ወንጌል ዮሃንስ 17

BCV aksumትግርኛ26 ፍቕድታት3:48 ስማዕ
ስማዕ 3:48 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኢየሱስ እዙይ ምስ ተዛረበ፥ ኣዒንቱ ናብ ሰማይ ቈላሕ ኣቢሉ ኸምዙይ በለ፦ “ኦ ኣቦ! እንሆ፥ እታ ሰዓት በፂሓ እያ፤ ወድኻ ምእንቲ ከኽብረካስ፥ ንወድኻ ኣኽብሮ፤

2ነዞም ዝሃብካዮ ዅላቶም፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽህቦም፥ ንእኡ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ወዲ ሰብ ስልጣን ሂብካዮ ኢኻሞ።

3ናይ ዘለኣለም ህይወት ከዓ፥ በይንኻ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ንዝኾንካን፥ ንዝለኣኽካዮ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ምፍላጥ እዩ።

4ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈፂመ፥ ኣብ ምድሪ ኣኽቢረካ እየ፤

5ኦ ኣቦ! ሕዚ ድማ በቲ ዓለም እንተይተፈጥረ፥ ኣባኻ ብዝነበረኒ ኽብሪ ኣኽብረኒ።

6ነቶም ካብ ዓለም ዝሃብካኒ ሰባት፥ ስምካ ገለፅኩሎም። ናትካ ነበሩ፤ ንኣይ ድማ ሃብካኒ፤ ቃልካውን ሓለዉ።

7እቲ ዅሉ ዝሃብካኒ፥ ካባኻ ምዃኑ ሕዚ ፈለጡ።

8እቲ ዝሃብካኒ ቓል ሃብኩዎም፤ ንሳቶምውን ተቐበልዎ። ኣነ ኻባኻ ኸም ዝመፃእኹ ድማ ብሓቂ ፈለጡ፤ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒውን ኣመኑ።

9ኣነ ምእንትኣቶም እልምን ኣለኹ። ናትካ እዮም እሞ፥ ምእንቲ እዞም ዝሃብካኒ እምበር፥ ምእንቲ ዓለምስ ኣይልምንን እየ።

10ኵሉ ናተይ ናትካ እዩ፤ እቲ ናትካውን ናተይ እዩ፤ ኣነውን ብኣኣቶም እኸብር ኣለኹ።

11ደጊም ኣነ ኣብ ዓለም ኣይነብርን እየ። ንሳቶም ግና ኣብ ዓለም ኣለዉ፤ ኣነውን ናባኻ እመፅእ ኣለኹ። ኦ ቕዱስ ኣቦ! ነቶም ዝሃብካኒ፥ ከማና ሓደ ምእንቲ ክኾኑ፥ ብስምካ ሓልዎም።

12ኣነ ምስኣቶም ኣብ ዓለም እንተለኹ፥ ነቶም ዝሃብካኒ በቲ ስምካ፥ ሓለኹዎምን ተኸናኸንክዎምን፤ እቲ ቓል መፅሓፍ ምእንቲ ኽፍፀም፥ እንትርፊ እቲ ወዲ ጥፍኣት፥ ካብኣቶም ሓደኳ ዝጠፍአ የለን።

13ሕዚ ግና ናባኻ እመፅእ ኣለኹ፤ ሓጐሰይ ኣብኣቶም ምሉእ ምእንቲ ክኸውን ድማ፥ እዙይ ኣብ ዓለም እዛረብ ኣለኹ።

14ኣነ ቓልካ ሃብክዎም፤ ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኮንኩ፥ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኮኑን እሞ፥ ዓለም ፀልኦም።

15ካብ ክፉእ ክትሕልዎም እምበር፥ ካብ ዓለም ክትወስዶም ኣይኮንኩን ዝልምነካ ዘለኹ።

16ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኮንኩ፥ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኮኑንሞ።

17በቲ ሓቅኻ ቐድሶም፤ ቃልካ ሓቂ እዩ።

18ከምቲ ንኣይ ናብ ዓለም ዝለኣኽካኒ፥ ከምኡ ኣነውን ናብ ዓለም ለኣኽክዎም።

19ንሳቶም ብሓቂ ምእንቲ ኽቕደሱስ፥ ኣነ ምእንትኣቶም ንርእሰይ እቕድስ ኣለኹ።

20“ምእንቲ እቶም ብቓሎም፥ ብኣይ ዝኣምኑውን እምበር፥ ምእንቲ እዚኣቶም ጥራሕ ኣይኮንኩን ዝልምን ዘለኹ።

21ኦ ኣቦ! ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ፥ ዓለም ምእንቲ ኽኣምንስ፥ ኵላቶምውን ሓደ ምእንቲ ክኾኑ፥ ንስኻ ኣባይ ከም ዘለኻ፥ ኣነውን ኣባኻ ኸም ዘለኹ፥ ከምኡ ድማ ንሳቶም፥ ኣባና ምእንቲ ክኾኑ እልምን ኣለኹ።

22ንሕና ሓደ ኸም ዝኾንና፥ ንሳቶምውን ከማና ሓደ ምእንቲ ክኾኑ፥ እቲ ዝሃብካኒ ኽብሪ ሃብክዎም።

23እዙይ ድማ ኸምቲ ኣነ ኣብኣቶም፥ ንስኻውን ኣባይ ዝኾንካ፥ ንሳቶምውን ብሓድነት ፍፁማን ምእንቲ ክኾኑ እዩ፤ ከምኡ ድማ ንኣይ ከም ዝለኣኽካኒ፥ በቲ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪውን፥ ንኣኣቶም ከም ዘፍቀርካዮም፥ ዓለም ምእንቲ ኽፈልጥ እዩ።

24ኦ ኣቦ! ቅድሚ ምፍጣር ዓለም፥ ንኣይ ብምፍቃርካ፥ ዝሃብካኒ ኽብሪ ምእንቲ ኽሪኡ፥ እዞም ዝሃብካኒ፥ ኣብቲ ኣነ ዘለኽዎ፥ ንሳቶምውን ኣብኡ ኽህልዉ እደሊ ኣለኹ።

25ኦ ፃድቕ ኣቦ! ዓለም ኣይፈለጠካን፤ ኣነ ግና ፈሊጠካ ኣለኹ። እዚኣቶምውን ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ፈሊጦም ኣለዉ።

26እታ ንኣይ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ፥ ኣብኣቶም ምእንቲ ኽትህሉ፥ ኣነውን ኣብኣቶም ምእንቲ ኽነብር፥ ስምካ ኣፍሊጠዮም ኣለኹ፤ ከፍልጦምውን እየ።”

ትርጓሜ

17:1-5

ጐይታና ከም ሰብ፡ ከም ኣማላዲ ህዝቡ ድማ ጸለየ። ግናኸ፡ ከምቲ ምስ ኣቦ ሓደ ዝኾነን ማዕረኡ ዝኾነን ኮይኑ፡ ብግርማን ስልጣንን ተዛረበ። ክርስቶስ፡ መኽፈሊኦም፡ ንኣቦ እንተዘይኣኽቢሩዎ፡ ብእኡ ድማ እንተዘይተኸቢሩ፡ ንኣመንቲ ዘለኣለማዊ ህይወት ኪወሃብ ኣይተኻእለን። እዚ ንሓጥእ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዚመርሕ መገዲ እዩ፣ እዚ ፍልጠት እዚ ምስ ተፈጸመ ድማ፡ ምቅዳስን ሓጐስን ብምልኡ ኪጥዐሙ እዮም። ምቅዳስን ሓጐስን ናይ እቶም ተበዝሑ፡ ብፍላይ እቲ ናይ ክርስቶስን ናይ ኣቡኡን ክብሪ እዩ፣ እዚ ድማ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ሓጐስ ነበረ፣ ምእንትኡ መስቀል ዝጸገበን ንነውሪ ዝነዓቐን። እዚ ክብሪ እዚ መወዳእታ ናይ ጓሂ ነፍሱ ነበረ፣ ንእኡ ብምርካቡ ድማ ብምልኡ ተዓገበ። በዚ ድማ፡ ንኣምላኽ ምምካብና፡ ከም መርኣያ ናይቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎና ምትእስሳር፡ ኣድላዪ ምዃኑ ተምሂርና ኣሎና፣ ብእኡ ኣቢሉ ዘለኣለማዊ ህይወት ውህበት ጸጋ ኣምላኽ እዩ።

17:6-10. ክርስቶስ ነቶም ናይኡ ዝኾኑ ይጽሊ። ንስኻ ናባይ ሃብካዮም፣ ከም ኣባጊዕ ንጓሳ ንኽሕለዋ፤ ከም ሕሙም ንሓኪም ንኽሓዊ፤ ከም ደቁ ንመምህር ንኽምሃሩ። በዚ ኸኣ ሓላፍነቱ ከረክብ እዩ። ኣብ ክርስቶስ ክንውከል ከሎና፣ ኩሉ ዝኾኖን ዘለዎን፣ ኩሉ ዝበሎን ዝገበሮን፣ ኩሉ ዝገብሮ ዘሎን ክገብሮ ዝመጽእን ካብ ኣምላኽ ምዃኑ ንዓና ዓብይ ቅሳነት እዩ። ክርስቶስ ነዚ ጸሎት እዚ ንህዝቡ ጥራይ ከም ኣመንቲ ኣቕረበ፤ ንዓለም ብሓፈሻ ኣይኮነን። ይኹን እምበር፣ ናብ ኣቦ ክመጽእ ዝደሊ፣ ከምኡ'ውን ብገዛእ ስሙ ንምምጻእ ብቑዕ ከምዘይኮነ ዝፈልጥ፣ ብኣዋጅ መድሓኒት ክብተኽ የብሉን፣ ከመይሲ ንሱ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዝመጹ ኩሎም ክሳብ መወዳእታ ንምድሓን ክኢሉን ድሉው ኮይኑን ኣሎ። ጽኑዕ ምእማንን ጽኑዕ ድሌታትን፣ ኣብ ሰብ ብዝቐድም ዝተዓየ ዕዮ ተስፋ ዝህቡ ምልክታት እዮም፤ ንሱ ብምቅዳስ መንፈስን ብእምነት ሓቅን ኣቢሉ ናብ ምድሓን ከምዝተሐርየ ንምርግጋጽ ይጅምሩ። ንሳቶም ናትካ እዮም፤ ንናትካስ ኣይክትሓሊሎምንዶ ኢኻ? ኣይክትውሕሶምንዶ ኢኻ? እዚ ልማኖ እዚ ዝተሰረተሉ መሰረት ኣስተውዕል፦ ኩሉ ናተይ ናትካ እዩ፣ ኩሉ ናትካ ኸኣ ናተይ እዩ። እዚ ኣቦን ወልድን ሓደ ምዃኖም ይገልጽ። ኩሉ ናተይ ናትካ እዩ። ወልድ ናብ ኣገልግሎት ኣቦ ዘይተወፈዩ ናቱ ዝብሎም የብሉን።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ኢየሱስም ይህን ተናግሮ ወደ ሰማይ ዓይኖቹን አነሣና እንዲህ አለ፦ “አባት ሆይ፥ ሰዓቱ ደርሶአል፤ ልጅህ ያከብርህ ዘንድ፥ በሥጋም ሁሉ ላይ ሥልጣን እንደ ሰጠኸው፥ ለሰጠኸው ሁሉ የዘላለምን … አማርኛ ENGNIV After Jesus said this, he looked toward heaven and prayed: “Father, the time has come. Glorify your Son, that your Son … English BCV ኢየሱስ እዙይ ምስ ተዛረበ፥ ኣዒንቱ ናብ ሰማይ ቈላሕ ኣቢሉ ኸምዙይ በለ፦ “ኦ ኣቦ! እንሆ፥ እታ ሰዓት በፂሓ እያ፤ ወድኻ ምእንቲ ከኽብረካስ፥ ንወድኻ ኣኽብሮ፤ ትግርኛ GAZBIB Dubbii kana erga dubbatee booddee, Yesus gara waaqaatti ol ilaalee, ?Yaa abbaa, yerichi ga'eera, ilmi kee ulfina akka s… Afaan Oromoo BCV GIZ ወዘንተ ነገረ ተናጊሮ እግዚእ ኢየሱስ አንሥአ አዕይንቲሁ ውስተ ሰማይ ወይቤ፦ “አባ በጽሐ ጊዜሁ ከመ ትሰብሖ ለወልድከ ወከመ ወልድከኒ ይሰብሕከ። giz GAZGAZ Dubbii kana erga dubbatee booddee, Yesus gara waaqaatti ol ilaalee, ?Yaa abbaa, yerichi ga'eera, ilmi kee ulfina akka s… Afaan Oromoo AMHNIV ኢየሱስ ይህን ከተናገረ በኋላ፣ ወደ ሰማይ ቀና ብሎ እንዲህ ሲል ጸለየ፤ “አባት ሆይ፤ ጊዜው ደርሶአል፤ ልጅህ ያከብርህ ዘንድ ልጅህን አክብረው፤ አማርኛ SWAHSUV Maneno hayo aliyasema Yesu; akainua macho yake kuelekea mbinguni, akasema, Baba, saa imekwisha kufika. Mtukuze Mwanao, … Kiswahili