1ካብ ወገን ፈሪሳውያን ሓለቓ ኣይሁድ ዝኾነ፥ ኒቆዲሞስ ዝበሃል ሰብ ነበረ።
2ንሱ ብለይቲ ናብ ኢየሱስ መፂኡ፥ “መምህር፥ ብዘይ እቲ እግዚኣብሄር ምስኡ ዝኾነ ሰብ፥ ነዝ ንስኻ እትገብሮ ዘለኻ ተኣምራት፥ ክገብሮ ዝኽእል ሓደኳ የለን እሞ፥ ንስኻ ኻብ እግዚኣብሄር ዝመፃእኻ መምህር ምዃንካ ንፈልጥ ኢና” በሎ።
3ኢየሱስ ድማ “ሰብ ካልኣይ እንተ ዘይተወሊዱ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ክሪኣ ኸቶ ኸም ዘይኽእል፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ።
4ኒቆዲሞስ ከዓ “ሰብከ ምስ ዓበየ፥ ከመይ ኢሉ ኻልኣይ ክውለድ ይኽእል? መሊሱ ናብ ማህፀን እኖኡ ኣትዩ ኽውለድዶ ይኽእል እዩ?” በሎ።
5ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፤ ሰብ ካብ ማይን ካብ መንፈስ [ቅዱስን] እንተ ዘይተወሊዱ፥ ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ክኣቱ ዝኽእል ከቶ የለን።
6እቲ ኻብ ስጋ ዝተወለደ ስጋ እዩ፤ እቲ ኻብ መንፈስ ዝተወለደ ኸዓ፥ መንፈስ እዩ።
7‘ካልኣይ ክትውለዱ ኣለኩም’ ስለ ዝበልኩኻ ኣይትገረም።
8ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ፤ ድምፁ ኸዓ ትሰምዕ፤ ካበይ ከም ዝመፅእ፥ ናበይውን ከም ዝኸይድ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ፤ ኵሉ እቲ ኻብ መንፈስ [ቅዱስ] ዝውለድ ድማ ኸምኡ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።
9ኒቆዲሞስ ከዓ “እዙይ ደኣ ኸመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል?” በሎ።
10ኢየሱስ ድማ መሊሱ ኸምዙይ በሎ፦ “ንስኻ መምህር እስራኤል እንትትከውን፥ ከመይ እዝ ነገር እዙይ ዘይትፈልጥ?
11ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፥ እንፈልጦ ንዛረብ፤ ዝረአናዮውን ንምስክር፤ ንምስክርነትና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም።
12ናይ ምድሪ ነገር ነጊረኩም ዘይኣመንኩምስ፥ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ፥ ከመይ ጌርኩም ክትኣምኑ?
13ብዘይ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ወዲ ሰብ፥(ሀ) ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደኳ የለን።
14ኵሉ ብእኡ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽረክብ እምበር፥ ከይጠፍእስ፥ ከምቲ ሙሴ ኣብ ምድረ በዳ ንተመን ዝሰቐሎ፥ ወዲ ሰብ ድማ ኸምኡ ኽስቀል ኣለዎ።
16“ኵሉ ብእኡ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽረክብ እምበር ከይጠፍእስ፥ እግዚኣብሄር ንሓደ ወዱ ቤዛ ገይሩ ኽሳዕ ዝህብ፥ ክንድዙይ ንዓለም ኣፍቀሮ።
17እግዚኣብሄር ንወዱ ናብ ዓለም ዝለኣኾ፥ ዓለም ብእኡ ምእንቲ ኽድሕን እምበር፥ ንዓለም ክፈርድ ኢሉ ኣይኮነን።
18እቲ ብእኡ ዝኣምን ኣይፍረዶን እዩ፤ እቲ ብእኡ ዘይኣምን ግና፥ ብስም ሓደ ወዲ እግዚኣብሄር ስለ ዘይኣመነ፥ ድሮ ተፈሪድዎ ኣሎ።
19እቲ ፍርዲ ኸዓ እዙይ እዩ፦ ብርሃን ናብ ዓለም መፀ፤ ሰባት ግና ግብሮም ክፉእ ስለ ዝኾነ፥ ካብ ብርሃን ፀልማት ፈተዉ።
20ኵሉ እቲ ኽፉእ ዝገብር፥ ግብሩ ምእንቲ ኸይግለፅ ብርሃን ይፀልእ እምበር፥ ናብ ብርሃን ኣይመፅእን።
21እቲ ሓቂ ዝገብር ግና፥ እቲ ግብሩ ብእግዚኣብሄር ዝተገበረ እንተ ኾይኑ ምእንቲ ኽግለፅ፥ ናብ ብርሃን ይመፅእ።”
22ድሕሪዙይ ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኸደ፤ ኣብኡ ኸዓ እናጥመቐ ምስኣቶም ቀነየ።
23ኣብ ሄኖን ጥቓ ሳሌም(ለ) ብዙሕ ማይ ስለ ዝነበረ፥ ዮሃንስ ኣብኡ የጥምቕ ነበረ። ብዙሓት ሰባት ከዓ እናመፁ ብእኡ ይጥመቑ ነበሩ።
24ዮሃንስ ገና ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣይኣተወን ነበረሞ፤
25ሽዑ ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ኣይሁድን፥ ብዛዕባ ስርዓት ምንፃህ፥ ክርክር ተልዓለ።
26ናብ ዮሃንስ መፂኦም ከዓ “መምህር፥ እቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ምሳኻ ዝነበረ፥ ንስኻውን ዝመስከርካሉ፥ እንሆ ንሱ የጥምቕ ኣሎ፤ ኵሎም ከዓ ናብኡ ይኸዱ ኣለዉ” በልዎ።
27ዮሃንስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ሰብ ካብ ሰማይ እንተ ዘይተውሂብዎስ፥ ሓንቲ እኳ ኽቕበል ኣይኽእልን እዩ።
28‘ኣነ ቐቅድሚኡ ዝተልኣኽኩ ደኣ እምበር፥ ክርስቶስ ኣይኮንኩን’ ከም ዝበልኩ፥ ንስኻትኩም ባዕልኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም።
29እቲ መርዓት ዘላቶ ንሱ መርዓዊ እዩ። እቲ ደው ኢሉ ንእኡ ዝሰምዖ ዓርኪ መርዓዊ ግና፥ ብድምፂ መርዓዊ(ሐ) የመና ይሕጐስ። ደጊም ሓጐሰይ ተፈፀመ።
30ንሱ ኽልዕል ኣነ ኽትሕት ይግባእ።(መ)
31እቲ ኻብ ላዕሊ ዝመፅእ፥ ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩ፤ እቲ ኻብ ምድሪ ዝኾነ ኸዓ፥ ምድራዊ እዩ፤ ናይ ምድሪ እውን ይዛረብ፤ እቲ ኻብ ሰማይ ዝመፅእ ግና፥ ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩ።
32ነቲ ምስክሩ ደኣ ዝቕበሎ የለን እምበር፥ ንሱስ ነቲ ዝረአዮን ዝሰምዖን እዩ ዝምስክር።
33እቲ ንምስክርነቱ ዝተቐበለ ግና፥ እግዚኣብሄር ሓቀኛ ኸም ዝኾነ ኣረጋገፀ።(ሠ)
34እግዚኣብሄር መንፈሱ ሰፊሩ ኣይህብን እዩ እሞ፥ እቲ እግዚኣብሄር ዝለኣኾ፥ ንሱ ቓል እግዚኣብሄር እዩ ዝነግር።
35ኣብ፥ ንወዱ የፍቅሮ እዩ፤ ኵሉ ነገር ከዓ ኣብ ኢዱ ሃቦ።
36እቲ ብወልድ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎ፤ እቲ ብወልድ ዘይኣምን ግና፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ደኣ ኣብ ልዕሊኡ ይነብር እምበር፥ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ኣይሪኣን እዩ።”