ወንጌል ሉቃስ 20

BCV aksumትግርኛ46 ፍቕድታት6:37 ስማዕ
ስማዕ 6:37 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ሓደ መዓልቲ ኢየሱስ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ንህዝቢ ኽምህርን፥ ወንጌል ክሰብኽን እንተሎ፥ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን፥ ምስ ዓበይቲ ህዝቢ ኾይኖም ናብኡ መፂኦም፥

2“በየናይ ስልጣን ኢኻ፥ እዙይ እትገብር ዘለኻ? እዝ ስልጣን እዙይከ መን ሃበካ? እስኪ ንገረና?” ኢሎም ጠየቕዎ።

3ንሱ ድማ፦ “ኣነውን ሓንቲ ነገር ክጥይቐኩም ንገሩኒ።

4ጥምቀት ዮሃንስ፥ ካብ ሰማይ ዲዩ ወይ ካብ ሰብ?” በሎም።

5ንሳቶም ከዓ “ ‘ካብ ሰማይ’ እንተ በልናዮ ‘ከመይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ?’ ኽብለና እዩ።

6‘ካብ ሰብ’ እንተ በልናዮ፥ ኵሉ ህዝቢ ዮሃንስ ነቢይ ምዃኑ ይኣምን እዩ እሞ፥ ብእምኒ ኽቕጥቅጠና እዩ” ኢሎም ብልቦም ሓሰቡ።

7ካበይ ምዃኑ ኸም ዘይፈልጡውን መለሱሉ።

8ኢየሱስ ከዓ “ኣነውን በየናይ ስልጣን እዙይ ከም ዝገብር ኣይነግረኩምን እየ” በሎም።

9ኢየሱስ፥ ነቶም ህዝቢ እዝ ምስላ እዙይ ክነግሮም ጀመረ፦ “ሓደ ሰብኣይ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸለ፤ ንሓረስቶት ብብላዕ ሂቡ፥ ናብ ካልእ ዓዲ ኸደ፤ ንነዊሕ ጊዜውን ፀንሐ።

10ኣብ ጊዜ ፍርያት ድማ፥ ካብቲ ፍረ ወይኒ ኽልእኹሉ፥ ሓሽከሩ ናብቶም ሓረስቶት ለኣኸ። እቶም ሓረስቶት ግና፥ ቀጥቂጦም ጥራሕ ኢዱ ሰደድዎ።

11ከምኡውን ካልእ ሓሽከሩ ለኣኸ፤ ንእኡውን ወቒዖም፥ ኣዋሪዶም ጥራሕ ኢዱ ሰደድዎ።

12መሊሱ ኸዓ ሳልሳይ ሓሽከር ለኣኸ፤ ንእኡውን ኣቝሲሎም ንወፃኢ ኣባረርዎ።

13ሽዑ እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ ‘እንታይ ደኣ ኽገብር እየ? ነዝ ዘፍቅሮ ወደይ ደኣ ኽልእኽ፤ ንእኡስ ይሓፍርዎ ግዲ ይኾኑ’(ሀ) በለ።

14እቶም ሓረስቶት ግና ምስ ረአይዎ ንስንሳቶም፥ ‘እዙይ እቲ ወራሲኡ እዩ፤ ርስቱ ምእንቲ ኽንወርስ፥ ንዑ ንቕተሎ’ ተበሃሃሉ።

15ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ፥ ንደገ ኣውፂኦም ድማ ቐተልዎ። እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ መፀ፥ እንታይ ኮን ክገብሮም እዩ?

16መፂኡ ነቶም ሓረስቶት ይቐትሎም፤ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን፥ ንኻልኦት ይህቦ” በሎም። እዙይ ምስ ሰምዑ “ከምዙይስ ኣይኹን” በሉ።

17ንሱ ግና ናብኣቶም እናጠመተ¶ “ ‘እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፥ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ’ ዝብል ፅሑፍ፥ እንታይ ማለት ድዩ?

18ኵሉ ኣብቲ እምኒ እቱይ ዝወደቐ ኽስበር፥ እቲ እምኒ እቱይ ኣብ ልዕሊኡ ዝወደቖ ድማ፥ ክጭፍለቕ እዩ” በሎም።

19ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ከዓ፥ ነዝ ምስላ እዙይ ብዛዕባኣቶም ከም ዝተዛረቦ ስለ ዝፈለጡ፥ በታ ሰዓት እቲኣ ኽሕዝዎ ደለዩ፤ ግና ነቶም ህዝቢ ፈርሑ።

20ተፀናፂኖም ብዘረባኡ ኸጋግይዎ እሞ፥ ናብቲ ሮማዊ በዓል ስልጣን ንፍርዲ ኣሕሊፎም ምእንቲ ኽህብዎ፥ ቅኑዓት መሲሎም ዝፀናፀኑ ሰለልቲ ሰደዱሉ።

21እቶም ሰለልቲ ኸዓ፥ “መምህር፥ ብቕኑዕ፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ከም እትምህር ደኣ እምበር፥ ንዝኾነ ገፅ ሰብ ርኢኻ ኸም ዘይተዳሉን፥ ሓቂ ኸም እትዛረብን ከም እትምህርን ንፈልጥ ኢና።

22ንቄሳር ግብሪ ኽንከፍል ግቡእ ድዩ ወይ ኣይኮነን?” ኢሎም ጠየቕዎ።

23ኢየሱስ ግና ተንኰሎም ፈሊጡ፥ “ንምንታይከ ትፍትኑኒ ኣለኹም?

24እስኪ እቲ ዲናር ኣርእዩኒ፤ ምስሉን ፅሕፈቱን ናይ መን እዩ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ናይ ቄሳር” በልዎ።

25ንሱ ድማ “እቲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፥ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ድማ ንእግዚኣብሄር ሃቡ” በሎም።

26ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ፥ ብዘረባኡ ኣጋግዮም ክሕዝዎ ስለ ዘይከኣሉ፥ በቲ መልሱ ተገሪሞም ስቕ በሉ።

27ካብቶም ትንሳኤ ሙታን የለን ዝብሉ ሰዱቃውያን ገሊኣቶም ናብኡ መፂኦም፥

28“ኦ መምህር ‘ሰበይቲ ዘላቶ ሓደ ሰብ፥ ውሉድ ከይሓደገ እንተ ሞተ፥ ሓዉ ነታ ሰበይቱ ይውረሳ እሞ፥ ንሓዉ ዘርኢ የቑመሉ’ ኢሉ ሙሴ ፅሒፉልና ኣሎ።

29እምበኣር ኣባና ሸውዓተ ኣሕዋት ነይሮም፤ እቲ ቐዳማይ ሰበይቲ ኣእቲዩ እንተይወለደ ሞተ።

30እቲ ኻልኣይ ድማ ኣእተዋ፥ ንሱውን እንተይወለደ ሞተ።

31እቲ ሳልሳይ ድማ ኣእተዋ፥ ከምኡውን ሸውዓቲኦም ኣእትዮምዋስ፥ ውሉድ እንተይሓደጉ ሞቱ።

32ድሕሪ ዅሎም ድማ፥ እታ ሰበይቲ ሞተት።

33እምበኣርከስ ሸውዓቲኦም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፥ እታ ሰበይቲ እቲኣ፥ ብትንሳኤ ሙታን፥ ሰበይቲ ኣየንኦም ክትከውን እያ?” ኢሎም ጠየቕዎ።

34ኢየሱስ ከዓ “ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ፥ የውስቡን ይዋሰቡን እዮም።

35እቶም ነታ ዓለም እቲኣን፥ ንትንሳኤ ሙታን ንምውራስን ዝበቕዑ ግና፥ ኣየውስቡን ኣይዋሰቡን እዮም።

36ከም መላእኽቲ ክኾኑ እዮምሞ፥ ድሕሪኡ ኣይሞቱን፤ ደቂ ትንሳኤ ስለ ዝኾኑ ድማ፥ ደቂ እግዚኣብሄር እዮም።

37ምውታን ከም ዝትስኡ ግና፥ ሙሴ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቈጥቋጥ፥ ንእግዚኣብሄር ‘ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ’ ብምባሉ ኣፍለጠ።

38እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ ህያዋን እምበር፥ ኣምላኽ ሙታን ኣይኮነን፤ ንእኡ ዅሎም ህያዋን እዮም እሞ” በሎም።

39ገሊኣቶም መምህራን ሕጊ ድማ “መምህር ፅቡቕ ተዛሪብካ” ኢሎም መለሱሉ።

40ካብኡ ንደሓር ግና፥ ሓንቲ እኳ ኽጥይቕዎ ኣይደፈሩን።

41ድሕሪዙይ ኢየሱስ ከምዙይ በሎም፦ “ከመይ እዩ ‘ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ’ ዝብሉ?

42ዳዊት ባዕሉ፥ ኣብ መፅሓፍ መዝሙር ‘ጐይታ ንጐይታይ፥ ንፀላእትኻ ትሕቲ መርገፂ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፥ ኣብ የማነይ ተቐመጥ በሎ’ ይብል።

44እምበኣር ባዕሉ ዳዊት ‘ጐይታይ’ ካብ በሎ ደኣ፥ ከመይ ኢሉ ወዱ ይኾኖ?”

45ኢየሱስ ኵሉ እቲ ህዝቢ እናሰምዐ እንተሎ ንደቀ መዛሙርቱ፦

46“ነዊሕ ቀሚሽ ተኸዲኖም ክዞሩ ኻብ ዝደልዩ፥ ኣብ ዕዳጋ ሰብ ኢድ ክነስአሎም፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣውራ መቐመጢ፥ ኣብ ምሳሕውን ዝለዓለ ስፍራ ዝፈትዉ፥

47ኣብያተ መበለታት ዝብዝብዙ፥ ንምኽንያትውን ፀሎት ካብ ዘንውሑ መምህራን ሕጊ ተጠንቀቑ፤ ንሳቶም ብርቱዕ ቅፅዓት ክረኽቡ እዮም” በሎም።

ትርጓሜ

ሉቃስ 20:1-8

ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ንመርኣያታት ምግላጽን ንሓቅነት ወንጌልን ክምርምሩ ከም ዝደልዩ ይሕበሩ፣ እንተኾነ ግና ንዘይምእማኖምን ንዘይምእዛዞምን መመኽነይታታት ጥራይ ይደልዩ። ክርስቶስ ነዞም ካህናትን ጸሓፍትን ብዛዕባ ጥምቀት ዮሃንስ፡ እቲ ህዝቢ ክምልሶ ዝኽእል ዝነበረ ንጹር ሕቶ መለሰሎም። እቲ ጥምቀት ካብ ሰማይ ምዃኑ ኩሎም ይፈልጡ ነበሩ፣ ኣብኡ ድማ ገለ ምድራዊ ዝንባለ ኣይነበሮን። እቶም ዘለዎም ፍልጠት ዝቐብሩ ሰባት፡ ብሓቂ ተወሳኺ ፍልጠት ይኽልኡ። እቶም ጥምቀት ዮሃንስ ካብ ሰማይ ምዃኑ ዝፈልጡ ዝነበሩ፣ ግናኸ ብእኡ ከይኣመኑ፡ ከምኡ እውን ፍልጠቶም ከይገለጹ ንዝነበሩ፡ ክርስቶስ ብዛዕባ ስልጣኑ ምግላጽ ንምእባይ ቅንዕና ነበሮ።

20:9-19 ክርስቶስ ነቶም ስልጣኑ ክፍቀዱ ዘይደለዩ፣ መርትዖኡ ድማ ምሉእ እኳ እንተነበረ፣ እዚ ምሳሌ እዚ ተዛረበ። ክንደይ ዝኾኑኸ ነቶም ነብያት ዝቐተሉን ንክርስቶስ ዝሰቐሉን ኣይሁድ ዝመስሉ ኣለዉ፡ ብጽልኦም ንኣምላኽን ብዘይፍቕዶም ንኣገልግሎቱን፡ ከይተገትኡ ብፍትወቶም ክነብሩ እናደለዩ! እቶም ብቓል ኣምላኽ ዝተረግሑ ኩሎም፡ ንዝረኸብዎም ብልጫታት ቅኑዕ ኣጠቓቕማ ከም ዝገብሩ ይሓልዩ። እቲ ፍርዲ፡ ነቶም ወልድን ዝነጽጉን፡ ከምኡ'ውን ነቶም ንዕኡ ከኽብሩ ዝብሉ እሞ ግና ፍሬኡ በጊዜኡ ዘየቕርቡ፡ ከመይ ዝበለ ዘሰክፍ ይኸውን። እዚ ከምዚ ዝበለ ሓጢኣት ከምዚ ዝበለ መቕጻዕቲ ቅኑዕ ምዃኑ ክሰማምዑ ግዲ እንተኾኑ እኳ፡ ክሰምዕዎ ግና ኣይከኣሉን።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG አንድ ቀንም ሕዝቡን በመቅደስ ሲያስተምር ወንጌልንም ሲሰብክላቸው፥ የካህናት አለቆችና ጻፎች ከሽማግሌዎች ጋር ወደ እርሱ ቀረቡና፦ አማርኛ ENGNIV One day as he was teaching the people in the temple courts and preaching the gospel, the chief priests and the teachers… English BCV ሓደ መዓልቲ ኢየሱስ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ንህዝቢ ኽምህርን፥ ወንጌል ክሰብኽን እንተሎ፥ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን፥ ምስ ዓበይቲ ህዝቢ ኾይኖም ናብኡ መፂኦም፥ ትግርኛ GAZBIB Gaaf tokko Yesus mana qulqullummaa keessatti namoota barsiisaa, wangeelas lallabaa utuu jiruu, luboonni warri angafoonn… Afaan Oromoo BCV GIZ ወእምዝ አሐተ ዕለተ እንዘ ይሜህሮሙ ለሕዝብ በምኵራብ ወይነግሮሙ ቆሙ ላዕሌሁ ሊቃነ ካህናት ወጸሐፍት ወረበናት። giz GAZGAZ Gaaf tokko Yesus mana qulqullummaa keessatti namoota barsiisaa, wangeelas lallabaa utuu jiruu, luboonni warri angafoonn… Afaan Oromoo AMHNIV አንድ ቀን ኢየሱስ ሕዝቡን በቤተ መቅደስ ሲያስተምርና ወንጌልን ሲሰብክ የካህናት አለቆች፣ ጸሐፍትና ሽማግሌዎች ተሰብስበው ወደ እርሱ መጡ፤ አማርኛ SWAHSUV Ikawa siku moja, alipokuwa akiwafundisha watu hekaluni, na kuihubiri habari njema, wakuu wa makuhani na waandishi pamoj… Kiswahili