ትንቢት ኤርምያስ 8

BCVትግርኛ22 ፍቕድታት4:30 ስማዕ
ስማዕ 4:30 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1“በቲ ጊዜ እቱይ ነዕፅምቲ ነገስታት ይሁዳን፥ ነዕፅምቲ መኳንንቲ ይሁዳን ነዕፅምቲ ኻህናትን ነዕፅምቲ ነቢያትን፥ ነዕፅምቲ ህዝቢ ኢየሩሳሌምን፥ ካብ መቓብሮም ከውፅእዎ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።

2ኣብ ቅድሚ እቶም ዝፈተውዎምን ዘምለኽዎምን ዝተኸተልዎምን ዝደለይዎምን ዝሰገዱሎምን ፀሓይን ወርሕን ኵሎም ከዋኽብቲ ሰማይን ክዝርግሕዎም እዮም። ኣብ ምድሪ ተደርቢዩ ድዅዒ ክኸውን እዩ እምበር፥ ዝእክቦ ወይ ዝቐብሮ የለን።

3ኵሎም እቶም ካብዝ ኽፉእ ወለዶ እዙይ ዝተረፉ፥ ኣብቲ ኣነ ዝሰጐጕክዎም ስፍራ ዘለዉ፥ ብህይወት ካብ ምንባር ሙማት ክመርፁ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”

4እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኸምዙይ ክብሎም ነገረኒ፦ “ዝወደቐ ሰብዶ ኣይትስእን እዩ? ዝሰሓተኸ ኣይምለስን ድዩ?

5ህዝቢ ኢየሩሳሌም ደኣ ስለ ምንታይ ኵልሻዕ ንድሕሪት ዝምለስ? ኣብ ተንኰል ፀኒዖም ምምላስውን ይኣብዩ።

6ፅን ኢለ ሰማዕኹ፤ ቅንዕና ኣይዛረቡን፤ ካብ ክፍኣቱ ዝናሳሕን ‘ስለ ምንታይ ክፉእ ገበርኩ’ ዝብልን የለን። ከምቲ ናብ ውግእ ዝፋንን ፈረስ፥ ነፍሲ ወከፎም በብመንገዶም ይኸዱ።

7ራዛ ኣብ ሰማይ ወርሓቱ ይፈልጥ፤ ባሪቶን ለዃዂቶን ዓያን ዝምለሳሉ ጊዜያት ይፈልጣ፤ ህዝበይ ግና ፍርዲ እግዚኣብሄር ኣይፈልጥን።

8ከመይ ኢልኩም ደኣ ኢኹም ‘ንሕና ለባማት ኢና፤ ሕጊ እግዚኣብሄር ድማ ምሳና ኣሎ’ እትብሉ ዘለኹም? እንሆ ሓሰውቲ ፀሓፍቲ ናብ ሓሰት ለዊጦምዎ እዮም።

9እዞም ጥበበኛታት እዚኣቶም ክሓፍሩን ክድንግፁን ክተሓዙን እዮም። ንሳቶም ንቓል እግዚኣብሄር ሓዲጎምስ፥ ከመይ ዝበለ ጥበብ ደኣ ሃልይዎም እዩ?

10ካብ ኣናእሽቶኦም ክሳዕ ዓበይቶም ኵላቶም ስስዐ ይኽተሉ፤ ካብ ነቢይ ኽሳዕ ካህን ኵላቶም ሓሰት የዘውትሩ። ስለዙይ ኣንስቶም ንኻልኦት ክህበን፤ ገራሁኦምውን ንዘጥርይዎ ክህቦ እየ።

11ሰላም ዘየለስ፥ ሰላም ሰላም እናበሉ፥ ንመስበርቲ ጓል ህዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለዉ።

12ርኽሰት ስለ ዝገበሩዶኸ ኽሓፍሩ እዮም? ፈፂሞም ኣይሓፍሩን፤ ሓፍረት እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን። ስለዙይ ምስቶም ዝወድቁ ኽወድቁ፥ ብጊዜ ቕፅዓቶም ከዓ ፃሕ ክብሉ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።

13“ኣነ ፈፂመ ኸጥፍኦም እየ፤ ኣብ ሃረግ፥ ወይኒ ኣይርከብን፤ ኣብ ኦም በለስውን በለስ ኣይርከብን፤ ቈፅሊ እኳ ይረግፍ፤ ነቶም ብእኡ ዝሓልፉ ኽህቦም እየ” ይብል እግዚኣብሄር።

14“ስለ ምንታይ ስቕ ኢልና እንቕመጥ? ተኣከቡ፤ ንዑናይ ናብተን ዕሩዳት ከተማታት ንእቶ፤ ኣብኡ ኸዓ ንጥፋእ፤ ንእኡ ስለ ዝበደልና፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽና መሪር ማይ ክንሰቲ ሂቡና እዩ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኣጥፊኡና እዩ።

15ንሰላም ብተስፋ ተፀበና፤ ግና ሰናይ ኣይመፀን። እንሓውየሉ ጊዜ ተፀበና፤ እንሆ ኸዓ ድንጋፀ ኾነ።

16ፀላእትና ድሮ ኽሳዕ ከተማ ዳን በፂሖም ኣለዉ፤ ድምፂ ኹርፋ ኣፍራሶም ኣብ ዳን ተሰምዐ። ብምሕምሓም ድንጉላ ኣፍራሶም ድማ ዅላ እታ ሃገር ትርዕድ። መፁ፤ ነታ ምድርን ኣብኣ ንዝነብሩ ዅሎምን ከዓ በልዕዎም።”

17“እንሆ፥ ዓዛሚ ኽዕዝሞም ዘይከኣሎ ኣትማንን ገበላትን ክሰደልኩም እየ፤ ንሳቶም ከዓ ኽነድፉኹም እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።

18ሓዘነይ ዘይፀናናዕ እዩ፤ ልበይውን ይጠልመኒ ኣሎ።

19“እግዚኣብሄርዶ ኣብ ፅዮን የለን እዩ? ንጉሳኸ ኣብኣ የለን ድዩ?” ዝብል ኣውያት ጓል ህዝበይ፥ ካብ ርሑቕ ሃገር ይስማዕ ኣሎ። “ስለ ምንታይ ደኣ ብቕሩፅ ምስልታቶምን ብጓኖት ጣዖታቶምን ዘቘጥዑኒ?”

20እቶም ህዝቢ ኸዓ “ቐውዒ ሓለፈ፤ ሓጋይ ተወድአ፤ ንሕና ኸዓ ኣይደሓንናን።”

21ጓል ህዝበይ ስለ ዝተሰበረት፥ ተሰበርኩ፤ ፀለምኩ፤ ሰካሕኹውን።

22ኣብ ገለዓድዶ ዝልከ ፈውሲ የለን እዩ? ኣብኡኸ ሓኪምዶ የለን እዩ? ጓል ህዝበይ ደኣ ስለ ምንታይ ዘይተፈወሰት?

ትርጓሜ

8:1-3 ምንምኳ ንስጋ ምዉት ሓቀኛ ጉድኣት ክበጽሖ ዘይክእል እንተኾነ እውን፣ ግና እቲ ኣብ ቅርስታት ረሲዓን ሰባት ዝበጽሕ ነውሪ ነቶም ክሳብ ሕጂ ዘለዉ ሰባት የሸብር፤ እዚ ድማ መለኮታዊ ፍርዲን መቕጻዕትን ካብ መቓብር ሓሊፉ ከምዝሰጋገር የዘኻኽረና። ኣብዚ ዝበጽሓና ኩሉ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንትሕትና፣ ንርሕራሔኡ ድማ ንለምን።

8:4-13 እዚ ጥፍኣት እዚኸ ብምንታይ መጸ? 1. እቶም ህዝቢ ንምስትውዓል ክሰምዑ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን፤ ንነፍሶም ብዝምልከት ብልሙድ ጥንቃቐ ክሰርሑ ኣይደለዩን። ሓጢኣት ምምላስ እዩ፤ ማለት እቲ ናብ ህይወት ዝመርሕ መገዲ ሓዲግካ፡ ናብቲ ናብ ጥፍኣት ዝመርሕ ምምላስ እዩ። 2. ንማዕዳ ሕልናኦም ክሰምዑ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። ናብ ንስሓ እቲ ናይ መጀመርታ ስጉምቲ ኣይወሰዱን፡ ሓቀኛ ንስሓ ዝጅምር፡ ብዛዕባ ዝገበርናዮ ብቑም ነገር ብምምርማርን፡ ጌጋ ከም ዝገበርና ምእማንን እዩ። 3. ንመገድታት ኣምላኻዊ ምምሕዳር ኣይተኸታተሉን፡ ኣብኡ ድማ ንድምጺ ኣምላኽ ኣይተረድኡን። ቍ. 7።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በዚያን ዘመን፥ ይላል እግዚአብሔር፥ የይሁዳን ነገሥታት አጥንትና የመኳንንቶቹን አጥንት፥ የካህናቱን አጥንትና የነቢያቱን አጥንት፥ የኢየሩሳሌምንም ሰዎች አጥንት ከመቃብራቸው ያወጣሉ። አማርኛ ENGNIV “ ‘At that time, declares the Lord, the bones of the kings and officials of Judah, the bones of the priests and prophet… English GAZBIB Waaqayyo,“Yeroo sanatti lafeen mootota Yihudaa, lafeen gurguddoota ishee, lafeen luboota ishee, lafeen raajota ishee fi… Afaan Oromoo BCV GIZ ይእተ አሚረ ይቤ እግዚአብሔር፡ ያወጽኡ አዕጽምተ ነገሥተ ይሁዳ ወአዕጽምተ መላእክቲሆሙ፡ ወአዕጽምተ ካህናት ወአዕጽምተ ነቢያት ወአዕጽምቲሆሙ ለእለ ይነብሩ ውስጥ ኢየሩሳሌም እምነ መቃብሪሆሙ። giz GAZGAZ Waaqayyo,“Yeroo sanatti lafeen mootota Yihudaa, lafeen gurguddoota ishee, lafeen luboota ishee, lafeen raajota ishee fi… Afaan Oromoo BCV aksum “በቲ ጊዜ እቱይ ነዕፅምቲ ነገስታት ይሁዳን፥ ነዕፅምቲ መኳንንቲ ይሁዳን ነዕፅምቲ ኻህናትን ነዕፅምቲ ነቢያትን፥ ነዕፅምቲ ህዝቢ ኢየሩሳሌምን፥ ካብ መቓብሮም ከውፅእዎ እዮም፤ ይብል እግዚኣብ… ትግርኛ AMHNIV “ ‘በዚያን ጊዜ፣ ይላል እግዚአብሔር፤ የይሁዳን ነገሥታትና መኳንንት ዐፅም፣ የካህናትና የነቢያት ዐፅም፣ የኢየሩሳሌም ሕዝብ ዐፅም ከየመቃብራቸው ይወጣል። አማርኛ SWAHSUV Wakati ule, asema Bwana, watatoa mifupa ya wafalme wa Yuda, na mifupa ya wakuu wake, na mifupa ya makuhani, na mifupa y… Kiswahili