1እንሆ፥ ኵሎም ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን፥ ክሰምዕዎ ናብ ኢየሱስ ቀረቡ።
2ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን ድማ “እዙይስ ንሓጥኣን ይቕበል፤ ምስኣቶምውን ይበልዕ” እናበሉ ኣጕረምረሙ።
3ሽዑ ኸምዙይ ኢሉ መሰለሎም፦
4“ካባኻትኩም ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ እሞ፥ ካብኣተን ሓንቲ እንተ ጠፍአቶ፥ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ሓዲጉ፥ ነታ ዝጠፍአት ክሳዕ ዝረኽባ፥ ክደሊ ዘይኸይድ ኣየናይ ሰብ እዩ?
5ምስ ረኸባ ድማ፥ ተሓጒሱ ኣብ ማእገሩ ይሕንግራ።
6ናብ ገዛኡ ምስ ተመለሰ ድማ፥ ነዕርኽቱን ንጐረባብቱን ብሓባር ፀዊዑ፥ ‘እታ ዝጠፍአትኒ በጊዐይ ረኺበያ እየ እሞ፥ ምሳይ ተሓጐሱ’ ይብሎም።
7ከምኡ ኸዓ ንስሃ ኻብ ዘይደልዩ ተስዓን ትሽዓተን ፃድቃን፥ ብዝንሳሕ ሓደ ሓጥእ፥ ኣብ ሰማይ ዓብዪ ሓጐስ ክኸውን እዩ፥ እብለኩም ኣለኹ።
8“ከምኡውን ዓሰርተ ቐለበት ብሩር ዘለዋሞ፥ ሓንቲ ቐለበት ብሩር እንተ ጠፍአታ፥ መብራህቲ ኣብሪሃ ገዛኣ ዘይትዅስትር፥ ክሳዕ እትረኽባ ድማ፥ ብጥንቃቐ ዘይትደሊ ኣየነይቲ ሰበይቲ እያ?
9ምስ ረኸበታ ድማ፥ ‘እታ ዝጠፍአትኒ ብሩረይ ረኺበያ እየ እሞ፥ ምሳይ ተሓጐሳ’ እናበለት ንመሓዙታን ንጐረባብታን ትፅውዕ።
10ከምኡ ኸዓ ብሓደ ዝንሳሕ ሓጥእ፥ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ እግዚኣብሄር፥ ሓጐስ ክኸውን እዩ እብለኩም ኣለኹ።”
11ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ።
12እቲ ንእሽተይ ነቦኡ ‘ኣቦይ፥ ካብ ገንዘብካ እቲ ዝብፅሐኒ ግደይ ሃበኒ’ በሎ፤ ንሱ ኸዓ፥ ነቲ ገንዘቡ መቒሉ ሃቦ።
13ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ ድማ እቲ ንእሽተይ ወዲ፥ ኵሉ ገንዘቡ ኣኪቡ፥ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ። ኣብኡ ድማ ነቲ ገንዘቡ፥ ብስድነትን ብስኽራንን በተኖ።
14ኵሉ ገንዘቡ ምስ ወድአ፥ ኣብታ ሃገር ብርቱዕ ጥሜት ኮነ፤ ንሱውን ተፀገመ።
15ከይዱውን ካብቶም ደቂ እታ ሃገር፥ ኣብ ሓደ ተቘፀረ፤ ንሱ ድማ ሓሰማታት ክጓሲ ናብ ወፍሩ ሰደዶ።
16ካብቲ ሓሰማታት ዝቕለባኦ ዝነበራ ቛርፍ ክበልዕ ድማ፥ ሃረር ይብል ነበረ፤ እንተ ኾነ ሓደኳ ዝህቦ ኣይረኸበን።
17ሽዑ ናብ ልቡ ተመሊሱ ‘እንጀራ ዝተርፎም ኣገልገልቲ ኣቦይ ክንደይ እዮም፤ ኣነ ግና ኣብዙይ ብጥሜት እመውት ኣለኹ።’
18ተሲአ ደኣ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እሞ፦ ኣቦይ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሜኻን፥ ሓጢኣት ገይረ እየ።
19‘ደጊም ወድኻ ኽበሃል ኣይግብአንን እዩ፤ ካብቶም ሓሻኽርካ ኸም ሓደ ቝፀረኒ ኽብሎ እየ’ በለ።
20ተሲኡ ድማ ናብ ኣቦኡ ተመለሰ፤ ኣቦኡ ኸዓ፥ ገና ኣብ ርሑቕ እንተሎ ረአዮ እሞ ራህርሀሉ፤ ጐይዩ ድማ ኽሳዱ ሓቝፉ ሰዓሞ።
21እቲ ወዱ ድማ፥ ‘ኣቦይ! ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሜኻን፥ ሓጢኣት ገይረ እየ፤ ደጊምስ ወድኻ ኽበሃል ኣይግብአንን’ በሎ።
22ኣቦኡ ግና ንሓሻኽሩ ‘ዝበለፀ ኽዳን ብቕልጡፍ ኣምፂእኹም ክደንዎ፤ ቀለበት ኣብ ኣፃብዕቱ፥ ኣሳእንውን ኣብ ኣእጋሩ ግበሩሉ፤
23ስቡሕ ዝራብዕ ኣምፂእኹም ሕረዱሞ፥ ንብላዕ፤ ንተሓጐስ፤
24እዝ ወደይ ሞይቱ ነይሩ፥ ሓውዩ፤ ጠፊኡ ነይሩውን፥ ተረኺቡ እዩ እሞ’ በሎም። ክሕጐሱ ድማ ጀመሩ።
25“እቲ ዓብዪ ወዱ ግና፥ ኣብ ወፍሪ ነበረሞ፥ መፂኡ ኣብ ጥቓ ገዛ ምስ ቀረበ፥ ሙዚቃን ጐይላን ሰምዐ።
26ካብቶም ሓሻኽር ኣቦኡ ንሓደ ፀዊዑ ‘እዝ ዝሰምዖ ዘለኹ እንታይ እዩ?’ ኢሉ ጠየቖ።
27ንሱ ኸዓ፥ ‘እቲ ሓውካ ስለ ዝመፀ እሞ፥ ኣቦኻ ብዳሕንኡ ስለ ዝረኸቦ፥ ስቡሕ ዝራብዕ ሓሪዱሉ’ በሎ።
28ንሱ ግና ዀርዩ ምእታው ኣበየ፤ ኣቦኡ ኸዓ ወፂኡ ለመኖ።
29ንሱ ግና ነቦኡ፦ ‘እንሆ ኽንድዙይ ዝኣክል ዓመታት ኣገልጊለካ፤ ካብ ትእዛዝካውን ፈፂመ ኣይሓለፍኩን፤ እንተ ኾነ ንኣይ ምስ ኣዕርኽተይ ዝሕጐሰሉ፥ ሓደ ማሕሲእ እኳ ኣይሃብካንን።
30እዝ ምስ ኣመንዝራታት ገንዘብካ ዝበተነ(ሀ) ወድኻ ምስ መፀ ግና፥ ስቡሕ ዝራብዕ ሓሪድካሉ’ በሎ።
31ኣቦኡ ኸዓ፥ ‘ወደይ፥ ንስኻስ ኵልሻዕ ምሳይ ኣለኻ፤ ናተይ ዝኾነ ዅሉ ድማ፥ ናትካ እዩ።
32እዝ ሓውካ ግና ሞይቱ ነይሩ፥ ሓውዩ፤ ጠፊኡ ነይሩውን፥ ተረኺቡ እዩ እሞ፥ ክንሕጐስን ደስ ኽብለናን ይግብአና እዩ’ በሎ።”