ወንጌል ሉቃስ 10

BCVትግርኛ42 ፍቕድታት6:20 ስማዕ
ስማዕ 6:20 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ድሕሪዙይ ጐይታ ኻልኦት ሰብዓን ክልተን(ሀ) መረፀ። በብኽልተ ገይሩ፥ ናብቲ ንሱ ክኸዶ ዘለዎ ኸተማን ስፍራን ቀቅድሚኡ ለኣኾም።

2ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ኣዝመራኡ ብዙሕ እዩ፤ ሰራሕተኛታት ግና ውሑዳት እዮም። ስለዙይ ነቲ ጐይታ ኣዝመራ፥ ነዝመራኡ ተወሰኽቲ ሰራሕተኛታት ክልእኽ ለምንዎ።

3ደጊም ኪዱ፤ እንሆ ኣነ ኸም ኣባጊዕ፥ ናብ ማእኸል ተዃሉ እሰደኩም ኣለኹ።

4ሳንጣ ወይ ከረጢት ወይ ኣሳእን ኣይትሓዙ፤ ኣብ መንገዲውን ንሓደ እኳ ሰላም ኣይትበሉ።

5ኣብ እትኣትዉዋ ገዛ ኣቐዲምኩም ‘ነዝ ገዛ እዙይ(ለ) ሰላም ይኹን’ በሉ።

6ኣብኡ ናይ ሰላም ሰብ እንተ ሃልዩ፥ ሰላምኩም ኣብኡ ኽሓድር እዩ። እንተ ዘይሃልዩ ግና፥ ሰላምኩም ናባኻትኩም ክምለስ እዩ።

7ኣብታ ገዛ ኸዓ ተቐመጡ፤ ንሰራሕተኛ ዓስቡ ይግብኦ እዩ እሞ፥ ዘቕረቡልኩም ብልዑን ስተዩን። ካብ ገዛ ናብ ገዛ ኣይትኺዱ።

8ኣብ እትኣትዉዎ ኸተማውን እንተ ተቐበሉኹም፥ ዘቕረቡልኩም ብልዑ።

9ኣብኣ ንዘለዉ ሕሙማት ኣሕውዩ፤ ‘መንግስቲ እግዚኣብሄር ናባኻትኩም ቀሪባ ኣላ’ እውን በልዎም።

10ኣብታ እትኣትዉዋ ኸተማ፥ ሰብ እታ ኸተማ እቲኣ እንተ ዘይተቐበሉኹም ግና፥ ናብ ኣደባባያ ወፂእኹም፥

11‘እቲ ኻብ ከተማኹም፥ ኣብ ኣእጋርና ዝለገበ ሓመድ እኳ፥ ንነግፈልኩም ኣለና። እንተ ኾነ ግና፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ናባኻትኩም ከም ዝቐረበት ፍለጡ’ በልዎም።

12ብመዓልቲ ፍርዲ፥ ካብ ነታ ኸተማ እቲኣስ፥ ንሰዶም ከም ዝቐለላ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።

13“ወይለኺ ኮራዚን! ወይለኺ ቤተ ሳይዳ! እቲ ኣባኻትክን ዝተገብረ ተኣምራት፥ ኣብ ጢሮስን ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዝኸውንስ፥ ወጮ ተኸዲነን፥ ኣብ ሓሙዅሽቲ ተቐሚጠን፥ ቀደም ምተነስሃ ነይረን።

14ብመዓልቲ ፍርዲ ግና፥ ካባኻትክን ንጢሮስን ንሲዶናን ክቐለለን እዩ።

15ኣቲ ቅፍርናሆምውን፥ ክሳዕ ሰማይዶ ልዕል ትብሊ ኣለኺ?(ሐ) ክሳዕ ሲኦል ክትወርዲ ኢኺ።

16እቲ ንኣኻትኩም ዝሰምዕ፥ ንኣይ እዩ ዝሰምዕ፤ እቲ ንኣኻትኩም ዘይቕበል፥ ንኣይ እዩ ዘይቕበል፤ እቲ ንኣይ ዘይቕበል ድማ፥ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዘይቕበል።”

17እቶም ሰብዓን ክልተን ልኡኻት ድማ “ጐይታ! ኣጋንንቲ እኳ፥ ብስምካ ተገዚኦምልና” እናበሉ ብሓጐስ ተመለሱ።

18ኢየሱስ ድማ፦ “ሰይጣን ከም መብረቕ፥ ካብ ሰማይ ክወድቕ እንተሎ ረአኽዎ።

19እንሆ፥ ተመንን ዕንቅርቢትን ኵሉ ሓይሊ ፀላእን ክትረግፁ፥ ስልጣን ሂበኩም ኣለኹ፤ ዝጐድአኩምውን ከቶ የለን።

20ግና፥ ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ ዝተፅሓፈ ደኣ ተሓጐሱ እምበር፥ ርኹሳን መናፍስቲ ስለ ዝተገዝኡልኩም፥ ኣይትተሓጐሱ” በሎም።

21በታ ጊዜ እቲኣ፥ ኢየሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ተሓጕሱ ኸምዙይ በለ፤ “ኦ ኣቦይ! ጐይታ ሰማይን ምድርን፥ ነዙይ ካብ ብልህታትን ካብ ለባማትን ስለ ዝሓባእኻዮ፥ ንህፃናት ድማ ስለ ዝገለፅካዮ፥ አመስግነካ ኣለኹ። እወ፥ ኦ ኣቦ! እዙይ ከምዙይ ክኸውን፥ ፍቓድካ ኾይኑ እዩ እሞ።

22ኵሉ ኻብ ኣቦይ ተውሂቡኒ እዩ። ንወልድ ብዘይ ኣብ፥ መን ምዃኑ ዝፈልጦ ሓደኳ የለን። ንኣብውን ብዘይ ወልድን፥ እቲ ወልድ ክገልፀሉ ዝደለየን እንተ ዘይኮይኑ፥ ኣብ፥ መን ምዃኑ ዝፈልጦ ሓደኳ የለን።”

23ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ግልፅ ኢሉ ኸዓ፥ ንበይናቶም፦ “ነዝ ንስኻትኩም እትሪእዎ ዘለኹም፥ ዝሪኣ ኣዒንቲ ብፁኣት እየን።

24ብዙሓት ነቢያትን ነገስታትን፥ ነዝ ንስኻትኩም እትሪእዎ ዘለኹም ክሪኡ ተመነዩ፤ ግና ኣይረአዩን፤ ነዝ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘለኹምውን፥ ክሰምዑ ተመነዩ፤ ግና ኣይሰምዑን እብለኩም ኣለኹ” በሎም።

25እንሆ ኸዓ ሓደ ምሁር ሕጊ ኽፍትኖ ተሲኡ፥ “መምህር፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስስ፥ እንታይ ክገብር?” በሎ።

26ንሱ ኸዓ “ኣብ ሕጊ ሙሴ እንታይ ተፅሒፉ ኣሎ? እንታይከ ተንብብ?” በሎ።

27ንሱ ድማ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ ብምሉእ ልብኻን፥ ብምሉእ ነፍስኻን፥ ብምሉእ ሓይልኻን፥ ብምሉእ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፤ ንብፃይካ ድማ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር” ኢሉ መለሰሉ።

28ኢየሱስ ከዓ፥ “ፅቡቕ መሊስካ፤ ከምኡ ግበር እሞ፥ ብህይወት ክትነብር ኢኻ” በሎ።

29ንሱ ግና ንባዕሉ ኽመፃደቕ ደልዩ፥(መ) “ብፃየይከ መን እዩ?” በሎ።

30ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “ሓደ ሰብኣይ ካብ ኢየሩሳሌም፥ ናብ ኢያሪኮ ኽወርድ እንተሎ፥ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ። ንሳቶም ገፈፍዎን ቀጥቀጥዎን እሞ፥ ኣብ መንጎ ህይወትን ሞትን ሓዲጎምዎ ኸዱ።

31ሓደ ካህን ድማ፥ በታ መንገዲ እቲኣ ኽወርድ እንተሎ ሪእዎ፥ ዘወር ኢሉ ሓለፈ።

32ከምኡውን ሓደ ሌዋዊ፥ ኣብታ ቦታ እቲኣ ምስ በፅሐ፥ ሪእዎ ዘወር ኢሉ ሓለፈ።

33ሓደ ሓላፊ መንገዲ ሳምራዊ ግና ናብኡ መፀ፤ ምስ ረአዮ ድማ ራህርሀሉ።

34ናብኡ ቐሪቡውን ዘይትን ወይንን፥ ኣብ ቍስልታቱ ኣፍሲሱ ኣሰረሉ፤ ኣብ ኣድጉ ፅዒኑ ድማ፥ ናብ መሕደሪ ኣጋይሽ ወሲዱ ተኸናኸኖ።

35ንፅባሒቱ ድማ ኽልተ ዲናር ኣውፂኡ፥ ነቲ ሓላዊ መሕደሪ ኣጋይሽ ሃቦ እሞ፥ ‘በዝ ገንዘብ እዙይ ተኸናኸኖ፤ ንእኡ ኢልካ፥ ካብዙይ ንላዕሊ እተውፅኦ ዅሉ፥ ምስ ተመለስኩ ክኸፍለካ እየ’ በሎ።

36ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐ፥ ካብ ሰለስቲኦም ብፃይ ዝኾኖ፥ መን ይመስለካ?”

37ንሱ ድማ “እቲ ሰናይ ዝገበረሉ” በሎ፤ ኢየሱስ ከዓ “እምበኣር ኪድሞ፥ ንስኻውን ከምኡ ግበር” በሎ።

38ክኸዱ እንተለዉ ድማ፥ ኢየሱስ ናብ ሓንቲ ዓዲ ኣተወ፤ ማርታ ዝስማ ሓንቲ ሰበይቲ ኸዓ፥ ኣብ ገዛኣ ተቐበለቶ።

39ማርያም እትብሃል ሓፍቲ ድማ ነበረታ፤ ንሳ፥ ኣብ ትሕቲ እግሪ ኢየሱስ ተቐሚጣ፥ ቃሉ ትሰምዕ ነበረት።

40ማርታ ግና ብዙሕ ብምድላው ትደክም ነበረት። ናብኡ ቐሪባ፥ “ኦ ጐይታ! ሓፍተይ ሓዲጋትኒ በይነይ እናሰራሕኹስ፥ ኣየሕዝነካን ድየ? ክትሕግዘኒ እንዶ ንገራ?” በለቶ።

41ኢየሱስ ድማ “ማርታ! ማርታ! ንምንታይ ብብዙሕ ትጭነቒን ትህወኺን ኣለኺ?

42እቲ ዘድሊ ግና፥ ሓደ ጥራሕ እዩ። ማርያምስ ነቲ ዝበለፀ ግደ መሪፃ ኣላ፤ ካብኣ ዝወስደላ ሓደኳ የለን” ኢሉ መለሰላ።

ትርጓሜ

10:1-16 ክርስቶስ ነቶም ሰብዓ ደቀ-መዛሙርቲ ሓድሕዶም ምእንቲ ኺደጋገፉን ኬተባብዑን ክልተ ክልተ ገይሩ ለኣኾም። ኣገልግሎት ወንጌል ንሰባት ንክርስቶስ ከም መስፍንን መድሓኒን ኪቕበልዎ ይዕድም፤ ንሱ ድማ ኣብ ኩሉ እቲ ንእሙናት ኣገልገልቱ ዚልእከሉ ቦታታት ብሓይሊ መንፈሱ ብርግጽ ኪመጽእ እዩ። ግናኸ ናይ እቶም ጸጋ ኣምላኽ ብኸንቱ ዚቕበሉ ፍርዲ ኣዝዩ ዜፍርህ ኪኸውን እዩ። እቶም ንእሙናት ኣገልገልቲ ክርስቶስ ዚንዕቁ፡ ንኣኦም ትሕት ጌሮም ዚሓስቡን ብንዕቀት ዚጥምቱን፡ ከም ንዓቕቲ ኣምላኽን ክርስቶስን ጌርካ ይቑጸሩ።

10:17-24 ኵሉ ዓወትና ኣብ ልዕሊ ሰይጣን ብሓይሊ ካብ የሱስ ክርስቶስ ዝርከብ እዩ፣ ኵሉ ምስጋና ድማ ንእኡ ይግብኦ። ግናኸ ካብ መንፈሳዊ ትዕቢት ንጠንቀቕ፣ ንብዙሓት ዘጥፍአ። ጎይታና ድማ ብዙሓት ነፍሳት ክድሕኑ ብምርኣዩ ተሓጎሰ። እቲ ናይ ሓጎስ ሰዓት ብፍላይ ትኩረት ክወሃቦ ይግባእ ነይሩ፤ ከመይሲ ንሱ ሰብ ስቓይ ስለ ዝነበረ፡ ከምኡ ዝበሉ ሰዓታት ውሑዳት እዮም ነይሮም። በታ ሰይጣን ክወድቕ ዝረኣየላ ሰዓት፡ ከምኡ ድማ ነቶም ኣገልገልቱ ዝረኸብዎ ሰናይ ዓወት ዝሰምዓላ፡ በታ ሰዓት እቲኣ ተሓጎሰ። ንሱ ንዕቡያት ኩሉ ግዜ ተቓዊምዎም እዩ፡ ንትሑታት ድማ ጸጋ ሂብዎም። ብዝበለጸ ብቐሊሉ ናብ ትምህርቲ፡ ሓገዝን በረኸትን ወዲ ኣምላኽ እንተተሰጊምና፣ ብዝበለጸ ንኣቦን ንወልድን ክንፈልጦም ኢና፤ ክብሪ እቲ ኣምላኻዊ መድሓኒ ብምርኣይን ቃላቱ ብምስማዕን ድማ ብዝበለጸ ክንባረኽ ኢና፤ ንዕላማኡ ንምዕባይ ድማ ብዝበለጸ ጠቃሚ ክንከውን ኢና።

ሉቃስ 10:25-37። ብዛዕባ ዘለኣለማዊ ህይወት ከምኡውን ናብኡ ዚወስድ መገዲ ብዘይጥንቃቐ እንተተዛሪብና፣ ስም ኣምላኽ ብኸንቱ ንጥቀም። እቲ ናይ ምልዋጥ ጸጋ ዘይተኻፈሎ ሰብ፣ ንኣምላኽን ንብጻዩን ብዝኾነ መጠን ጽሩይ መንፈሳዊ ፍቕሪ ኸፍቅሮም ኣይክእልን እዩ። ግናኸ እቲ ትዕቢተኛ ልቢ ሰብ ነዘን ምስትውዓላት ብትሪ ይቃወም። ክርስቶስ ብሓደ ሕያዋይ ሳምራዊ ሓገዝ ዝረኸበ፣ ኣብ ሽግር ዝወደቐ ድኻ ኣይሁዳዊ ኣብነት ሃበ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6