ወንጌል ዮሃንስ 14

BCVትግርኛ31 ፍቕድታት4:47 ስማዕ
ስማዕ 4:47 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1“ልብኹም ኣይሸበር፤ ብእግዚኣብሄር እመኑ፤ ብኣይውን እመኑ።

2ኣብ እንዳ ኣቦይ፥ ብዙሕ መንበሪ ኣሎ፤ እንተ ዘይህሉስ፥ ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣለኹ፥ ኣይምበልኩኹምን ነይረ።

3ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፥ ኣብቲ ኣነ ዘለኹዎ፥ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ተመሊሰ ኽመፅእ እየ፤ ናባይውን ክወስደኩም እየ።

4ኣነ ናበይ ከም ዝኸይድ ትፈልጡ ኢኹም፤ መንገዱውን ትፈልጥዎ(ሀ) ኢኹም።”

5ቶማስ ከዓ “ጐይታ፥ ናበይ ከም እትኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና፤ ነቲ መንገዲ ደኣ፥ ከመይ ጌርና ኢና እንፈልጦ?” በሎ።

6ኢየሱስ ድማ፦ “ኣነ መንገድን ሓቅን ህይወትን እየ፤ ብዘይ ብኣይ፥ ሓደኳ ናብ ኣብ ዝመፅእ የለን።

7ንኣይ ፈሊጥኩምኒ እንተ እትኾኑስ፥ ነቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም፤ ካብ ሕዚ ግና፥ ፈሊጥኩምዎን ርኢኹምዎን ኣለኹም።”

8ፊልጶስ ከዓ “ጐይታ፥ ንኣብ ደኣ ኣርእየና እምበር፥ ይኣኽለና” በሎ።

9ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ በሎ፦ “ፊልጶስ፥ እዝ ኽንድዙይ ዝኣክል ጊዜ፥ ምሳኻትኩም ክነብር እንተለኹዶ ኣይፈለጥካንን ኢኻ? እቲ ነኣይ ዝረአየ፥ ንኣብ ረአየ፤ ከመይ ኢልካ ደኣ ‘ንኣብ ኣርእየና’ ትብል ኣለኻ?

10ኣነ ኣብ ኣቦ ኸም ዘለኹ፥ ኣብውን ኣባይ ከም ዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ? እቲ ኣባይ ዘሎ ኣብ፥ ባዕሉ እዩ ግብርታቱ ዝገብር ዘሎ እምበር፥ እዝ ነኣኻትኩም ዝነግረኩም ዘለኹ ቓል፥ ካብ ባዕለይ ኣይኮንኩን ዝዛረቦ ዘለኹ።

11ኣነ ኣብ ኣቦ ምህላወይ፥ ኣብውን ኣባይ ምህላዉ እመኑ፤ እንተ ዘይኮነ ስለ እቲ ግብርታት(ለ) እኳ እመኑኒ።

12ኣነ ናብ ኣብ እኸይድ ኣለኹ እሞ፥ እቲ ብኣይ ዝኣምን፥ እቲ ኣነ ዝገብሮ ግብርታት ከም ዝገብር፥ ካብዙይ ዝዓቢውን ከም ዝገብር፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።

13ኣብ፥ ብወልድ ምእንቲ ክኸብርስ፥ ኵሉ ብስመይ እትልምንዎ ኽገብረልኩም እየ።

14ኵሉ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ድማ ኽገብረልኩም እየ።

15“ትፈትዉኒ እንተ ዄንኩም ትእዛዛተይ ሓልዉ።

16ኣነ ኸዓ ንኣብ ክልምኖ እየ፤ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዝነብር፥ ካልእ መፀናንዒ ኽህበኩም እዩ።

17ንሱ ናይ ሓቂ መንፈስ እዩ፤ ዓለም ዘይሪኦን ዘይፈልጦን ብምዃኑ፥ ክቕበሎ ኣይኽእልን፤ ንስኻትኩም ግና ምሳኻትኩም ዝነብርን ኣባኻትኩም ዝሓድርን ስለ ዝኾነ ትፈልጥዎ ኢኹም።

18“ኣነ ደኽታማት ክትኮኑ ኣይሓድገኩምን እየ፤ ናባኻትኩም ክመፅእ እየ።

19ደጊም ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ፥ ዓለም ኣይሪአንን እዩ፤ ንስኻትኩም ግና፥ ክትሪኡኒ ኢኹም፤ ከምቲ ኣነ ህያው ዝኾንኩ፥ ንስኻትኩምውን ህያዋን ክትኮኑ ኢኹም።

20በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኣነ ኣብ ኣቦይ፥ ንስኻትኩም ከዓ ኣባይ፥(ሐ) ኣነውን ኣባኻትኩም ከም ዘለኹ፥ ክትፈልጡ ኢኹም።

21እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎሞ ዝሕልዎ፥ ንሱ እዩ ዘፍቅረኒ፤ ነቲ ዘፍቅረኒ ድማ፥ ኣቦይ ከፍቅሮ እዩ፤ ኣነውን ከፍቅሮ እየ፤ ርእሰይ ከዓ ኽገልፀሉ እየ።”

22እቲ ኣስቆሮታዊ ዘይኮነ ይሁዳ ድማ፥ “ጐይታ፥ እቲ ንዓለም ዘይኮነ፥ ንኣና ንባዕልኻ እትገልፀሉ ኸመይ እዩ?” በሎ።

23ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “እቲ ዘፍቅረኒ፥ ቃለይ ክሕሉ እዩ፤ ኣቦይ ከዓ ኸፍቅሮ እዩ፤ መፂእና ድማ ኣብኡ ኽንሓድር ኢና።

24እቲ ዘየፍቅረኒ ግና፥ ንቓለይ ኣይሕልዎን እዩ፤ እዝ እትሰምዕዎ ዘለኹም ቃል ከዓ፥ ናይቲ ዝለኣኸኒ ኣብ እዩ እምበር፥ ናተይ ኣይኮነን።

25“ገና ምሳኻትኩም እንተለኹ፥ እዝ ነገራት እዙይ ነገርኩኹም።

26እቲ ኣብ፥ ብስመይ ዝሰዶ መፀናንዒ መንፈስ ቅዱስ፥ ንሱ ዅሉ ኽምህረኩም፥ ነቲ ዅሉ ኣነ ዝነገርኩኹምውን ከዘክረኩም እዩ።

27ሰላም እሓድገልኩም ኣለኹ፤ ሰላመይውን እህበኩም ኣለኹ፤ እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘለኹ፥ ከምቲ ዓለም ዝህቦ ኣይኮነን፤ ልብኹም ኣይሸበር፤ ኣይፍራሕውን።

28‘ኣነ ክኸይድ እየ፤ ናባኻትኩምውን ክምለስ እየ’ ዝበልኩኹም፥ ሰሚዕኹም ኣለኹም፤ እንተ እትፈትዉንስ፥ ናብ ኣብ፥ ብምኻደይ ምተሓጐስኩም ኔርኩም፤ ኣብ፥ ካባይ ይዓቢ እዩ እሞ።

29እቲ ነገር ምስ ኮነ ምእንቲ ኽትኣምኑ፥ እንተይኮነ ሕዚ ነጊረኩም ኣለኹ።

30ገዛኢ እዝ ዓለም እዙይ ይመፅእ ስለ ዘሎ፥ ደጊም ምሳኻትኩም ብዙሕ ኣይዛረብን እየ፤ ንሱ ኣባይ ሓንቲ ስልጣን የብሉን፤

31እንተ ኾነ፥ ኣነ ንኣብ ከም ዘፍቅሮ፥ ዓለም ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ከምቲ ኣብ ዝኣዘዘኒ እገብር ኣለኹ፤ ተስኡ ኻብዙይ ንኺድ።

ትርጓሜ

14:1-11፡ ኣብዚ ሰለስተ ቃላት ኣለዉ፣ ነፍሲ ወከፎም ክብሪ ክወሃቦም ዝኽእል እዩ። ኣብቲ ቃል "ዝተጨነቐ"። ከይትዕንደሩን ከይትሸበሩን። ኣብቲ ቃል "ልቢ"። ልብኹም ብምሉእ እምነት ኣብ ኣምላኽ ይሕሎ። ኣብቲ ቃል "ናትኩም"። ካልኦት ብስቓይ እዚ ዘመን እዚ እንተተዋሕጡ እኳ፣ ንስኹም ግና ከምኡ ኣይትኹኑ። ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ፣ ካብ ካልኦት ንላዕሊ፣ ኩሉ ነገር ዘይሰላም ኣብ ዝኸውንሉ እዋን፣ ኣእምሮኦም ህዱእ ገይሮም ክሕዙ ይግባእ። ኣንጻር እዚ ጭንቀት ኣእምሮ እዚ ዘሎ መፍትሒ ድማ፣ እመን እዩ። ብምእማን ብክርስቶስ ከም መንጎኛ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን፣ ምጽንናዕ ንረክብ። ሓጎስ ሰማይ ከም ኣብ ቤት ኣቦ ኮይኑ ተገሊጹ ኣሎ። ብዙሓት ማሕደር ኣለዋ፣ ከመይሲ ናብ ክብሪ ክመጹ ብዙሓት ውሉዳት ኣለዉ። ማሕደር ዘለኣለማዊ መሕደሪ እየን። ክርስቶስ እቲ ናይቲ ዝጅምሮ ወይ ጀማሪኡ ፈጻሚ ክኸውን እዩ፤ ንሱ ነቲ ቦታ እንተዳልየልና፣ ንሱ ድማ ንዓና ንዕኡ ከዳልወና እዩ። ክርስቶስ ናይ ሓጥኣን ናብ ኣቦን ናብ ሰማይን መገዲ እዩ፣ ብኣካሉ ከም ኣምላኽ ብስጋ እተገለጸ፣ ብመስዋእቲ ምትዕራቑ፣ ከምኡ ድማ ከም ጠበቓና። ንሱ ሓቂ እዩ፣ ኩሉ ትንቢታት ናይ መድሓኒ ብምፍጻሙ፤ እዚ ብምእማን፣ ሓጥኣን ብእኡ ገይሮም ናብቲ መገዲ ይመጹ። ንሱ ህይወት እዩ፣ በቲ ህይወት ዝህብ መንፈሱ፣ እቶም ብሓጥኣት ዝሞቱ ይሕይዉ። ሓደ እኳ ሰብ ናብ ኣምላኽ ከም ኣቦኡ ክቐርብ ኣይክእልን እዩ፣ ብእኡ ከም ህይወት እንተዘይተሕየወ፣ ብእኡ ከም ሓቂ እንተዘይተምሃረ፣ ብእኡ ከም መገዲ ገይሩ ድማ እንተዘይመጸ። ብክርስቶስ፣ ከም መገዲ፣ ጸሎትና ናብ ኣምላኽ ይኸይድ፣ በረኸታቱ ድማ ናባና ይመጽእ፤ እዚ ናብ ዕረፍቲ ዝመርሕ መገዲ እዩ፣ እቲ ጽቡቕ ናይ ጥንቲ መገዲ። ንሱ ትንሳኤን ህይወትን እዩ። ኵሉ እቶም ብእምነት ንክርስቶስ ዝርኣይዎ፣ ኣቦ ኣብኡ ርእዮም። ብብርሃን ትምህርቲ ክርስቶስ፣ ንኣምላኽ ከም ኣቦ ብርሃናት ርእዮም፤ ብተኣምራታት ክርስቶስ ድማ፣ ንኣምላኽ ከም ኣምላኽ ሓይሊ ርእዮም። ቅድስና ኣምላኽ ኣብቲ ንጹህ ህይወት ክርስቶስ ኣንጸባሪቑ። ኣምላኽ ንሰብ ብክርስቶስ ዝገበሮ ምግላጽ ክንኣምን ይግባኣና እዩ፤ ከመይሲ ግብርታት እቲ መድሓኒ ክብሩን ኣምላኽ ኣብኡ ከምዘሎን የርኢ።

14:12-17 ኣብ ስም ክርስቶስ እንልምኖ ዘበለ ንደሓናና ዝኸውንን ምስ ኩነታትና ዝሰማማዕን ኪኸውን እዩ፣ ንሱ ኸኣ ኪህበና እዩ። ኣብ ስም ክርስቶስ ምልማን ማለት ንብቕዓቱን ምምልላሱን ምምሕጻን፣ ከምኡ እውን በዚ ምልማን እዚ ምትእምማን እዩ። ህያብ መንፈስ ቅዱስ ፍረ ምብሓት ክርስቶስ ኮይኑ፣ ብብቕዓቱ ዝተዓደገን ብምምልላሱ ኸኣ ዝተቐበልናዮ እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6