚ ብኣርባዕተ ዓይነት ምድሪ ተገሊጾም። እቶም ግዲ ዘይብሎምን ፍሽዅቶምን ሰማዕቲ ንሰይጣን ቀሊል ምግቢ እዮም። ንሱ ድማ ዓብዪ ቀታል ነፍሳት ብምዃኑ፣ ከምኡ ድማ ዓብዪ ሰራቒ ስብከታት እዩ፣ ነቲ ቃል ክንሕልዎ እንተዘይተጠንቂቕና፣ ከም ዝሰርቀና ድማ ርግጸኛ እዩ። ግብዞታት፣ ከምቲ እምነታም ምድሪ፣ ኣብ ምልክታት ምስክርነት ንቕኑዓት ክርስትያናት ብዙሕ ግዜ ይቀድምዎም። ብዙሓት ጽቡቕ ስብከት ሰሚዖም ዝሕጐሱ እኳ እንተኾኑ፣ ግና ካብኡ ኣይጥቀሙን። ብዛዕባ ናጻ ምድሓን፣ ብዛዕባ መሰላት ምእመንን፣ ብዛዕባ ሓጐስ ሰማይን ይንገሮም። ብዘይ ዝኾነ ለውጢ ልቢ፣ ብዘይ ዝኾነ ነባሪ ምእማን ብርእሶም ዘሎ ጥፍኣት፣ ድሌቶም ንመድሓኒ፣ ወይ ድማ ልዕልና ቅድስና፣ ቅድሚኡ ንዘይተረጋገጸ ምትእምማን ቅልጡፍ ይሰብኩ። ኰይኑ ግና፣ ገለ ከቢድ ፈተና እንተ ኣስጊድዎም፣ ወይ ድማ ገለ ሓጢኣታዊ ረብሓ እንተ ተረኺቡ፣ ንመስክርነቶም ይሓድጉ ወይ ይሕብኡ፣ ወይ ድማ ናብ ዝቀለለ ስርዓት ይቕይሩ። ምድራዊ ሻቕሎት ብግቡእ ምስ እሾኽ ይመሳሰል፣ ከመይሲ ምስ ሓጢኣት ኣትዮም፣ ፍረ መርገም እዮም። ኣብ ቦታኦም ክፍተት ንምዕጻው ጽቡቓት እዮም፣ ግና ምስኦም ብዙሕ ዝሰርሕ ሰብ ጽቡቕ ክጥይቕ ኣለዎ፤ እዞም እሾኻት የጠላልፉ፣ የጨንቑ፣ የሕክኹ፣ መወዳእታኦም ድማ ምንዳድ እዩ (ዕብ 6:8)። ምድራዊ ሻቕሎት ካብ ቃል ኣምላኽ ንኽንጥቀም ዓብዪ ዕንቅፋት እዩ። ተንኮል ሃብቲ እዩ እቲ መዓት ዘምጽእ፤ ንሳቶም ንዓና የታልሉ ክንበሃል ኣይንኽእልን ንሳቶም ኣብኦም እንተዘይተወኪልና እንተዘይኮይኑ፣ ሽዑ ንጽቡቕ ዘርኢ የሕንቑዎ። ንጽቡቕ ምድሪ ዝፈልዮ ፍረኣውነት እዩ። በዚ ድማ ንቕኑዓት ክርስትያናት ካብ ግብዞታት ይፍለዩ። ክርስቶስ እዚ ጽቡቕ ምድሪ ኣእማን ወይ እሾኽ የብሉን ኣይበለን፤ የግዳስ ንፍረኣውነቱ ዝዓግት የብሉን። ኩሎም ሓደ ኣይኮኑን፤ ብዙሕ ፍረ ንምፍራይ ናብ ላዕለዋይ ክንጥምት ኣለና። ስምዒት ምስማዕ ካብ ምስማዕ ቃል ኣምላኽ ንላዕሊ ብዝበለጸ ክጥቀም ኣይከኣልን፤ እንታይ ዓይነት ሰማዕቲ ምዃንና ምእንቲ ክንፈልጥ ድማ ንርእስና ንመርምር።

13:24-30, 36-43 እዚ ምሳሌ እዚ ናይ ወንጌል ቤተ ክርስትያን ናይ ሕጂን ናይ መጻእን ኩነታት፡ ናይ ክርስቶስ ምክንኻኑ፡ ናይ ሰይጣን ጽልኡ ኣብ ልዕሊኣ፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ ምሕዋስ ጽቡቕን ሕማቕን፡ ከምኡ'ውን ኣብታ ካልእ ዓለም ዘሎ ፍልልይ ኣብ መንጎኦም የርኢ። ወደቐ ሰብ ንሓጢኣት ኣዝዩ ዝቐልጥፍ እዩ እሞ፡ ጸላኢ እንተ ዘርኤ ሕንዚ፡ ብዝኸደሉ ይኺድ፡ ኪብቁሉን ክጎድኡን እዮም፤ ግናኸ ጽቡቕ ዘርኢ ምስ ተዘርአ፡ ክሕሎ፡ ክስነ፡ ከምኡ'ውን ክግተም ኣለዎ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6