መልእኽቲ ይሁዳ 1

BCV aksumትግርኛ24 ፍቕድታት4:36 ስማዕ
ስማዕ 4:36 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ሓው ያእቆብን ካብ ዝኾነ ይሁዳ፥ ናብቶም ፅዉዓት፥ ብእግዚኣብሄር ኣብ ፍቑራትን፥ ንኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሓለዉን፥

2ምሕረትን ሰላምን ፍቕርን ይብዝሐልኩም።

3ኣቱም ፍቑራተይ፥ ብዛዕባ እታ ናይ ኵልና ዝኾነት ድሕነት፥ ክፅሕፈልኩም ሃረርታ ነይሩኒ። ሕዚ ግና፥ በታ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ንቕዱሳን ዝተውሃበት እምነት፥ ንኽትጋደሉ ምእንቲ ኽመኽረኩም፥ ክፅሕፍ ግድን ኮይኑኒ ኣሎ።

4ፍርዲ ኸም ዝቕበሉ ቐደም ዝተፅሓፈሎም፥ ሓድሓደ ፍርሓት እግዚኣብሄር ዘይብሎም ሰባት፥ ኣብ ማእኸልኩም ሸሊኾም ኣትዮም ኣለዉ። ንሳቶም፥ ነቲ ብእግዚኣብሄር ዝተውሃበና፥ ናይ ፀጋ መልእኽቲ፥ ርኽሰት ክገብሩ ንዝልውጥዎን፥ ነቲ ሓደ በይኑ ንጉስናን ጐይታናን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ዝኽሕድዎን እዮም።

5ንዅሉ ትፈልጥዎ እንተ ኾንኩም እኳ፥ ጐይታ ንህዝቡ ኻብ ምድሪ ግብፂ ኣውፂኡ ኸም ዘድሓኖም፥(ሀ) ነቶም ዘይኣምኑ ግና፥ ከም ዘጥፍኦም ከዘኻኽረኩም እፈቱ።

6ነቶም ሰፈሮም ዝሓደጉ፥ መዓርጎም ዘይሓለዉ መላእኽቲ እውን፥(ለ) በታ ዓባይ መዓልቲ ምእንቲ ኽፍረዱ፥ ብናይ ዘለኣለም መቝሕ፥ ኣብ ፀልማት ኣሲሩ ኣፅኒሕዎም ኣሎ።

7ከምኡ ድማ ሰዶምን ገሞራን፥ እተን ኣብ ከባቢአን ዝነበራ ኸተማታትን፥ ከምኣቶም ዘመዋ፤ ባህርያዊ ዘይኮነ ግብረ ስጋውን ፈፀማ። በቲ ዝወረደን ቅፅዓት ከዓ፥ ብዘለኣለማዊ ሓዊ ንዝቕፅዑ፥ መርኣያ ኾይነን ኣለዋ።

8ከምኡ ኸዓ፥ እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ብሕልሞም ስጋኦም የርክሱ፤ ንዅሉ ስልጣን የቃልሉ፤ ነቶም ኣብ ሰማይ ዝነብሩ ኽቡራንውን ይፀርፉ።(ሐ)

9ሊቀ መላእክት ሚካኤል እኳ፥ ብዛዕባ ስጋ ሙሴ ምስ ዲያብሎስ ክከራኸር እንተሎ፥ “እግዚኣብሄር ይገስፅካ” ደኣ በሎ እምበር፥ ብፀርፊ ክዅንኖ ኣይደፈረን።

10እዚኣቶም ግና፥ ነቲ ዅሉ ዘይፈልጥዎ ይፀርፉ፤ እቲ ኸም እንስሳ፥ ብባህሪኦም ዝፈልጥዎ እኳ፥ ንባዕላቶም የጥፍኦም ኣሎ።

11ብመንገዲ ቃየል ስለ ዝኸዱ፥ ምእንቲ ገንዘብ ብስሕተት በለዓም ስለ ዝወደቑ፥ ብኽሕደት ቆሬውን ስለ ዝዓመፁ፥ ጠፊኦም(መ) እዮም እሞ ወይለኦም!

12እዚኣቶም፥ ኣብቲ ናይ ፍቕሪ ማእድኹም ፀየቕቲ እዮም፤ እንተይሓፈሩ ብስድነት፥ ኣብ ማእድኹም ይሳተፉ፤ ንባዕላቶም ጥራሕ እዮም ዝሓስቡ፤ ንፋስ ንየው ነዘው ከም ዝደፍኦ፥ ማይ ከም ዘይብሉ ደመና እዮም። ካብ ሱረን ዝተበቈሳ፥ ክልተ ሻዕ ዝሞታ፥ ብእዋን ፍረ፥ ፍረ ኸም ዘይብለን ኣእዋም ሓጋይ እዮም።

13ንሳቶም ከምቲ ብርቱዕ ማዕበል ባሕሪ፥ ነቲ ነውራም ተግባራቶም፥ ከም ዝዓፍር ዝገብሩ፥ ካብ መንገዶም ከም ዝዘንበሉ ኸዋኽብቲ እዮም። ነዚኣቶም ግብ ዝበለ ፀልማት፥ ንዘለኣለም ይፅበዮም ኣሎ።

14እቲ ኻብ ኣዳም ሻውዓይ ትውልዲ ዝኾነ ሄኖክውን፥ ብዛዕባ እዞም ሰባት እዚኣቶም፦ “እንሆ፥ ጐይታ ንዅላቶም ክፈርዶም፥ ምስ ኣእላፋት ቅዱሳኑ ኽመፅእ እዩ። ነቶም ፍርሓት እግዚኣብሄር ዘይብሎም ኵላቶም ድማ፥ ብዛዕባ እቲ ብኽፉእ መንገዲ ዝገብርዎ ዅሉ ኽፉእ ግብርን፥ ብዛዕባ እቲ ኽፍኣት ሓጢኣተኛታትን፥ ብዛዕባኡ ዝተዛረብዎ ዅሉ ዘረባ ድፍረትን፥ ክቐፅዖም እዩ” ኢሉ ተነበየሎም።

16እዚኣቶም መዕረምረምቲ፥ ዘይሕጉሳት፥ ከም ክፉእ ትምኒቶም ዝነብሩ እዮም። ኣፎም ቃል ትዕቢት ይዛረብ፤ ምእንቲ ረብሓ ርእሶም ከዓ፥ ገፅ ሰብ ሪኦም ይጥብሩ።

17ኣቱም ፍቑራተይ፥ ንስኻትኩም ግና፥ ነቲ እቶም ሃዋርያት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣቐዲሞም ዝተዛረብዎ ዘክሩ።

18ንሳቶም፥ “ኣብቲ ዳሕረዋይ ዘመን፥ ብኽፉእ ትምኒቶም ዝምርሑ፥ መላገፅቲ ኽትስኡ እዮም።” እናበሉ ነጊሮሙኹም ነበሩ።

19እዚኣቶም ፍልልይ ዘምፅኡ፥ ብስጋዊ ድልየቶም ዝምርሑ፥ መንፈስ ቅዱስ ዘይብሎም ሰባት እዮም።

20ኣቱም ፍቑራተይ፥ ንስኻትኩም ግና፥ በታ ልዕሊ ዅሉ ዝተቐደሰት እምነትኩም፥ ንርእስኹም እናሃነፅኩም፥ ብመንፈስ ቅዱስ ፀልዩ።

21ነቲ ናብ ህይወት ዘለኣለም ዘብፅሕ፥ ምሕረት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እናተፀበኹም ከዓ፥ ንርእስኹም ብፍቕሪ እግዚኣብሄር ሓልዉ።

22ነቶም ዝጠራጠሩ ኣረድእዎም።

23ንገሊኣቶም፥ ካብ ሓዊ መንጢልኩም ኣናግፍዎም፤ ንገሊኣቶም ድማ፥ ነቲ ብትምኒት ስጋኦም ዝረኸሰ ኽዳን እኳ እናፀላእኹም፥ ንርእስኹምውን እናፈራሕኹም ራህርሁሎም።(ሠ)

24ነቲ ኻብ ውድቀት ክሕልወኩም፥ ነውሪ ዘይብልኩም ገይሩ፥ ኣብ ቅድሚ ኽብሩ ብታሕጓስ ከቑመኩም ዝከኣሎ፥

25ነቲ ብጐይታና፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ በይኑ፥ መድሓኒና ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ቅድሚ ዅሉ ዘመናትን፥ ሕዝን፥ ንዘለኣለመ ኣለምን፥ ክብሪ፥ ግርማ፥ ሓይሊ፥ ስልጣን፥ ይኹኖ። ኣሜን።

ትርጓሜ

1:1-4

ክርስትያናት ካብ ዓለም፣ ካብቲ ክፉእ መንፈስን ባህርይን ናይ ዓለም ተጸዊዖም እዮም፤ ልዕሊ ዓለም ናብ ዝለዓለን ዝሓሸን ነገራት፣ ናብ ሰማይ፣ ናብቲ ዘይርአን ዘለኣለማዊን ነገራት ተጸዊዖም፤ ካብ ሓጢኣት ናብ ክርስቶስ፣ ካብ ከንቱነት ናብ ቁምነገር፣ ካብ ርኽሰት ናብ ቅድስና ተጸዊዖም፤ እዚ ድማ ብተባዕተወ ናይ ኣምላኽ ዕላማን ጸጋን እዩ። እንተ ተቐዲስናን እንተኸቢርናን፣ ኩሉ ክብሪን ግናይን ንኣምላኽ ጥራይ ክኸውን ይግባእ። ኣምላኽ ንዕዮ ጸጋ ኣብ ነፍሳት ሰባት ዝጅምር ስለ ዝኾነ፣ ንሱ እዩ እቲ ዝቕጽሎን ዝፍጽሞን። ኣብ ርእስና ወይ ኣብቲ ዝተቐበልናዮ ጸጋ ከይንውከል፣ ኣብኡን ኣብኡ ጥራይን ክንውከል ይግባእ።

ምሕረት ኣምላኽ ምንጪ ኩሉ እቲ ዘሎናን እንደልዮን ሰናይ እዩ፤ ምሕረት፣ ንግዱላት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንበደለኛታት እውን እዩ። ድሕሪ ምሕረት ሰላም ኣሎ፣ እዚ ድማ ምሕረት ከም ዝረኸብና ብምፍላጥና እንረኽቦ እዩ። ካብ ሰላም ፍቕሪ ይብገስ፤ ፍቕሪ ክርስቶስ ንኣና፣ ፍቕርና ንእኡ፣ ከምኡ'ውን ፍቕሪ ኣሕዋትና ንሓድሕድና። እቲ ሃዋርያ ዝጽሊ፣ ክርስትያናት ብሒደት ደስ ይበሎም እሞ ይሕበኑ ማለት ኣይኮነን፤ የግዳስ ነፍሳቶምን ማሕበራቶምን ብእዚ ነገራት እዚ ምሉእ ክኸውን እዩ። ካብቲ ናይ ወንጌል ዕድመታትን ምሕጽንታታትን ዝተዓጽወ የለን፣ እቶም ብሓይሎምን ብእኩይ ባህርዮምን ንርእሶም ዝዓጹ ጥራይ እዮም። እቲ ትግባረ ግን ንኹሎም ምእመናን፣ ንኣኦም ጥራይ እዩ። ንዱኹማት ከምኡ'ውን ንሓያላት እዩ።

እቶም ነዚ ናይ ሓባር ምድሓን ትምህርቲ ዝተቐበሉ፣ ንእኡ ብቕንዕና ክጋደሉ ይግባእ፣ ብቑጥዐ ግን ኣይኮነን። ንሓቂ ምሕሳው ክፉእ እዩ፤ ብዛዕባኡ ምብአስ እውን ዝሓሸ ኣይኮነን። እቶም ንሓቂ ዝተቐበሉ፣ ከምቲ ሃዋርያት ዝገበሩ፣ ብዓቕልን ብትብዓትን ብእኡ ንምስቓይ ክጋደሉ ይግባእ፣ ንኻልኦት ግን ስቓይ ብምምጻእ ኣይኮነን እንተ ዘይተቐበሉዎ ኩሉ እቲ እምነት ወይ ኣገዳሲ ኢልና እንሰምዮ ሓሳብ። ብቕንዕና ምእንቲ እምነት ክንጋደል ይግባእ፣ ንኣኣ ከበላሹ ወይ ከበላሹዋ ዝደልዩ ንምቅዋም እዩ፤ እቶም ብዘይፍላጥ ዝሰርሑ፤ ከም ኣድሓርቲ ዝሕምሰሱ። እቶም ዝኸፍኡ እኩያት እቶም ብድፍረት ንሓጢኣት ዝናደቑ እዮም፣ ምኽንያቱ ጸጋ ኣምላኽ ብግሩም ዝበለ መገዲ ስለ ዝበዝሐን፣ ሕጂ እውን ብኸምኡ ስለ ዝበዝሕ፣ ብስፍሓትን ምልኣትን ናይ ወንጌል ጸጋ ዝጽዕሩ፣ እቲ ዕላማኡ ንሰባት ካብ ሓጢኣት ምድሓን፣ ናብ ኣምላኽ ድማ ምምጻእ እዩ።

1:5-7 ግዳማዊ መሰላት፣ ምግላጽ እምነት፣ ከምኡ’ውን ዝመስል ምምላስ፡ ብዘይምእማንን ብዘይምእዛዝን ንዝምለሱ፡ ካብ ቝጥዓ ኣምላኽ ክሕልዎም ኣይከኣለን። ጥፍኣት እቶም ኣብ በረኻ ዝነበሩ ዘይኣምኑ እስራኤላውያን፡ ሓደ’ኳ ብመሰላቱ ኸይዕበ ኸም ዘሎ የርኢ። ተኣምራት ዕለታዊ ምግቦም ነበረቶም፤ እንተኾነ ግና፡ ንሳቶም እኳ ብዘይምእማን ጠፍኡ። ብዙሓት ካብ መላእኽቲ፡ ኣምላኽ ዝመደበሎም ቦታታት ኣየሐጎሶምን፤ ትዕቢት ቀንዲን ቀጥተኛን ምኽንያት ወይ ኣጋጣሚ ምውዳቖም ነበረ። እቶም ዝወደቑ መላእኽቲ ክሳብ ፍርዲ ዓባይ መዓልቲ ተዓቝሮም ኣለዉ፤ ድሕሪኡኸ እቶም ዝወደቑ ሰባት ክሃድሙ ድዮም? ፈጺሞም ኣይኮኑን። ነዚ ብግቡእ ግዜኡ ኣስተብህል። ጥፍኣት ሰዶም፡ ካብቲ ንነፍሲ ዝዋጋእ ስጋዊ ፍትወት ክጥንቀቑን ክሃድሙን፡ ንኹሉ ዝግበር ብርቱዕ መጠንቀቕታ እዩ።

1:8-16

ሓሰውቲ መምህራን ሓለምቲ እዮም፤ ንነፍሲ ብኸቢድ ይረኽስዋን ብጭንቅ ይጕድእዋን። እዞም መምህራን እዚኦም ብዝተረበሸ ልቦናን ህውከት ብዝመልኦ መንፈስን ዝተለኽፉ እዮም፤ ስልጣናት ካብ ኣምላኽ ከም ዝተሸሙ ከም ዝረስዑ፣ ሮሜ 13:1።

ብዛዕባ ኣካላት ሙሴ ዝነበረ ባእሲ እምበኣር፡ ሰይጣን ንእስራኤላውያን ንምምላኽ ክፍትንዎም ኢሉ፡ ቦታ መቓብሩ ክሕብሮም ከም ዝደለየ ይረአ፤ ግናኸ ተኸልኪሉ፡ ጽንዓት ዘለዎ ቝጥዐኡ ብስድቢ ኣውጺኡ። እዚ ነቶም ዝከራኸሩ ዘበሉ ኵሎም፡ ፈጺሞም ናይ ስድቢ ወቐሳ ከየቕርቡ ከዘክር ይግባእ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG የኢየሱስ ክርስቶስ ባሪያ የያዕቆብም ወንድም የሆነ ይሁዳ፥ በእግዚአብሔር አብ ተወደው ለኢየሱስ ክርስቶስም ተጠብቀው ለተጠሩ፤ አማርኛ ENGNIV Jude, a servant of Jesus Christ and a brother of James, To those who have been called, who are loved by God the Father … English BCV ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ሓው ያእቆብን ካብ ዝኾነ ይሁዳ፥ ናብቶም ፅዉዓት፥ ብእግዚኣብሄር ኣብ ፍቑራትን፥ ንኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሓለዉን፥ ትግርኛ GAZBIB Ani Yihudaan garbichi Yesus Kristos obboleessi Yaaqoob, isin warra waamamtanii, Waaqayyo abbaadhaan jaallatamtanii, Yes… Afaan Oromoo BCV GIZ እምይሁዳ ገብረ እግዚአብሔር ወኢየሱስ ክርስቶስ፤ እኁሁ ለያዕቆብ፡ ለእለ ያፈቅርዎ ለእግዚአብሔር አብ ስሙያን ወጽዉዓን በኢየሱስ ክርስቶስ። giz GAZGAZ Ani Yihudaan garbichi Yesus Kristos obboleessi Yaaqoob, isin warra waamamtanii, Waaqayyo abbaadhaan jaallatamtanii, Yes… Afaan Oromoo AMHNIV የኢየሱስ ክርስቶስ አገልጋይና የያዕቆብ ወንድም ይሁዳ፤ ለተጠሩት፣ በእግዚአብሔር አብ ለተወደዱትና በኢየሱስ ክርስቶስ ለተጠበቁት፤ አማርኛ SWAHSUV Yuda, mtumwa wa Yesu Kristo, ndugu yake Yakobo, kwa hao walioitwa, waliopendwa katika Mungu Baba, na kuhifadhiwa kwa aj… Kiswahili