ወንጌል ሉቃስ 14

BCV aksumትግርኛ34 ፍቕድታት5:19 ስማዕ
ስማዕ 5:19 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኢየሱስ ብሰንበት፥ ሓደ ኻብ ኣሕሉቕ ፈሪሳውያን ናብ ዝኾነ ሰብ፥ እንጀራ ኽበልዕ ምስ ኣተወ፥ ፈሪሳውያን ይፀናፀንዎ ነበሩ።

2እንሆ፥ ከብዱ ዝተነፍሐ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ።

3ኢየሱስ ንሊቃውንቲ ሕግን ፈሪሳውያንን “ብሰንበት ምፍዋስስ ግቡእ ድዩ ወይ ኣይግቡእን?” ኢሉ ጠየቖም።

4ንሳቶም ከዓ ኣፅቀጡ፤ ንሱ ግና ኣሕውዩ ሰደዶ።

5መሊሱ ድማ፦ “ካባኻትኩምከ ኣድጉ(ሀ) ወይ ብዕራዩ ናብ ጕድጓድ እንተ ወደቐ፥ ሽዑ ንሽዑ ብመዓልቲ ሰንበት ዘየውፅኦ መን ኣሎ?” ኢሉ ጠየቖም።

6ነዝ ነገርዙይውን መልሲ ሰኣኑሉ።

7ነቶም ንምሳሕ ዝተዓደሙ ድማ፥ ዝለዓለ መቐመጢ እንትመርፁ ምስ ረአየ፥ ከምዙይ ኢሉ ብምስላ ነገሮም።

8“ሓደ ናብ መርዓ እንተ ዓደመካ፥ ኣብቲ ዝለዓለ መንበር ኣይትቀመጥ። ምናልባሽ ካባኻ ዝኸብር ካልእ ተዓዲሙ ኸይኸውን እሞ፥

9እቲ ንእኡን ንኣኻን ዝዓደመ መፂኡ፥ ‘እዛ ስፍራ እዚኣ ነዙይ ሕደገሉ’ ኸይብለካ፤ ሽዑ እናሓፈርካ ናብ ታሕተዋይ መቐመጢ ኸይትወርድ።

10ምስ ተዓደምካ፥ ኬድካ ኣብ ዝተሓተ መቐመጢ ተቐመጥ። ሽዑ እቲ ዝዓደመካ መፂኡ ‘ዓርከይ፥ ናብቲ ዝለዓለ መቐመጢ ደይብ’ ይብለካ፤ ሽዑ ኣብ ቅድሚ እቶም ኵሎም ዕዱማት መቓምጥኻ፥ ክብሪ ክኾነካ እዩ።

11ዅሉ ንባዕሉ ዘኽብር ክዋረድ እዩ፤ ንባዕሉ ዘትሕት ግና፥ ክኸብር እዩ እሞ።”

12ኢየሱስ ድማ ነቲ ዝፀውዖ ሰብኣይ ከምዙይ በሎ፦ “ምሳሕ ወይ ድራር እንተ ገበርካ፥ መሊሶም ከይፅውዑኻ እሞ፥ ልቓሕ ምምላስ ከይኾነካ፥ ኣዕርኽትኻ ወይ ኣሕዋትካ፥ ኣዝማድካ ወይ ሃብታማት ጐረባብትኻ ኣይትፀውዕ።

13ምሳሕ እንተ ገበርካስ፥ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ፀውዕ።

14ዝፈድዩኻ የብሎምን እሞ ብፁእ ክትከውን፥ ብትንሳኤ ፃድቃንውን ክትፍደዮ ኢኻ” በሎ።

15ሓደ ኻብቶም ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ነዙይ ምስ ሰምዐ “ኣብ መንግስተ ሰማያት፥ እንጀራ ዝበልዕ ብፁእ እዩ” በለ።

16ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ሓደ ሰብኣይ ዓብዪ ድራር ገበረ፤ ንብዙሓትውን ዓደመ።

17ጊዜ ድራር ምስ ኮነ ድማ፥ ነቶም ዕዱማት፥ ‘ኵሉ ተዳልዩ እዩ እሞ ንዑ’ ኽብሎም ሓሽከሩ ለኣኸ።

18ኵሎም ከዓ ሓቢሮም ከመኻንዩ ጀመሩ። እቲ ቐዳማይ፥ ‘ግራት ዓዲገ ኣለኹ እሞ፥ ናብኣ ወፊረ ኽሪኣ ግድን ስለ ዘድለየኒ፥ ይቕረታ ኽትገብረለይ እልምነካ ኣለኹ’ በሎ።

19እቲ ኻልኣይ ድማ ‘ሓሙሽተ ፅምዲ ብዕራይ ዓዲገ ኣለኹ፤ ክፍትኖም ክኸይድ እየ እሞ፥ በይዛኻ ይቕረታ ክትገብረለይ እልምነካ ኣለኹ’ በሎ።

20እቲ ሳልሳይ ከዓ ‘ሰበይቲ ኣእትየ ኣለኹ እሞ፥ ክመፅእ ኣይክእልን እየ’ በሎ።

21እቲ ሓሽከር ተመሊሱ፥ ነዝ ነገራትዙይ ንጐይታኡ ነገሮ፤ ሽዑ እቲ በዓል ገዛ ተቘጢዑ ነቲ ሓሽከሩ ‘ናብ ኣደባባይን ናብቲ መተሓላለፊ ኸተማታትን ቀልጢፍካ ኺድ፤ ድኻታትን ቈራያትን ዕውራትን ሓንካሳትን፥ ናብዙይ ኣምፅእ’ በሎ።

22እቲ ሓሽከር ከዓ ‘ጐይታይ፥ ከምቲ ዝኣዘዝካኒ ገይረ ኣለኹ፤ ይኹን እምበር ገና ቦታ ኣሎ’ በሎ።

23እቲ ጐይታ ድማ ነቲ ሓሽከሩ ኸምዙይ በሎ፦ ‘ናብ መንገድታትን ፀግዒ ቕፅርታትን ኪድ እሞ፥ ገዛይ ምእንቲ ኽመልእ፥ ግድን ከም ዝመፁ ግበሮም።

24ካብቶም ዝተዓደሙ ሰባት፥ ሓደኳ ንድራረይ ኣይጥዕሞን እዩ፥ እብለኩም ኣለኹ።’ ”

25ብዙሓት ሰባት ምስኡ ክኸዱ እንተለዉ ድማ፥ ምልስ ኢሉ ኸምዙይ በሎም፦

26“ናባይ ክመፅእ ዝደሊ ኣቦኡን እኖኡን ሰበይቱን(ለ) ደቁን ኣሕዋቱን ኣሓቱን፥ ህይወቱውን ከይተረፈ እንተ ዘይፀሊኡ፥ ደቀ መዝሙረይ ክኸውን ኣይኽእልን እዩ።

27መስቀሉ ፆይሩ ደድሕረይ ዘይኽተል፥ ደቀ መዝሙረይ ክኸውን ኣይኽእልን እዩ።

28ካባኻትኩምከ፥ ሓደ ኣዳራሽ ክሰርሕ ዝደሊ እሞ፥ ንምውድኡ ዝኣኽሎ ገንዘብ እንተ ሃልይዎ፥ ኣቐዲሙ ዘይፅብፅብ መን እዩ?

29እንተ ዘይኮነ መሰረት ምስ ሰረተ፥ ምውዳእ እንተ ሰኣነ፥ ኵሎም ዝረአይዎ ‘እዝ ሰብ እዙይ ህንፃ ጀሚሩስ፥ ክፍፅም ኣይከኣለን’ እናበሉ ኽሕጭጩሉ ይጅምሩ።

31ወይ ምስ ካልእ ንጉስ ክዋጋእ ክኸይድ ዝደሊ እሞ፥ ነቲ ብዕስራ ሽሕ ዝመፆ፥ ብዓሰርተ ሽሕ ክዋግኦ ዝኽእል እንተ ኾይኑ፥ ተቐሚጡ ኣቐዲሙ ዘይመክር ኣየናይ ንጉስ እዩ?

32እንተ ዘይኮነ፥ ገና ኣብ ርሑቕ እንተሎ፥ ልኡኻት ናብኡ ሰዲዱ ዕርቂ ይጥይቕ።

33ከምኡ ድማ ነፍሲ ወከፍ ካባኻትኩም፥ ዘለዎ ዅሉ ዘይሓደገ፥ ደቀ መዝሙረይ ክኸውን ኣይኽእልን እዩ።

34ጨው ፅቡቕ እዩ፤ ጨው መቐረቱ እንተ ኣጠፍአኸ፥ ብምንታይ የመቅርዎ?

35ንመሬት ኾነ ንድዅዒ ስለ ዘይጠቅም፥ ናብ ደገ ይድርብይዎ፤” ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ!

ትርጓሜ

14:1-6 እዚ ፈሪሳዊ እዚ፡ ከምኡ'ውን ካልኦት፡ ንየሱስ ኣብ ቤቱ ምእንጋዶም ክፉእ ሓሳብ ዝነበሮም ይመስል። ግናኸ ጐይታና፡ ኣብ ሰንበት እንተገበሮ ወቐሳ ኸም ዝለዓል'ኳ እንተ ፈለጠ፡ ንሓደ ሰብኣይ ካብ ምሕዋይ ኣይተኸልከለን። ንሰንበት ብምሕላው፡ ኣብ መንጎ እምነትን ምሕረትን ዘሎ ቅኑዕ ምትእስሳርን፡ ኣብ መንጎ ናይ ሓቂ ኣድላይነት ስራሕን ናይ ርእስኻ ምፍሻኽ ልምድን ዘሎ ፍልልይ ምስትውዓል ጥንቃቐ የድልዮ። ካብ ላዕሊ ዝወርድ ጥበብ ድማ ኣብ ሰናይ ምግባር ትዕግስቲ ዘለዎ ትግሃት የምህር።

ሉቃስ 14:7-14። ክርስቶስ ኣብቲ ንቡር ዕለታዊ ህይወትና እውን፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ኣኼባታትና ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ መኣድና እውን እንገብሮ ይምዝግብ። ኣብ ብዙሕ ኩነታት፡ ናይ ሰብ ትዕቢት ናብ ትሕትና ከም ዘውርዶ፡ ቅድሚ ክብሪ ድማ ትሕትና ከም ዝኸውን ንርኢ ኢና። ኣዳኝና ኣብዚ፡ ግብርታት ምሕረት ካብ ግብራት ትርኢት ዝበለጸ ከም ዝኾነ የምህር። ግናኸ ጐይታና ትዕቢተኛን ዘይኣማኒን ልግሲ ክኽፈሎ ማለት ኣይነበረን፤ የግዳስ ንነድኦን ንሽጉራትን ሰናይ ምግባር ካብ ፍቕሪ ንእኡ ተበጊስና ክንገብሮ ምዃና እዩ።

14:15-24 ኣብዛ ምስላ እዚኣ፡ ነቲ ኣብ ወንጌል ክርስቶስ ዚበርህን ብነጻ ዝተዋህበን ጸጋን ምሕረትን ኣምላኽ ንዕዘብ። እዚ ድማ ነቲ ናይ ገዛእ ርእሳ ድሌታትን ጸገማትን ንዚፈልጥ ሰብ፡ ንነፍሱ መግብን በዓልን ይኸውን።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6