ወንጌል ዮሃንስ 18

BCVትግርኛ40 ፍቕድታት6:39 ስማዕ
ስማዕ 6:39 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኢየሱስ እዙይ ምስ በለ፥ ምስ ደቀ መዛሙርቱ፥ ናብ ማዕዶ ሩባ ቄድሮን ሰጊሩ፥ ናብታ ኣታኽልቲ ዘለዋ ቦታ ኸደ፤ ምስ ደቀ መዛሙርቱውን ናብኣ ኣተወ።

2ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን፥ ኣብኣ ብዙሕ ጊዜ ይእከቡ ስለ ዝነበሩ፥ እቲ ኣሕሊፉ ዝህቦ ይሁዳ ኸዓ፥ ነታ ቦታ ይፈልጣ ነበረ።

3ስለዙይ ይሁዳ፥ ነቶም ሓደ ኽፋል ወታደራትን፥ ሓሻኽር ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን፥ መሪሑ መፀ፤ ንሳቶም ፋኑሳትን ዝነድድ ሽግን ኣፅዋርን ሒዞም ነበሩ።

4ሽዑ ኢየሱስ ነቲ ዅሉ ዝመፆ ዘሎ ነገራት ፈሊጡ፥ ናብኣቶም ወፀ እሞ፥ “ንመን ትደልዩ ኣለኹም?” በሎም።

5ንሳቶም ከዓ “ንናይ ናዝሬት ኢየሱስ” ኢሎም መለሱሉ። ኢየሱስ ድማ “ኣነ እየ” በሎም። እቲ ዘትሕዞ ይሁዳ ድማ፥ ምስኣቶም ደው ኢሉ ነበረ።

6ሽዑ “ኣነ እየ” ምስ በሎም እናድሐርሐሩ ናብ ምድሪ ወደቑ።

7መሊሱ “ንመን ትደልዩ ኣለኹም?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ “ንናይ ናዝሬት ኢየሱስ” በልዎ።

8ኢየሱስ ድማ “ኣነ እየዶ እብለኩም ኣየለኹን? እምበኣር ንኣይ ካብ ደለኹም፥ ነዚኣቶም ይኺዱ ሕደግዎም” ኢሉ መለሰሎም።

9እዙይ ከዓ “ካብዞም ዝሃብካኒ ሓደኳ ኣየጥፋእኹን”(ሀ) ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።

10ሽዑ ስምኦን ጴጥሮስ ሰይፊ ስለ ዝነበሮ፥ ሰይፉ መዚዙ፥ ነቲ ሓሽከር ሊቀ ካህናት ወቒዑ የማነይቲ እዝኑ ቘረፆ። ስም እቲ ሓሽከር ከዓ ማልኮስ ነበረ።

11ኢየሱስ ድማ ንጴጥሮስ “ሰይፍኻ ናብ ሰገባኡ ምለስ፤ ነቲ ኣቦይ ዝሃበኒ ፅዋዕ ኣይሰትዮን ድየ?” በሎ።

12ሽዑ እቶም ክፋል ወታደራትን እቲ ሓለቓ ሽሕን እቶም ሓሻኽር ኣይሁድን ንኢየሱስ ሒዞም ኣሰርዎ።

13ሃና፥ ነቲ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ካህናት ዝነበረ ቀያፋ፥ ሓሙኡ ስለ ዝነበረ፥ ኣቐዲሞም ናብኡ ወሰድዎ።

14ቀያፋ ኸዓ እቲ “ክንዲ ህዝቢ ሓደ ሰብ እንተ ሞተ ይሐይሽ” ኢሉ ንኣይሁድ መኺሩዎም ዝነበረ እዩ።

15ስምኦን ጴጥሮስን ሓደ ኻልእ ደቀ መዝሙርን፥ ንኢየሱስ ሰዓብዎ። እቲ ኻልእ ደቀ መዝሙር በቲ ሊቀ ካህናት ፍሉጥ ስለ ዝነበረ፥ ምስ ኢየሱስ ናብ መረባ ሊቀ ካህናት ኣተወ።

16ጴጥሮስ ግና ብወፃኢ ኣብ ኣፍ ደገ፥ ደው ኢሉ ነበረ። እቲ ኣብ ሊቀ ካህናት ፍሉጥ ዝነበረ ኻልእ ደቀ መዝሙር ከዓ ወፀ እሞ፥ ነታ ሓላዊት በሪ ነጊሩ ንጴጥሮስ ኣእተዎ።

17ሽዑ እታ በሪ እትሕሉ ገረድ ንጴጥሮስ “ንስኻ ኻብ ደቀ መዛሙርት እዝ ሰብ እዙይዶ ኣይኮንካን?” በለቶ። ንሱ ግና “ኣይኮንኩን!” በለ።

18ቍሪ ስለ ዝነበረ፥ እቶም ሓሻኽርን ኣገልገልትን፥ ሓዊ ኣንዲዶም ደው ኢሎም ይስሕኑ ነበሩ። ጴጥሮስውን ምስኣቶም ደው ኢሉ ይስሕን ነበረ።

19ሽዑ እቲ ሊቀ ካህናት፥ ንኢየሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱን ትምህርቱን ጠየቖ።

20ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ኣነ ንዓለም ብገሃድ እየ ዝተዛረብኩ፤ ኵልሻዕውን ኣብቲ ኣይሁድ ዝእከቡሉ፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድን(ለ) ቤተ መቕደስን፥ እምህር ነበርኩ፤ ብሕቡእ ዝተዛረብክዎ ሓደኳ የብለይን።

21ንምንታይከ ንኣይ ትጥይቐኒ? ነቶም ዘረባይ ዝሰምዑ ዝነበሩ ጠይቆም። እንሆ ንሳቶም፥ ነቲ ኣነ ዝተዛረብክዎ ይፈልጥዎ እዮም።”

22እዙይ ምስ በለ፥ ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሓሻኽር ሊቀ ካህናት ሓደ “ንሊቀ ካህናትስ ከምዙይ ኢልካ ኽትምልሰሉ?” ኢሉ ንኢየሱስ ገፁ ፀፍዖ።

23ኢየሱስ ድማ “ክፉእ እንተ ተዛሪበ፥ ክፉእ ምዃኑ መስክር፤ ፅቡቕ እንተ ተዛሪበ ግና፥ ንምንታይ ትወቕዐኒ?” በሎ።

24ሃና ኸዓ ናብ ሊቀ ካህናት ቀያፋ፥ ብእሱሩ ሰደዶ።

25ስምኦን ጴጥሮስ ከዓ ደው ኢሉ ሓዊ ኽስሕን እንተሎ፥ ካልኦት ሰባት “ንስኻ ኻብቶም ደቀ መዛሙርት ኢየሱስዶ ኣይኮንካን ኢኻ?” በልዎ፤ ንሱ ግና ኣይኮንኩን ኢሉ ኸሓደ።

26ሓደ ኻብቶም ሓሻኽር ሊቀ ካህናት፥ ናይቲ ጴጥሮስ እዝኑ ዝቘረፆ ዘመድ ዝኾነ፥ “ኣብቲ ናይ ኣታኽልቲ ቦታዶ ባዕለይ ምስኡ ኣይረአኹኻን?” በሎ።

27ሽዑ ጴጥሮስ መሊሱ ኸሓደ። ሽዑ ንሽዑ ድማ ደርሆ ነቀወ።

28ሽዑ ንኢየሱስ ካብ ቀያፋ፥ ናብ መጋባእያ ወሰድዎ፤ ንግሆ ድማ ነበረ። ኣይሁድ ምእንቲ በጊዕ ፋሲካ ኽበልዑ፥ ከይረኽሱ ኢሎም ናብ መጋባእያ ኣይኣተዉን።

29ስለዙይ ጲላጦስ ናብኣቶም ናብ ደገ ወፂኡ “ነዝ ሰብ እዙይ፥ ንምንታይ ኢኹም እትኸስዎ ዘለኹም?” በሎም።

30ንሳቶም ድማ “እዙይ ገባሪ ክፉእ እንተ ዘይኸውንስ፥ ናባኻ ኣሕሊፍና ኣይምሃብናዮን ኔርና” ኢሎም መለሱሉ።

31ሽዑ ጲላጦስ “ንስኻትኩም ወሲድኩም፥ ከምቲ ሕግኹም ጌርኩም ፍረድዎ” በሎም። ኣይሁድ ከዓ “ንኣናስ ሓደኳ ኽንቀትል ኣይተፈቐደልናን” በልዎ።

32እዙይ ከዓ እቲ ኢየሱስ፥ በየናይ ሞት ክመውት ከም ዘለዎ ኸመልክት ኢሉ፥ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።

33ጲላጦስ መሊሱ ናብ መጋባእያ ኣተወ፤ ንኢየሱስ ፀዊዑ ኸዓ “ንስኻ ናይ ኣይሁድ ንጉስ ዲኻ?” በሎ።

34ኢየሱስ ድማ “እዝ ትዛረቦ ዘለኻ ኻብ ባዕልኻ ዲኻ፥ ወይ ብዛዕባይ ካልኦት ነጊሮምኻ ኢዮም?” ኢሉ መለሰሉ።

35ጲላጦስ ከዓ “ኣነ ኣይሁዳዊ ድየ? ወገናትካን ሊቃነ ካህናትን እዮም፥ ናባይ ኣሕሊፎም ዝሃቡኻ፤ እንታይ ጌርካ ኢኻ?” ኢሉ ጠየቖ።

36ኢየሱስ ድማ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮነትን፤ መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተ እትኸውንስ፥ ናብ ኣይሁድ ከይወሃብ፥ ወታደራተይ ምተዋግኡለይ ነይሮም። ሕዚ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮነትን” ኢሉ መለሰ።

37ጲላጦስ ድማ “እምበኣርከስ ንስኻ ንጉስ ኢኻ?” በሎ። ኢየሱስ ድማ “ኣነ ንጉስ ምዃነይ፥ ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ።(ሐ) ኣነ ንሓቂ ኽምስክር እየ ዝተወለድኩ፤ ምእንቲ እዙይውን እየ ናብ ዓለም ዝመፃእኹ፤ ካብ ሓቂ ዝኾነ ዅሉ ኸዓ፥ ቃለይ ይሰምዕ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።

38ጲላጦስ ድማ “ሓቂኸ እንታይ እዩ?” በሎ። እዙይ ኢሉ፥ መሊሱ ናብ ኣይሁድ ወፂኡ “ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን።

39እንተ ኾነ፥ ንኣኻትኩም በብፋሲካ፥ ሓደ እሱር ክፈትሐልኩም ልማድ ኣለኩም። ስለዙይ ነዝ ንጉስ ኣይሁድ ክፈትሐልኩምዶ ትደልዩ ኢኹም?” በሎም።

40ሽዑ ንሳቶም መሊሶም “ነዝ ሰብ እዙይ ዘይኮነስ፥ ንበርባን ፍትሐልና!” እናበሉ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ። በርባን ግና ሽፍታ(መ) ዝነበረ እዩ።

ትርጓሜ

18:1-12 ሓጢኣት ኣብ ገነት ኤደን እያ ተጀሚራ። ኣብኡ መርገም ተኣዊጁ፣ ኣብኡ ድማ እቲ ቤዛ ተመባጺዑ። ኣብ ሓንቲ ገነት ድማ እቲ ተመባጺዑ ዝነበረ ዘርኢ ምስ እቲ ናይ ቀደም ተመን ኣብ ባእሲ ኣተወ። ክርስቶስ ኣብ ገነት ድማ እዩ ተቐቢሩ። ኣብ ኣትክልትና ክንመላለስ ከሎና፣ ካብኡ ምኽንያት ንውሰድ ኣብ ገነት ብዛዕባ መከራ ክርስቶስ ክንምርምር። ጐይታና የሱስ፣ ዚመጽኦ ዘበለ ዅሉ እናፈለጠ፣ ወጸ እሞ፡ "ንመን ኢኹም እትደልዩ?" ኢሉ ሓተተ። እቶም ሰባት ንጉስ ክገብርዎ ምስ ደለዩ ድማ፣ ተሰወረ፣ ምዕ.

18:13-27 ስምዖን ጴጥሮስ ጐይታኡ ከሓደ። እቲ ዝርዝራት ኣብ መግለጺታት ካልኦት ወንጌላት ተራእዩ እዩ። መጀመርታ ሓጢኣት ማይ ከም ምፍታሕ እዩ። ሓጢኣት ሓሶት ፍርያም ሓጢኣት እዩ፤ ሓንቲ ሓሶት ንኻልእ ሓሶት ንምድጋፍ የድልያ፣ እታ እውን ንኻልእ። ንነፍስና ናብ ሓደጋ ንምእታው ዝጽውዕ ጻውዒት ግልጺ እንተኾይኑ፣ ኣምላኽ ክነኽብሮ ከኽእለና ተስፋ ክንገብር ንኽእል ኢና፤ እንተዘይኮይኑ ግና፣ ኣምላኽ ንርእስና ኸነሕፍር ከግድፈና ንፈርህ ኢና።

ብዛዕባ እተን የሱስ ብዙሕ ሰናይ ዝገበረለንን ትምህርቱ ዘመስከራን ተኣምራት ገለ እኳ ኣይበሉን። ከምኡ ገይሮም ጸላእቲ ክርስቶስ፣ ምስ ሓቂኡ እናተኻሰሱ፣ ብፍቓዶም ኣዒንቶም ዓጸዉሉ። ነቶም ዝሰምዕዎ ለሚኑ። ትምህርቲ ክርስቶስ ነቶም ኹሎም ዝፈልጥዋ ብእምነት ክትልምን ትኽእል እያ፣ እቶም ብሓቂ ዝፈርዱ ድማ ይመስክሩላ። ቁጥዓና ብሰሪ ምጉዳእ ፈጺሙ ብስምዒት ዝተመልአ ክኸውን የብሉን። ምስቲ ዝጎድኦ ሰብ ተኻትዐ፣ ንሕናውን ከምኡ ክንገብር ንኽእል ኢና።

18:28-32 ብዙሕ ሰናይ ዝገበረ ንሞት ምውፋይ ቅኑዕ ኣይነበረን፤ ስለዚ ድማ ኣይሁድ ካብ ነቀፌታ ንምድሓን ድልዋት ነበሩ። ብዙሓት ነቲ ሓጢኣት ካብ ምግባሩ ንላዕሊ፡ ዕብዳኑ ይፈርሑ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ኢየሱስም ይህን ብሎ አትክልት ወዳለበት ስፍራ ወደ ቄድሮን ወንዝ ማዶ ከደቀ መዛሙርቱ ጋር ወጣ፤ እርሱም ደቀ መዛሙርቱም በዚያ ገቡ። አማርኛ ENGNIV When he had finished praying, Jesus left with his disciples and crossed the Kidron Valley. On the other side there was … English GAZBIB Yesus dubbii kana erga dubbatee bartoota isaa wajjin ka'ee, iddoo dhaabaa dachaa Qedroon gama jiru tokko dhaqe; inni, b… Afaan Oromoo BCV GIZ ወዘንተ ብሂሎ ወጽአ እግዚእ ኢየሱስ ምስለ አርዳኢሁ ማዕዶተ ቄድሮስ ፈለገ አርዝ። ወቦ ህየ ገነት ዐጸደ ሐምል ወቦአ እግዚእ ኢየሱስ ውስቴታ ምስለ አርዳኢሁ። giz GAZGAZ Yesus dubbii kana erga dubbatee bartoota isaa wajjin ka'ee, iddoo dhaabaa dachaa Qedroon gama jiru tokko dhaqe; inni, b… Afaan Oromoo BCV aksum ኢየሱስ እዙይ ምስ በለ፥ ምስ ደቀ መዛሙርቱ፥ ናብ ማዕዶ ሩባ ቄድሮን ሰጊሩ፥ ናብታ ኣታኽልቲ ዘለዋ ቦታ ኸደ፤ ምስ ደቀ መዛሙርቱውን ናብኣ ኣተወ። ትግርኛ AMHNIV ኢየሱስ ይህን ካለ በኋላ ከደቀ መዛሙርቱ ጋር ሆኖ የቄድሮንን ሸለቆ ተሻገረ፤ ማዶ ወደ ነበረውም የአትክልት ስፍራ ገቡ። አማርኛ SWAHSUV Alipokwisha kusema hayo, Yesu alitoka pamoja na wanafunzi wake kwenda ng'ambo ya kijito Kedroni, palipokuwapo bustani; … Kiswahili