1ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ሓው ያእቆብን ካብ ዝኾነ ይሁዳ፥ ናብቶም ፅዉዓት፥ ብእግዚኣብሄር ኣብ ፍቑራትን፥ ንኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሓለዉን፥
2ምሕረትን ሰላምን ፍቕርን ይብዝሐልኩም።
3ኣቱም ፍቑራተይ፥ ብዛዕባ እታ ናይ ኵልና ዝኾነት ድሕነት፥ ክፅሕፈልኩም ሃረርታ ነይሩኒ። ሕዚ ግና፥ በታ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ንቕዱሳን ዝተውሃበት እምነት፥ ንኽትጋደሉ ምእንቲ ኽመኽረኩም፥ ክፅሕፍ ግድን ኮይኑኒ ኣሎ።
4ፍርዲ ኸም ዝቕበሉ ቐደም ዝተፅሓፈሎም፥ ሓድሓደ ፍርሓት እግዚኣብሄር ዘይብሎም ሰባት፥ ኣብ ማእኸልኩም ሸሊኾም ኣትዮም ኣለዉ። ንሳቶም፥ ነቲ ብእግዚኣብሄር ዝተውሃበና፥ ናይ ፀጋ መልእኽቲ፥ ርኽሰት ክገብሩ ንዝልውጥዎን፥ ነቲ ሓደ በይኑ ንጉስናን ጐይታናን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ዝኽሕድዎን እዮም።
5ንዅሉ ትፈልጥዎ እንተ ኾንኩም እኳ፥ ጐይታ ንህዝቡ ኻብ ምድሪ ግብፂ ኣውፂኡ ኸም ዘድሓኖም፥(ሀ) ነቶም ዘይኣምኑ ግና፥ ከም ዘጥፍኦም ከዘኻኽረኩም እፈቱ።
6ነቶም ሰፈሮም ዝሓደጉ፥ መዓርጎም ዘይሓለዉ መላእኽቲ እውን፥(ለ) በታ ዓባይ መዓልቲ ምእንቲ ኽፍረዱ፥ ብናይ ዘለኣለም መቝሕ፥ ኣብ ፀልማት ኣሲሩ ኣፅኒሕዎም ኣሎ።
7ከምኡ ድማ ሰዶምን ገሞራን፥ እተን ኣብ ከባቢአን ዝነበራ ኸተማታትን፥ ከምኣቶም ዘመዋ፤ ባህርያዊ ዘይኮነ ግብረ ስጋውን ፈፀማ። በቲ ዝወረደን ቅፅዓት ከዓ፥ ብዘለኣለማዊ ሓዊ ንዝቕፅዑ፥ መርኣያ ኾይነን ኣለዋ።
8ከምኡ ኸዓ፥ እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ብሕልሞም ስጋኦም የርክሱ፤ ንዅሉ ስልጣን የቃልሉ፤ ነቶም ኣብ ሰማይ ዝነብሩ ኽቡራንውን ይፀርፉ።(ሐ)
9ሊቀ መላእክት ሚካኤል እኳ፥ ብዛዕባ ስጋ ሙሴ ምስ ዲያብሎስ ክከራኸር እንተሎ፥ “እግዚኣብሄር ይገስፅካ” ደኣ በሎ እምበር፥ ብፀርፊ ክዅንኖ ኣይደፈረን።
10እዚኣቶም ግና፥ ነቲ ዅሉ ዘይፈልጥዎ ይፀርፉ፤ እቲ ኸም እንስሳ፥ ብባህሪኦም ዝፈልጥዎ እኳ፥ ንባዕላቶም የጥፍኦም ኣሎ።
11ብመንገዲ ቃየል ስለ ዝኸዱ፥ ምእንቲ ገንዘብ ብስሕተት በለዓም ስለ ዝወደቑ፥ ብኽሕደት ቆሬውን ስለ ዝዓመፁ፥ ጠፊኦም(መ) እዮም እሞ ወይለኦም!
12እዚኣቶም፥ ኣብቲ ናይ ፍቕሪ ማእድኹም ፀየቕቲ እዮም፤ እንተይሓፈሩ ብስድነት፥ ኣብ ማእድኹም ይሳተፉ፤ ንባዕላቶም ጥራሕ እዮም ዝሓስቡ፤ ንፋስ ንየው ነዘው ከም ዝደፍኦ፥ ማይ ከም ዘይብሉ ደመና እዮም። ካብ ሱረን ዝተበቈሳ፥ ክልተ ሻዕ ዝሞታ፥ ብእዋን ፍረ፥ ፍረ ኸም ዘይብለን ኣእዋም ሓጋይ እዮም።
13ንሳቶም ከምቲ ብርቱዕ ማዕበል ባሕሪ፥ ነቲ ነውራም ተግባራቶም፥ ከም ዝዓፍር ዝገብሩ፥ ካብ መንገዶም ከም ዝዘንበሉ ኸዋኽብቲ እዮም። ነዚኣቶም ግብ ዝበለ ፀልማት፥ ንዘለኣለም ይፅበዮም ኣሎ።
14እቲ ኻብ ኣዳም ሻውዓይ ትውልዲ ዝኾነ ሄኖክውን፥ ብዛዕባ እዞም ሰባት እዚኣቶም፦ “እንሆ፥ ጐይታ ንዅላቶም ክፈርዶም፥ ምስ ኣእላፋት ቅዱሳኑ ኽመፅእ እዩ። ነቶም ፍርሓት እግዚኣብሄር ዘይብሎም ኵላቶም ድማ፥ ብዛዕባ እቲ ብኽፉእ መንገዲ ዝገብርዎ ዅሉ ኽፉእ ግብርን፥ ብዛዕባ እቲ ኽፍኣት ሓጢኣተኛታትን፥ ብዛዕባኡ ዝተዛረብዎ ዅሉ ዘረባ ድፍረትን፥ ክቐፅዖም እዩ” ኢሉ ተነበየሎም።
16እዚኣቶም መዕረምረምቲ፥ ዘይሕጉሳት፥ ከም ክፉእ ትምኒቶም ዝነብሩ እዮም። ኣፎም ቃል ትዕቢት ይዛረብ፤ ምእንቲ ረብሓ ርእሶም ከዓ፥ ገፅ ሰብ ሪኦም ይጥብሩ።
17ኣቱም ፍቑራተይ፥ ንስኻትኩም ግና፥ ነቲ እቶም ሃዋርያት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣቐዲሞም ዝተዛረብዎ ዘክሩ።
18ንሳቶም፥ “ኣብቲ ዳሕረዋይ ዘመን፥ ብኽፉእ ትምኒቶም ዝምርሑ፥ መላገፅቲ ኽትስኡ እዮም።” እናበሉ ነጊሮሙኹም ነበሩ።
19እዚኣቶም ፍልልይ ዘምፅኡ፥ ብስጋዊ ድልየቶም ዝምርሑ፥ መንፈስ ቅዱስ ዘይብሎም ሰባት እዮም።
20ኣቱም ፍቑራተይ፥ ንስኻትኩም ግና፥ በታ ልዕሊ ዅሉ ዝተቐደሰት እምነትኩም፥ ንርእስኹም እናሃነፅኩም፥ ብመንፈስ ቅዱስ ፀልዩ።
21ነቲ ናብ ህይወት ዘለኣለም ዘብፅሕ፥ ምሕረት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እናተፀበኹም ከዓ፥ ንርእስኹም ብፍቕሪ እግዚኣብሄር ሓልዉ።
22ነቶም ዝጠራጠሩ ኣረድእዎም።
23ንገሊኣቶም፥ ካብ ሓዊ መንጢልኩም ኣናግፍዎም፤ ንገሊኣቶም ድማ፥ ነቲ ብትምኒት ስጋኦም ዝረኸሰ ኽዳን እኳ እናፀላእኹም፥ ንርእስኹምውን እናፈራሕኹም ራህርሁሎም።(ሠ)
24ነቲ ኻብ ውድቀት ክሕልወኩም፥ ነውሪ ዘይብልኩም ገይሩ፥ ኣብ ቅድሚ ኽብሩ ብታሕጓስ ከቑመኩም ዝከኣሎ፥
25ነቲ ብጐይታና፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ በይኑ፥ መድሓኒና ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ቅድሚ ዅሉ ዘመናትን፥ ሕዝን፥ ንዘለኣለመ ኣለምን፥ ክብሪ፥ ግርማ፥ ሓይሊ፥ ስልጣን፥ ይኹኖ። ኣሜን።