ወንጌል ሉቃስ 17

BCVትግርኛ36 ፍቕድታት4:52 ስማዕ
ስማዕ 4:52 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ በሎም፦ “መዐንቀፊ ግድን እንተይመፀ ኣይተርፍን እዩ፤ ነቲ ብሰንኩ መዐንቀፊ ዝመፅእ ግና ወይለኡ!

2ኻብዞም ኣናእሽቱ ንሓደ ኻብ ዘስሕትስ፥ እምኒ መጥሓን ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ፥ ናብ ባሕሪ ኽድርበ ምሐሾ።

3ንርእስኹም ተጠንቀቑ፤ ሓውካ እንተ በደለካ ገስፆ፤ እንተ ተናስሐ ሕደገሉ፤

4ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ሻዕ እንተ በደለካ፥ ተናሲሐ እናበለውን፥ ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ሻዕ ናባኻ እንተ ተመለሰ፥ ይቕረ በለሉ።”

5ሃዋርያት ድማ ንጐይታ “እምነት ወስኸና” በልዎ።

6ጐይታ ኢየሱስ ከዓ፦ “ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ እትህልወኩምስ፥ ነዝ ሳግላዙይ ካብ ሱርካ ተበቊስካ፥ ኣብ ባሕሪ ተተኸል እንተ እትብልዎ ምተኣዘዘኩም ነይሩ” በሎም።

7“ካባኻትኩምከ ዝሓርስ ወይ ዝጓሲ ሓሽከር ዘለዎ እሞ፥ ካብ ወፍሪ ምስ ኣተወ፥ ሽዑ ንሽዑ ‘ክትድረር ተቐመጥ’ ዝብሎ መን እዩ?

8‘ድራር ኣዳልወለይ፤ ክሳዕ ዝበልዕን ዝሰትን ከዓ፥ ተዓጢቕካ ኣገልግለኒ፤ ድሕሪኡ ንስኻውን ብላዕ፥ ስተ እንዶ ኣይኮነን’ ዝብሎ?

9ወይ ከዓ እቲ ሓሽከር እቱይ፥ ዝተኣዘዞ ስለ ዝገበረስ የመስግኖዶ ይመስለኩም?(ሀ)

10ከምኡ ድማ፥ ንስኻትኩም ኵሉ ዝተኣዘዝኩምዎ ምስ ገበርኩም፥ ‘ንሕና ዘይንጠቅም ኣገልገልቲ ኢና፤ እቲ ኽንገብሮ ዝግብአና ኢና ዝገበርና በሉ’ በሎም።”

11ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ እንተሎ ድማ፥ ብማእኸል ሰማርያን ገሊላን ሓለፈ።

12ንሱ ናብ ሓንቲ ዓዲ ኽኣቱ እንተሎ ኸዓ፥ ርሒቖም ደው ዝበሉ፥ ዓሰርተ ለምፃማት ተራኸብዎ።

13ድምፆም ዓው ኣቢሎምውን “ኦ ኢየሱስ፥ ኦ መምህር፥ ራህርሀልና!” በልዎ።

14ንሱ ኸዓ ምስ ረአዮም፥ “ኪዱ፥ ንባዕልትኹም ንኻህን ኣርእዩ” በሎም። ክኸዱ እንተለዉ ኸዓ ነፅሁ።

15ካብኣቶም ሓደ ኸም ዝሓወየ ምስ ረአየ፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ፥ ንእግዚኣብሄር እናመስገነ ተመለሰ።

16እናመስገኖ ኸዓ፥ ኣብ እግሪ ኢየሱስ ብግምባሩ ተደፍአ። ንሱ ድማ ሳምራዊ ነበረ።

17ኢየሱስ ከዓ፦ “ዝነፅሁ ዓሰርተዶ ኣይነበሩን? እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ ኣለዉ?

18እንትርፊ እዝ ኻልእ ዝዓሌቱ፥ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ኽህብ ዝተመለሰዶ የለን?” በለ።

19ብድሕሪዙይ “ተስእ እሞ ኺድ፤ እምነትካ ኣሕውያትካ ኣላ” በሎ።

20ፈሪሳውያን፥ “መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ መኣዝ እያ እትመፅእ?” ኢሎም ጠየቕዎ እሞ፥ “መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ብምፅብባይ ኣይትመፅእን፤ ኣብዙይ እያ ወይ ኣብቱይ እያውን ኣይብልዋን። መንግስቲ እግዚኣብሄርስ፥ ኣብ ማእኸልኩም(ለ) እኒሃ” ኢሉ መለሰሎም።

22ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ በሎም፦ “ካብ መዓልቲታት ወዲ ሰብ፥ ሓንቲ ኽትሪኡ እትምነዩለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ግና ኣይትሪኡን ኢኹም።

23‘እንሆ፥ ክርስቶስ ኣብዙይ ኣሎ’ ‘ወይ ኣብቱይ ኣሎ’ እንተ በሉኹም ኣይትኺዱ፤ ኣይትከተልዎምውን።

24መብረቕ ካብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ፥ ክሳዕ እቲ ኻልእ ወሰን ሰማይ፥ ከም ዝበርቕን ከም ዘብርህን፥ ወዲ ሰብ ዝመፀሉ መዓልቲ እውን ከምኡ ክኸውን እዩ።

25ኣቐዲሙ ግና ብዙሕ መከራ ኽቕበል፥ በዝ ትውልዲ እዙይውን ክነዓቕ ግድን እዩ።

26ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝኾነ፥ ብዘመን ወዲ ሰብውን ከምኡ ክኸውን እዩ።

27ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ፥ ሰባት ይበልዑን ይሰትዩን፥ የውስቡን ይዋሰቡን ነበሩ፤ ማይ ኣይሂ መፂኡ ድማ፥ ንዅሎም ኣጥፍኦም።

28ብዘመን ሎጥ ድማ ልክዕ ከምኡ፥ ይበልዑን ይሰትዩን፥ ይሸጡን ይዕድጉን፥ ይተኽሉን ይሃንፁን ነበሩ።

29በታ ሎጥ ካብ ሰዶም ዝወፀላ መዓልቲ ድማ፥ ካብ ሰማይ ሓዊን ዲንን ዘኒሙ፥ ንዅሎም ኣጥፍኦም።

30በታ ወዲ ሰብ ዝግለፀላ መዓልቲ ድማ፥ ከምኡ ክኸውን እዩ።

31በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኣብ ናሕሲ ዘሎ፥ ነቲ ኣብ ገዛኡ ዘሎ ኣቕሓ ኽወስድ ኢሉ ኣይውረድ። እቲ ኣብ ግራት ዘሎውን፥ ንድሕሪት ኣይመለስ።

32ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ።

33እቲ ንህይወቱ ኸድሕና ዝደሊ፥ ከጥፍኣ እዩ፤ እቲ ዘጥፍኣ ድማ፥ ከድሕና እዩ።

34በታ ለይቲ እቲኣ፥ ክልተ ሰባት ኣብ ሓንቲ ዓራት ክድቅሱ እዮም፤ እቲ ሓደ ኽውሰድ፥ እቲ ሓደ ድማ ኽሕደግ እዩ።

35ክልተ ኣንስቲ ብሓባር ክጥሕና(ሐ) እየን፤ እታ ሓንቲ ኽትውሰድ፥ እታ ኻልአይቲ ግና፥ ክትሕደግ እያ።

36ክልተ ሰባት ኣብ ሓደ ግራት ክሰርሑ እዮም፤ እቲ ሓደ ኽውሰድ፥ እቲ ኻልኣይ ክሕደግ እዩ እብለኩም ኣለኹ።”

37መሊሶም “ኦ ጐይታ፥ ኣበይከ እዩ?” በልዎ። ንሱ ኸዓ “ኣብቲ ገምቢ ዘለዎ፥ ኣሞራታት ኣብኡ ኽእከቡ እዮም” በሎም።

ትርጓሜ

17:1-10 ዕንቅፋታት ክመጹ እዮም እኳ እንተኾኑ፡ እቲ ዕንቅፋት ብመንገዲኦም ንዝመጸ ሰብሲ፡ በደሉ ኣየውሕዶን እዩ፥ መቕጻዕቱውን ኣየንቅፎን እዩ። ኣብቲ ንኣሕዋትና ይቕረ ምባልና ዝርከቡ ዝኸበዱ ዕንቅፋታት ንምስጋር፡ ኣብቲ ይቕረ ባሃሊ ምሕረት ኣምላኽ ዘሎና እምነት ከተብቅዓና እያ። ከምቲ ኣብ ኣምላኽ ዘይከኣል ነገር የልቦን፥ ከምኡ ድማ ንዝኣምን ኵሉ ይከኣሎ እዩ። ጐይታና ንደቀ መዛሙርቱ ዓሚቝ ትሕትና ኸም ዘድልዮም ኣርኣዮም። እግዚኣብሔር ኣብ ኵሉ ፍጥረት ከምቲ ሓደ ሰብ ኣብ ካልእ ክህልዎ ዘይክእል፡ ከምዚ ዝበለ ምልኩት ኣለዎ። ንኣገልግሎቶም ዕዳ ክህልዎ ኣይክእልን እዩ፥ ከምኡውን ካብኡ ዝኾነ ይኹን ምላሽ ኣይግባኦምን እዩ።

17:11-19

ናይ መንፈሳዊ ለምጺና ምግንዛብ ናብ ክርስቶስ ኣብ እንቀርበሉ ኩሉ እዋን ብዙሕ ትሑታት ክንከውን የሕትተና። ንርእስና ናብ ምሕረት ክርስቶስ ምውካል እኹል እዩ፣ ምኽንያቱ ኣይመውቕን እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6