ትንቢት ዮኤል 2

BCVትግርኛ32 ፍቕድታት5:36 ስማዕ
ስማዕ 5:36 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1መዓልቲ እግዚኣብሄር ትመፅእ ኣላ፤ ቀሪባ ኸዓ እያ እሞ፥ ኣብ ፅዮን መለኸት ንፍሑ፤ ኣብቲ ቅዱስ እምባይ ድማ ኣእውዩ፤ መዓልቲ እግዚኣብሄር መፂኣ እያሞ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ዅላቶም የንቀጥቅጡ።

2መዓልቲ ፀልማትን ጣቓን፥ መዓልቲ ደመናን ግብ ዝበለ ፀልማትን፥ ዓቢይን ሓያልን ህዝቢ፥ ከም ብርሃን ወጋሕታ ኣብ ልዕሊ እምባታት ተዘርጊሑ ኣሎ፤ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኸምኣቶም ዝበለ ኣይነበረን፤ ድሕሪኣቶምውን ክሳዕ ብዙሕ ውሉድ ወለዶ፥ ከምኣቶም ዝበለ ኸቶ ኣይኸውንን።

3ኣብ ቅድሚኣቶም ሓዊ ትባላዕ፥ ኣብ ድሕሪኣቶም ድማ፥ ሃልሃልታ ሞዅ የብል፤ እታ ምድሪ ኣብ ቅድሚኣቶም ከም ገነት ኤደን፥ ኣብ ድሕሪኣቶም ከዓ ምድረ በዳ እያ፤ ካብኣቶምውን ዘምልጥ የለን።

4ትርኢቶም ከም ትርኢት ኣፍራስ እዩ፤ ከም ኣፍራስ ድማ ይጋልቡ።

5ከምቲ ኣብ ርእሲ እምባ ድዋዕዋዕ ዝብል ሰረገላታት፥ ከምቲ ንሓሰር ክበልዕ እንተሎ፥ ጥዋዕዋዕ ዝብል ድምፂ ሃልሃልታ ሓዊ፥ ከምቲ ንውግእ ዝተሰለፈ ሓያል ህዝቢ ይዘሉ።

6ኣብ ቅድሚኣቶም ህዝብታት ይጭነቑ፤ ኵሉ ገፅ ሰብውን ይፅልም።

7ከም ጀጋኑ ይጐዩ፤ ከምዝዋግኡ ሰባት ናብ ቅፅሪ ይድይቡ፤ ነፍሲ ወከፍ በብጐደናኡ ይሓልፍ፤ ካብ መንገዶም ከዓ ድሕር ኣይብሉን።

8እቲ ሓደ ምስቲ ሓደ ኣይዳፋእን፤ ነፍሲ ወከፍ በብመንገዱ ይኸይድ፤ ናብ ማእኸል ውግእ ይሓልፉ፤ ኣይቘስሉንውን።

9ነታ ኸተማ ይወሩ፤ ኣብ ልዕሊ ቕፅሪ ይጐዩ፤ ናብ ኣባይቲ ይድይቡ፤ ከም ሰራቒውን ብመሳዅቲ ይኣትዉ።

10ምድሪ ኣብ ቅድሚኣቶም ትድንግፅ፤ ሰማያት ይንቅጥቀጡ፤ ፀሓይን ወርሕን ይፅልምታ፤ ከዋኽብቲ ኸዓ ብርሃኖም ይኽውሉ።

11እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ሰራዊቱ ድምፁ ይህብ፤ ሰፈሩ የመና ብዙሕ እዩ እሞ፥ እቲ ንቓሉ ዝፍፅም ንሱ ሓያል እዩ፤ መዓልቲ እግዚኣብሄር ዓባይን፥ የመና እተፍርሕን እያ፤ መንከ ይኽእላ?

12እምበኣርከስ ሕዚ እውን፥ ብፆምን ብብኽያትን ብሓዘንን፥ ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ፤ ይብል እግዚኣብሄር።

13ንሱ ለዋህን፥ ርሕሩህን፥ ንቝጥዓ ደንጓዪ፥ ምሕረቱ ዝበዝሐ፥ ክፉእ ነገር ካብ ምምፃእ ዝናሳሕ እዩሞ፥ ክዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹም ደኣ ቕደዱ፤ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ተመለሱ።

14ብምሕረቱ ተናሲሑ ዝምለስ እንተ ኾነ፥ ብድሕሪኡ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ብቝርባን እኽልን ብቝርባን መስተን፥ በረኸት ዝሓድግ እንተ ኮነ፥ መን ይፈልጥ?

15ኣብ ፅዮን መለኸት ንፍሑ፤ ቅዱስ ፆም ኣውጁ፤ ዝተቐደሰ ጉባኤውን ፀውዑ።

16ህዝቢ ኣክቡ፤ ነቲ ጉባኤውን ቀድሱ፤ ንኣረጋውያን ኣክቡ፤ ቈልዑን ጡብ ዝጠብዉ ህፃናትን ኣክቡ፤ መርዓዊ ኻብ ሕልፍኚ፥ መርዓት ከዓ ኻብ መጋረጃኣ ይውፅኡ።

17እቶም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ካህናት፥ ኣብ መንጎ ኣዳራሽን መሰውእን እናበኸዩ፦ ኦ እግዚኣብሄር፥ ንህዝብኻ ራህርሀሉ፤ ነቲ ርስትኻ፥ ኣህዛብ መመሰሊ ኽገብርዎ፥ ንመላገፂ ኣሕሊፍካ ኣይትሃቦ፤ ስለ ምንታይከ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ፥ ኣምላኾም ኣበይ ኣሎ? ዝበሃሉ ይበሉ።

18እግዚኣብሄር ስለ ምድሩ ቐንአ፤ ንህዝቡ ኸዓ ራህርሀ።

19እግዚኣብሄር ንህዝቡ መለሰሉ፥ በሎውን፤ እንሆ፥ ኣነ እኽልን ወይንን ዘይትን ክሰደልኩም እየ፤ ንስኻትኩምውን ብእኡ ኽትፀግቡ ኢኹም፤ ድሕሪዙይ ኣብ ማእኸል ህዝብታት፥ መላገፂ ኣይክገብረኩምን እየ።

20ነቲ ሰራዊት ሰሜን ካባኻትኩም ከርሕቖ እየ፤ ናብ ደረቕን ዝዐነወን ምድሪ፥ ገፁ ናብ ምብራቓዊ ባሕሪ፥ ዝባኑ ኸዓ ናብ ምዕራባዊ ባሕሪ ገይረ ኽሰጎ እየ፤ ንሱ ዓብዪ ትዕቢት ገይሩ እዩ እሞ፥ ሕማቕ ጨናኡ ኽወፅእ፥ ክርፋሑ ድማ ኽለዓል እዩ።

21ኣቲ ምድሪ፥ እግዚኣብሄር ዓብዪ ነገር ገይሩ እዩሞ፥ ኣይትፍርሒ፤ ተሓጐሲ፤ ዕልልውን በሊ።

22ኣቱም እንስሳ ምድሪ፥ እቲ መጓሰዪ በረኻ ለምሊሙ፥ እቲ ኦምውን ፈርዩ እዩሞ፥ ኦም በለስን ተኽሊ ወይንን ከዓ፥ ሓይላቶም ይህቡ ኣለዉ እሞ፥ ኣይትፍርሑ።

23ኣቱም ደቂ ፅዮን፥ ኣምላኽኩም እግዚኣብሄር፥ ዝናም ፅድያ ብፅድቂ ይህበኩም ኣሎሞ፥ ከም ቀደሙ ዝናም ፅድያን ፅብሓትን፥ የውርደልኩም ኣሎሞ፥ ተሓጐሱ፤ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ፥ ደስ ይበልኩም፤ ንእኡውን ዕልል በሉ።

24ዓውድታት ከዓ እኽሊ ኽመልኡ እዮም፤ መፅመቚታትውን ወይንን ዘይትን፥ መሊኡ ትርፍርፍ ክብል እዩ።

25ኣነ ኸዓ እቶም ኣንበጣን ኵብኵብታን ሓሰኻን፥ ናባኻትኩም ዝሰደድክዎ ዓብዪ ሰራዊተይ ዝበልዐን ዓመታት ክምልሰልኩም እየ።

26ብዙሕ መብልዕ ክትበልዑ፥ ክትፀግቡውን ኢኹም፤ ነቲ ተኣምራት ዝገበረልኩም፥ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ፥ ክተመስግንዎ ኢኹም፤ ህዝበይውን ንዘለኣለም ኣይሓፍርን።

27ኣነ ኣብ ማእኸል እስራኤል ከም ዘለኹ፥ ኣነ ኸዓ እግዚኣብሄር ኣምላኻኩም ከም ዝኾንኩ፥ ብዘይ ዝኣይ ድማ ኻልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ ኽትፈልጡ ኢኹም፤ ህዝበይውን ንዘለኣለም ኣይሓፍርን።

28ብድሕሪዙይ ከምዙይ ክኸውን እዩ፤ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ ዝለበሰ ኸፍስስ እየ፤ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ክንበዩ፥ ኣረጋውያንኩም ሕልሚ ኽሓልሙ፥ ኣጓብዝኩም ከዓ ራእይ ክሪኡ እዮም።

29በተን ኣዋርሕ እቲኣተን፥ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮተይ፥ መንፈሰይ ክኽዑ እየ።

30ኣብ ልዕሊ ሰማይ ከዓ ተኣምራት፥ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ድማ፥ ደምን ሓዊን ትክን ከርኢ እየ።

31እታ ዓባይን መፍርሒትን መዓልቲ እግዚኣብሄር እንተይመፀት፥ ፀሓይ ናብ ፀልማት፥ ወርሒ ድማ ናብ ደም ክትልወጥ እያ።

32ከምዙይ ክኸውን እዩ፤ ኵሉ ስም እግዚኣብሄር ዝፅውዕ፥ ክድሕን እዩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፥ ኣብ እምባ ፅዮንን ኣብ ኢየሩሳሌምን፥ መድሓኒት ክርከብ እዩ፤ ኣብቶም እግዚኣብሄር ዝፅውዖም፥ ብስራት ዝስበኸሎም ክርከቡ እዮም።

ትርጓሜ

2:1-14 ካህናት ንህዝቢ ብምቅራብ መለኮታዊ ፍርዲ ከጠንቅቑ ነይሮም እዮም። ዕዮ ኣገልገልቲ ኸኣ ካብ ሰማይ ዝወርድ ዅነኔ ኣንጻር እግዚኣብሔር-ዘይፍርሃቶምን ዓመጻን ደቀ-ሰብ ንምግላጽን፡ ቅትለት ዘስዕብ ሳዕቤን ሓጢኣት ንምጥንቃቕን እዩ። እቲ ዝቕጽል ዘደንቕ መግለጺ ጥፍኣት ኣንበጣ እንታይ ከም ዝስዕብ የርኢ፡ ግናኸ ብኸልዳውያን ዝወርድ ጥፍኣት ምድር’ውን ክገልጽ ይኽእል እዩ። ናይ ግዜያዊ ፍርድታት መጠንቀቕታ ንሓጥኣን ሃገራት እንተ ተዋሂቡ፡ ንስኻትኩም ግና ክትመጽእ ካብ ዘለዋ ዅነኔ ንምድሓን ክትጥንቀቑ ክንደይ ዝበለስ የድሊ! ስለዚ ኣብ ምድሪ ዘሎና ዕዮ ብፍላይ ኣብ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ምድሓንና ንምርግጋጽ እዩ። ብተወሳኺ ኸኣ ካብቶም ሕጂ ኣምልኾ ዝገብሩሎም ነገራት ክንፍለይ ክንሓርን ኣሎና፡ እዞም ነገራት እዚኦም ድማ ቀልጢፎም ካብ ኩሎም ክውሰዱ እዮም። ግዳማዊ መግለጺ ጓህን ሓፍረትን፡ ጾምን፡ በኽያትን፡ ሓዘንን ክህሉ ኣለዎ፤ ንጸገም ዝብከየ ዕንባባ፡ ናብቲ ምኽንያት ጸገም ዝኾነ ሓጢኣት ዝብከየ ዕንባባ ክቕየር ኣለዎ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG የእግዚአብሔር ቀን መጥቶአልና፥ እርሱም ቀርቦአልና በጽዮን መለከትን ንፉ፥ በቅዱሱም ተራራዬ ላይ እሪ በሉ፤ በምድርም የሚኖሩ ሁሉ ይንቀጥቀጡ፤ የእግዚአብሔር ቀን መጥቶአልና፤ አማርኛ ENGNIV Blow the trumpet in Zion; sound the alarm on my holy hill. Let all who live in the land tremble, for the day of the Lor… English GAZBIB Xiyoon gaara koo isa qulqulluu irratti fiinoo afuufaa, sagalee nama dammaqsu dhageessisaa! Guyyaan Waaqayyoo waan dhufu… Afaan Oromoo BCV GIZ ንፍሑ ቀርነ በጽዮን ወስብኩ በደብረ መቅደስየ ወይደነግፁ ኵሎሙ እለ ይነብሩ ውስተ ምድር እስመ አልጸቀት ዕለተ እግዚአብሔር ወበጽሐት። giz GAZGAZ Xiyoon gaara koo isa qulqulluu irratti fiinoo afuufaa, sagalee nama dammaqsu dhageessisaa! Guyyaan Waaqayyoo waan dhufu… Afaan Oromoo BCV aksum መዓልቲ እግዚኣብሄር ትመፅእ ኣላ፤ ቀሪባ ኸዓ እያ እሞ፥ ኣብ ፅዮን መለኸት ንፍሑ፤ ኣብቲ ቅዱስ እምባይ ድማ ኣእውዩ፤ መዓልቲ እግዚኣብሄር መፂኣ እያሞ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ዅላቶም የ… ትግርኛ AMHNIV በጽዮን መለከትን ንፉ፤ በቅዱሱ ተራራዬም የማስጠንቀቂያውን ድምፅ አሰሙ፤ በምድሪቱ የሚኖሩ ሁሉ ይንቀጥቀጡ፤ የእግዚአብሔር ቀን ቀርቦአልና፤ እርሱም በደጅ ነው። አማርኛ SWAHSUV Pigeni tarumbeta katika Sayuni, Pigeni na kelele katika mlima wangu mtakatifu; Wenyeji wote wa nchi na watetemeke; Kwa … Kiswahili